‘‘ንከተማ ማርዩፖል ዝከላኸሉ ወታሃደራት ክሳብ መወዳእታ ክዋግኡ እዮም’’- ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰራዊት ሩስያ ተኸቢባ ንዘላ ወደባዊት ከተማ ማርዩፖል ዝከላኸሉ ዘለዉ ወታሃደራት ዩክረይን ክሳብ መወዳእታ ክዋግኡ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ደኒስ ሽማይሃል ገሊጹ፡፡
ንሱ፡ ዋለኳ ሩስያ እቶም ዝተረፉ ወታሃደራት ኢዶም ክህቡ ግዘ ገደብ እንተቐመጠት ዛጊድ ግን እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሩስያ ኣይወደቐትን ኢሉ፡፡
ብኻልእ ዜና ዩክረይን ዝኾነ ግዝኣት ምብራቓዊ ዶምባስ ኣሕሊፉ ከምዘይትህብ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ፡፡
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ቀንዲ ትኹረት መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እዩ ዘሎ፡፡
ሰራዊት ዩክረይን ግስጋሰ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝዓገቱላ ወደብ ኦዴሳ እውን፡ ቀጻኢ መጥቃዕቲ ሮኬት ይፍጸሞም ከምዘሎ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ገሊጹ፡፡
ትማሊ ሰንበት ዝነበሩ ካልኦት ምዕባለታት ድማ
· ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ መልእኽቲ ዘሕለፈ ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክሰፍን ዝጸወዐ ኮይኑ ‘‘ህዝቢ እናተሳቐየ ቅልጽም ምንፋሕ’’ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሉ
· ኣውሮጳ ተሸከርከርቲ ሩስያን ቤላሩስን ካብ ግዝኣታ ክወጻ ዘቐመጠቶ ግዜ ገደብ ቅድሚ ምእኻሉ፡ መካይን ዶብ ፖላንድ ቤላሩስ ንምቁራጽ ተሰሊፈን ኣለዋ
· ሰብ መዚ ሩስያ ምክትል ኣዛዚ ሻምናይ ኣርሚ ሜጀር-ጀነራል ቭላድሚር ፍሮሎቭ ምሟቱ ኣረጋጊጾም ኣለዉ፡፡ ንሱ ካብቶም ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝተቐተሉ ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ናይ ቀረባ ግዳይ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽሚሃል፡ ምስ ኣመሪካዊት ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሩስያ ኣብ ማርዩፖል ዝርከቡ ወታሃደራት ዩክረይን ክሳብ ሰንበት ኣጋግዘ ኢዶም ክህቡ ዝቐመጠቶ ገደብ ከምዝተነጸገ ገሊጹ፡፡
እታ ከተማ ዛጊድ አብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ከምዘይወደቐት ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘‘ሓይልታትና፣ ወታሃደራትና ክሳብ ሕጂ ኣለዉ፤ ስለዚ ክሰብ መወዳእታ ክዋግኡ እዮም፡፡ ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብ ማርዩፖል ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡
ሰራዊት ሩስያ ግና ዳርጋ ንምልእቲ እታ ከተማ ከምዝተቖጻጸራ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ሩስያ ነታ ከተማ እንተተቖጻጺራታ ግዝኣት ክሬምያ ምስተን ብዕጡቓት ደገፍቲ ሩስያ ተታሒዘን ዘለዋ ግዝኣታት ምብራቓዊ ዩክረይን ዝራኸቡሉ መንገዲ ስለዝፈጥር ንሰራዊታ ስትራተጂካዊ ዓወት እዩ፡፡
ሓይልታት ሩስያ ስቪላትን ዝቖሰሉ ወታሃደራትን ዝወጽእሉ ሰብኣዊ መተሓላለፊ ክኸፍቱ ዩክረይን ዝጸወዐት ኮይና ዛጊድ ግን ኣይተፈጸመን፡፡
ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ንሰላማውያን ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነ እዮም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝገልጹ፡፡
ሓይልታቶም ንከተማ ማርዩፖል ምክልኻል ኣብ ዝቐጸሉሉ፡ ሰብመዚ ዩክረይን ዝኾነ ግዝኣት ንሩስያ ንምሃብ ከምዘይተሰማምዑ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰንበት ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኲናት ጠጠው ንምባል ግዝኣት ዶንባስን ገለ ክፋል ምብራቓዊ ዩክረይንን ንሩስያ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ከምዘይቅበሎ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ዩክረይንን ህዝባን ግልጺ እዮም፤ ናይ ካልኦት ግዝኣት ሃቡና ኣይበልናን፡ ናትና ግን ኣይንህብን፡፡’’






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







