ጎንጺ ዩክረይን፡ ሩስያ ስለምንታይ ኣብ ሓጺር እዋን ኣማኢት ታንክታት ከሲራ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ንክረይን ካብ ዝወረረትሉ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዘለዉ ክልተ ኣዋርሕ ኣማኢት ታንክታት ከምዝሰአነት እዩ ዝእመን፡፡
ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ምዕራባውያን ንዩክረይን ዘዕጠቕዋ ዘመናዊ ጸረ ታንኪ ኣጽዋር ከምኡ ድማ ሩስያ ታንክታታ ዝተጠቐመቱሉ ድኹም መንገዲ ከምዝኾኑ ወታሃደራዊ ተንተንቲ ይገልጹ፡፡
ሩስያ ዛጊድ ክንደይ ታንኪታት ከሲራ?
ሩስያ ልዕሊ 680 ታንኪታት ከምዝኸሰረት ሰራዊት ዩክረይን ይገልጽ፡፡
ወታሃደራዊ ክሳራታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘጽንዕ ኦሪክስ ዝተባህለ ናይ ወታሃደራውን ስለላን ገጽ ብወገኑ ካብቲ ዓውደ ኲናት ዝተልኣኹ ስእሊታት መሰረት ብምግባር ብዝገበሮ ምጽራይ ሩስያ ልዕሊ 460 ታንክታትን ልዕሊ 2000 ድሩዓት ተሸከርከርትን ከምዝሰኣነት ሓቢሩ፡፡
ጸብጻብ ራንድን ኣይኣይኤስኤስን ዝተባህሉ ወታሃደራውያን ኣጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ጎንጺ ሩስያ ኣስታት 2700 ተዋጋእቲ ታንክታት ነይረናኣ፡፡
ኣጽዋራት ጸረ ታንኪ ማዕረ ክንደይ ውጽኢታዊ እዮም?
ኣብ መጀመርታ እቲ ጎንጺ ኣመሪካ 2000 ጃቨሊን ጸረ ታንኪ ሚሳይላት ንዩክረይን ዝሃበታ ኮይና ድሕሪኡ ድማ ብውሑድ ካልእ 2000 ልኢኻትላ እያ፡፡
ኣፍራዪ ጃቨሊን ሎክሂድ ማርቲን ከምዝብሎ፡ እቲ ሚሳይል ተተኲሱ ኣብቲ ድኹም ዝኾነ ላዕለዋይ ክፋል ታንኪ ዝፍንጀር እዩ፡፡
መብዛሕተአን ታንክታት ሩስያ ንሓደጋ እቲ ሚሳይል ከምክን ዝኽእል መሳርሒ ዝተገጠመለን እየን፡፡
ጃቨሊን ግና ክልተ መተኮሲ (ኣፈሙዝ) ዝተገጠመሉ እዩ፡፡ እቲ ሓደ ነቲ መከላኸሊ እታ ታንኪ ይወቅዕ፤ እቲ ካልአዋይ ድማ ነቲ ብትሕቲኡ ዘሎ ቻሲ የዕኑ፡፡
እቶም ሚሳይላት ኣብቲ ተቓላዓይ ዝኾነ ኣካላት ታንኪ ከምዝፍንጀሩ ተገይሮም ዝተሰርሑ እዮም፡፡
‘‘ጃቨሊንን NLAW ን ሓያላት እዮም’’ ዝብል ኣጽናዒ ብመሬት ዝካየድ ኲናት ኒክ ረይኖልድ ‘‘ብዘይካ እቲ ሓደገኛ ረድኤት፡ ኩነታት ዩክረይን ዝተፈለየ ምኾነ’’ ኢሉ፡፡
ኣመሪካ 100 ስዊችብሌድ ጸረ ታንኪ ድሮናት እውን ንዩክረይን ትልእኸላ ኣላ፡፡
እተን ‘‘ካሚካዝ’’ ተባሂለን ዝጽወዓ ድሮናት፡ ካብ ተቖጻጻሪአን ነዊሕ ማይላት ርሒቐን ኣብ ዝባን እቲ ግዳይ ክዞራ ዝኽእላ ኮይነን፡ ናብ ዝባን እታ ታንኪ ተፈንጃሪ ብምድባይ ክትዓኑ ዝገብራ እየን፡፡
ወታሃደራዊ ስልቲ ሩስያ ክንደይ ዝኣክል ክፍተት ኣለዎ?
ኣብዚ እዋን ሰራዊት ሩስያ ታንክታት፣ ኣጋርን ከቢድ ብረትን ብዝተዓጠቑ ባታልዮን ታክቲካል ግሩፕስ (ቢቲጂ)ዝበሃሉ ውዳበታት እዩ ዝዋፈር፡፡
ትሕዝቶ እቶም ኣሃዱታት ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ ብሓፈሻ ግን ብዙሓት ድሩዓት ተሸከርከርትን ውሑዳት ኣጋራትን ዝሓዛ እየን፡፡
ብኣንጻራውነት ሩስያ እተሰልፎም ወታሃደራት ውሑዳት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ኣብ ኣንድሪው ዩኒቨርሲቲ ናይ ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ዝኾነ ፊሊፕ ኦብራይን፡ ‘‘ቢቲጂ ብዙሕ ውቂዒታት ከዕርፍ ዝኽእል ተዋጋኣይ ኣሃዱ ንምፍጣር ዘኽእል መንገዲ እዩ’’ ይብል፡፡
‘‘ብፍጥነት ብብዙሕ ናይ ተኹሲ ዓቕሚ ከጥቅዑ ዝተሃነጹ እዮም፡፡ ኮይኑ ግና ዝዕጅቡዎምን መጥቃዕቲ እንተተፈንዩዎም ክከላኸሉሎም ዝኽእሉን ውሑዳት ኣጋራት እዮም ዘለዉዎም’’ ይብል፡፡
እዚ ድማ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከምዝገብሮም ይገልጽ፡፡
ሩስያ ኣብቲ ኲናት ናይ ኣየር ልዕልና ዘይምርካባ እውን ሓይልታት ዩክረይን ከምድላዮም ክንቀሳቐሱን ብድብያ ብዙሕ ጉድኣት ከብጽሑን ከምዝሓገዞም እዩ ፐሮፌሰር ኦብራይን ዝዛረብ፡፡
ጉዳይ ብቕዓትከ ሰራዊትከ?
መረዳእታ ኦራይክስ ከምዘመላኽቶ፡ ፍርቂ ካብተን ሩስያ ዝሰኣነተን ታንክታት ዝዓነዋ ወይ ብጻላኢ ጉድኣት ዝበጸሐን ኣይኮናን፤ ብጻላኢ ዝተማረኻ ወይ ገዲፎምወን ዝኸዱ እየን፡፡
እዚ ናይ ኣቕርቦት ጸገምን ጉድለት ብቕዓት ሰራዊት ሩስያን ዘመልክት ከምዝኾነ ወታሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ፡፡
‘‘ብትራክተራት ሩስያ ናይ ዝጉተታ ታንክታት ሩስያ ፎቶ ርእይና ኢና’’ ዝብል ፕሮፌሰር ኦብርያን ‘‘ገሊአን ታንክታት ነዳዲ ስለዝወደኣ ደርብዮምወን፡፡ እዚ ናይ ቀረብ ጸገም እዩ፡፡ ገሊአን ድማ እቲ ወራር ኣብ ግጉይ ወቕቲ ስለዝተጀመረ ኣብ ጭቃ ጽድያ ተረግሪገን’’ ይብል፡፡
ሪክ ረይኖልድ ብወገኑ ኣጋር ሰራዊት ሩስያ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ ዓቕሚ ዘለዎም ሓደሽቲ ምልምላት ዝበዝሕዎ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡ ብሰንኪ ትሑት ብቕዓት ኣሽከርከር ብዙሐት ታንክታት ከምዝጸደፋን ከምዝተደርበያን እውን ይሕብር፡፡
‘‘ብዙሕ ግዘ ግና፡ ወታሃደራት ተሸከርከርቲታቶም ገዲፎም ሃዲሞም እዮም፡፡ ስለዚ ናይ ምውጋእ ድልየት ኣይነበረን’’ ይብል፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







