ውግእ ዩክረይን: ሩስያ ስልታዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትኽእል'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ "ናይ ምክልኻል ሓይልታቱ" ማለት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዝዓጠቐ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣጽዋር "ኣብ ተጠንቀቕ" ክቐውም ኣዚዙዎ።
እዚ ከኣ፡ ሞስኮ እቲ እስትራቴጂካዊ ግዜፍ ኑክለር ዘይኮነ እቲ ንእስ ዝበለ ስልታዊ ኑክሌራዊ ዕጥቃ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ስግኣት ኣሕዲሩ።
ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንታይ እዩ ?
ስልታዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ተዛማዲ ሓጺር ርሕቀት ማለት ካብ 400-500 ኪሎ ሜትር ከምኡ እውን ካብ 1500- 2500 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ተጓዒዙ ከጥቅዕ ዝኽእል ካብ ሳብማሪን መራኽብን ነቲ ብረት ዝዓጠቓ ዓበይቲ መካይንን ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይል እዩ።
እዚ ስልታዊ ኑክሌራዊ ዕጥቂ ካብ "ስትራተጂያዊ" ኑክሌራዊ ኣጽዋር እተፈልየ ኮይኑ፡ እተን ኣብ ዝሑል ኲናት ከም ክልተ ሓያላት ዝረኣያ ዝነበራ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ንሓድሕደን ክደባደባሉ ዝኽእላ ነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዝ ዝኽእል ብረት እዩ።
ይኹን እምበር፡ እታ "ታክቲካል ስልታዊ " እትብል ቃል ንብዙሕ ዓይነት ኣጽዋር፡ እንተላይ ነቲ ኣብ "ዓውደ ውግእ" ዘገልግል ናእሽቱ ቦምባታትን ሚሳይላትን ተጠቓለል እያ ።
ሩስያ እንታይ ስልታዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እያ ዘለዋ?
ሩስያ ኣስታት 2,000 ስልታዊ ኑክልራዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ይግመት።
እዚ ከኣ ነቲ ልሙድ ነተጕቲ ኣብ መዓልኡ ንምብጻሕ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሚሳይላት ክጻወድ ይኽእል። ኣብ ዓውደ ኲናት ከም መዳፍዕ ከምኡ እውን ካብ ነፈርትን መራኽብን ከምኡ እወን ንሳብማሪን ንምጥቃዕ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትኮስ ይኽእል።
ክልተ ሓጺር ርሕቀት ዝኸይድ ሚሳይል መሳርሒታት
- 1ይቲ ካሊበር ሚሳይል ( ኤስ ኤስ -ኤን 30) ካብ ሳብ ማሪንን መርከብን ዝትኮስ ኩሩዝ ሚሳይል፥
- ዕላማ፦ ንባሕርን መሬትን የጥቅዕ
- ርሕቀት፦ ካብ 1,500-2,500 ኪሎ ሜተር
- ንውሓት ሚሳይል፦ 6.2 ሜትሮ
- ዓይነት፡ ኩሩዝ ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2ይ
- እስካንደር ኤም ሚሳይል ላውንቸር ( ኤስ ኤእስ - 26- ሰቶን)
- ኣብ መሬት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ኑክሌሳዊ ዕጥቂ
- ዕላማ፦ ንባሕርን መሬትን የጥቅዕ
- ርሕቀት፦ ካብ 400-500 ኪሎ ሜተር
- ንውሓት ሚሳይል፦ 7.3 ሜትሮ
- ዓይነት፡ ሲሊድ ፊዩል ሮኬት

ምንጪ ስእሊ, Empics
እዚ ኣጽዋር እዚ ዛጊት ኣብ መኽዘን ከምዘሎ እዩ ዝእመን። ናብ ዓውደ ውግእ ኣይተንቀሳቐሰን። ሓደ ካብቲ ዘተሓሳስብ ከኣ፡ ሩስያ ካብ ዓበይቲ ስትራተጂካዊ ሚሳይላት፡ ነቲ ዝነኣሰ ስልታዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ስለእትኽእል እዩ።
"ነዚ ክፍለ ዓለም ዘይሰግር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፡ ከም ኣካል እቲ ልሙድ ሓይልታት ገይሮም ክርእይዎ ይኽእሉ ይኾኑ" ይብል ኣብ ቻታም ሃውስ ሓላፊ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ጸጥታ ዶክተር ፓትሪሽያ ልዊስ ፡
እቲ ኣጽዋር ማዕረ ክንደይ ሓያል እዩ?
መጠንን ሓይልን ስልታዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ይፈላለ እዩ።
እቲ ዝነኣሰ ሓደ ኪሎቶን ወይ ትሕቲኡ (ማዕረ ሓደ ሽሕ ቶን ናይ ፈንጂ ነታጕ ቲኤንቲ) ክኸውን ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ከኣ ክሳዕ 100 ኪሎቶን ክበጽሕ ይኽእል ።
እቲ ሳዕቤን ከኣ ኣብ ግዝፊ እቲ ቦምባን ካብ መሬት ክሳዕ ክንደይ ልዒሉ ይፍጀርን ናይቲ ከባቢ ኩነታትን ይምርኰስ።
ንምንጽጻር ዝኣክል ግን እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሂሮሺማ፡ ጃፓን ዝተተኮሰን ልዕሊ 146,000 ሰባት ዝቐተለን ቦምባ 15 ኪሎቶን እዩ ነይሩ ።
እቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዝዓበየ ስትራተጅያዊ ኣጽዋር ከኣ እንተ ወሓደ 800 ኪሎቶን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ፑቲን ብዛዕባ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝሃቦ መደረ ዘሻቕል ድዩ ?
ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ሩስያ ንምፍርራሕ እትጥቀመሉ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ካብ ሓደ ንላዕሊ ግዜ እዩ ጠቒስዎ ።
ስለያ ኣመሪካ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኵናት ዩክረይን ጣልቃ ንኸይኣትዋ ንምግታእ ከም መፈራርሒ ምልክት ደኣ እምበር ኑክሌራዊ ውግእ ክግበር ከም ዝሓሰበ ዝሕብር ኣይኰነን ይብሉ ።
ገሊኦም ግና፡ እቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ዕድል ኣዝዩ ትሑት እኳ እንተ ኰነ፡ ሩስያ ኣብ ገሊኡ ኵነታት፡ ኣብ ዩክረይን ዝነኣሰ ስልታዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትፍትን ትኸውን ኢሎም ይሓስቡ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃርቫርድ ኬነዲ ኣብ ዝርከብ ናይ ቤልፈር ማእከል ኒውክሌር ኤክስፐርት ዶ/ር ማሪያና ቡድጄሪን ኣብ ትዊተሩ "ፑቲን 'ርግኣት-ብዘይምርግጋእ" ብዝብል መደቡ ንምዕራባውያን ካብ ኵናት ዩክረይን ብምግታእ ነቲ ናይ ኔቶ ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ብምምካን ናይ ወረቐት ኣናብር ከም ዝኾኑ ንምግባር እዩ ክብል ይገልጾ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስለላ ትካል ሩስያ ምስ ኔቶ ኣብ ግጭት እንተኣትያ "ነገራት ንምርግጋእ ወጥሪ ምዕራግ" ዝብል ስነ-ሓሳብ ከም እትኽተል ይገልጽ።
እዚ ከኣ ሓደ ዘደንቕ ነገር ምግባር የጠቓልል። ንኣብነት ኣብ ዓውደ ውግእ ስልታዊ ኣጽዋር ምጥቃም። ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ከም መርኣያ ወይ ከም መፈራርሒ ምጥቃም የጠቓልል ።
እቲ ሓሳብ፡ ነቲ ሓደ ወገን ኣፈራሪሕካ ሰጋእ ከምዝብልን ከምዝግታእን ምግባር እዩ ።
እቲ ዘተሓሳስብ ግን እቲ ፑቲን ኣብ ውግእ ዩክረይን ዝሓዞ ናይ ምምእዛን ስምዒትን እስትራቴጂኡን ክፈሽል እንተጀሚሩ ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ ወይ እውን ስዕረት ንምውጋድ ስልታዊ ኒዩክሌር ከም መቐየሪ እቲ ግጥም ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኩነታት ምናልባት ጽባሕ ኣብ ሩስያ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ክሓስበሉ ይግባእ።
ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናይ ካርኔጊ ኢንዶውመንት ፎር ኢንተርናሽናል ፒስ ናይ ኑዩክሌር ኤክስፐርት ጄምስ አክተን " ኣብዚ ኩነታት እዚ ፑቲን ኒዩክሌር ክጥቀም ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ኣሎ። ንሕና ግን ገና ኣብቲ ደረጃ እቲ ኣይበጻሕናን ኣሎና።
ኣብ ለንደን ናይ ኪንግስ ኮሌጅ ናይ ኑኩሌር ኤክስፐርት ዶክተር ሄዘር ዊልያምስ ኣብ ዩክሬን "ዓወት" ማለት ንፑቲን እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ኣሸጋሪ እዩ። ስለዝኾነ ሩስያ ናይ ኑኩሌር ንኽትጥቀም ክደፍኣ ከምዝኽእል ኣይርድኣንን እዩ ይብል።
ምጥቃም ኑክሌር ስዕረትካ ምቅልጣፍ'ዶ ክኸውን ይኽእል?
ፑቲን፡ ዩክሬን ኣካል ራሻ እያ ስለዝብል፡ ኣብ ግዝኣታ ኒዩክሌር ክጥቀም ኣይክእልን እዩ ዝብል ጋሻ ነገር ክመስል ይኽእል እዩ።
ሩሲያ ንባዕላ ቀረባ ስለዝኾነት እቲ ስዕረት ዶብ ክሰግር ይኽእል እዩ። ክትብል ስትል ፓትሪሺያ ሉዊስ ተጠንቅቕ።
ኒዩክሌር፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ኵናት ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም እዩ ብኣመሪካ ኣብ ጃፓን ተተኲሱ። ስለዝኾነ ፑቲን ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘንበሮ ኒዩክሌር ናይ ዘይምጥቃም ሕጊ ክጥሕስ ዝደሊ ሰብ ክኸውን ይደሊ'ዶ ይኸውን። ንሱ ንዩክሬን ብምውራር ከምኡ እውን ኣብ ሳልስበሪ ናይ ነርቭ ኣጽዋር ስለዝተጠቕመ ኣይክግበርን እዩ ኣይበሃልን እዩ።
ዶክተር ዊሊያምስ፡ ሩሲያ ኑዩክሌር ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል ካልኣይ ምኽንያት ምናእባት ቻይና ክትከውን ትኽእል እያ።
"ሩሲያ፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ናይ ቻይናውያን ደገፍ የድልያ እዩ። ቻይና ከኣ መጀመሪያ ኒዩክሌር ናይ ዘይምጥቃም ዶክትሪን ኣሎዋ።
ስለዚ ፡ ፑቲን ከምኡ እንተገይሩ ቻይና ኣብ ጐድኑ ደው ክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ። ስለዝኾነ ፑቲን ኒዩክሌር እንተተጠቒሙሉ ደገፍ ቻይና ክስእን እዩ።
ኣብ ዓለም ዘሎ ጠቕላላ ብዝሒ ኒዩክሌር
- ሩስያ፦ 5977
- ኔቶ፡- 5943
- ቻይና፦ 350
- ፓኪስታን፦ 165
- ህንዲ፦ 160
- እስራኤል፦ 90
- ርዝ ኮርያ፦ 20
እዚ ኩነታት ናብ ኑክሌራዊ ውግእ ክመርሕ ይኽእል'ዶ?
ስልታዊ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ናበይ ከም ዝመርሕ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቲ ውግእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርትዐ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ግን ከኣ ፑቲን ኑክልየሳዊ ውግእ ከካይድ ዝደሊ ኣይመስልን። ይኹን እምበር፡ ግጉይ ቅማረ ከጋጥም ስለዝኽእል ወትሩ ሓደገኛ እዩ ።
ፓትሪሻያ ልዊስ፡ "ኵሉ ሰብ ከም ዝኸሓዶም ኮይኑ ክስመዖም ይኽእል'ዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ ነይሮም" ትብል። ኔቶ ኣትዩ ምላሽ እንተሃበ'ኸ እቲ ኵነታት እንታይ ክመስል ይኽእል።
ኣመሪካ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ እያ ትገልጽ።
ንኑክሌሳዊ ንጥፈታት ሩስያ ንምዕዛብ፡ ሰፊሕ ናይ መጸናጸኒ ክእለት ዘለዋ ማሽን ኣላታ። ንኣብነት፡ ሜለኵላዊ ኣጽዋር ካብ መኽዘን እንተወጺኡ፡ ወይ ኣብ ወብ ሳይታት ናይ ባህሪ ለውጢ እንተኣጋጢሙ ትሕብር።
ክኢላታት ስለያ ኣመሪካ ክሳዕ ሕጂ፡ ዓብዪ ለውጢ ከም ዘይረኣዩ እዮም ዝዛረቡ።
ኣመሪካን ኔቶን ንዝዀነ ይኹን ኑክልየሳዊ መዓላ ብኸመይ ከም ዝምልሳሉ ንምትንባይ ከቢድ እዩ። ነቲ ኵነታት ብዝያዳ ኼጋድድዎ ከምኡውን ንዅሉ ኑክሌራዊ ውግእ ኣብ ሓደጋ ኸእትውዎ ኣይደልዩን ይዀኑ። እንተዀነ ግን ሓደ መስመር ክስዕቡ እውን ይደልዩ ይዀኑ።
ንሱ ከኣ፡ ኑክሌራዊ ምላሽ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ልሙድ ብዝኾነ ኮንቨንሽናል ኣጽዋር ክምልሱ ይኽእሉ። እሞ'ኸ ሩስያ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ጀምስ ኣክቶን፡ " ሓንሳብ ናብ ኑክልየሳዊ ድርኵዂት እንተሰጊርካ ዋላ ሓንቲ ደው ዘብል ነገር የለን" ይብል ።
"ዝኾነ ይኹን ሰብ ዓለም ብዛባዚ እንታይ ክትመስል ከምእትኽእል ብምትእምማን ክገልጽ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ዝህሉ ኣይመስለንን" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







