ሩስያ ንፊንላንድ እተቕርቦ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክተቋርፅ እያ

ሩስያ ንፊንላንድ እተቕርቦ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክተቋርፅ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያዊ ትካል ጸዓት ኣርኤኦ ኖርዲክ፡ ካብ ሎሚ ቀዳም ጀሚሩ ናብ ፊንላንድ ዘቕርቦ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከቋርጾ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፡ ቅድሚ ሕዚ ናብ ፊንላንድ ናይ ዘቕረብክዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክፍሊት ስለዘይተኸፈለኒ እየ ዘቋርፅ ዘለኹ ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ትካል ምምሕዳር ፀዓት ፊንላንድ፡ ፊንላንድ ካብ ሩስያ ትረኽቦ መጠን ፀዓት ንእሽተይን ብካልኦት ኣማራፅታት ክትካእ ዝኽእልን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ፊንላንድ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምፅንባር ምሕላና ስዒቡ፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ሕነ ከምትፈድይ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ሓደ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኪሎሜትር ምስ ሩስያ እትዳወብ ፊንላንድ፡ ምስታ ምብራቓዊት ጎረቤታ ንዘይምቅርሓን ናብ ኔቶ ከይተፀንበረት ፀኒሓ።

እንተኾነ ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ፡ ፊንላንድ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትፅንበር ድጋፍ ህዝባ ረኺባ።

ፅባሕ ሰንበት ድማ፡ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ናይ ምፅንባር ድሌታ ብወግዒ ክተፍልጥ ትፅቢት ይግበር።

ውሳነ ኣርኤኦ ኖርዲክ ብቐጥታ ምስ ተበግሶ ፊንላንድ ኣይተትሓሓዘን።

እቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ትካል ጸዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኩነታት ኣብ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ንግዳዊ ታሪኽና ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ፍልይ ዝበለ እዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ትካል ፀዓት ኣርኤኦ ኮነ ፊንላንዳዊ ትካል ፀዓት፡ ነቲ ክፍሊት ኣጸጋሚ ብዛዕባ ዝገበረ ኩነታት ኣየነጸሩን።

ፊንላንድ፡ ካብ ሩስያ ትረኽቦ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 10 ሚእታዊት ጥራሕ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብ ፊንላንድ ብካልኦት ኣማራፅታት ብምትካእን ካብ ስዊድን ኣታዊ ብምግባርን ክትካእ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቡልጋርያን ፖላንድን ካብ ሩስያ ንዘእትውኦ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብሩብል ኣይንኸፍልን ምባለን ስዒቡ፡ ሩስያ ናብተን ሃገራት ትልእኾ ዝነበረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘቋረፀት ይፍለጥ።

ቡልጋርያን ፖላንድን፡ ብሩብል ኣይንኸፍልን ዝበልና፡ ምስቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበርኦ ማዕቐብ ስለዝፃረር እዩ ዝብል ምኽንያት እየን ዘቐርባ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ትካል ኣቕራቢ ፀዓት ሩስያ ጋዝፖርም፡ ብመስመር ፖላንድ ኣቢሉ ዘቐርቦ ነዳዲ ከምዘቋርፅ ኣፍሊጡ እዩ።