ልፍንታዊ መንግስቲ ሆላንድ ንክፈርስ ጠንቂ ዝኾነ ፖሊሲ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ መንጎ ልፍንታዊ ውድባት ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ ከምዝፈረሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ሩተ ገሊጹ።
እተን ኣርባዕተ ውድባት ብዓርቢ ኣብቲ ብሚስተር ሩተ ዝምራሕ ዝነበረ ዝርርብ ክሰማምዓ ኣይከኣላን።
እቲ መንግስቲ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ዝቖመ እኳ እንተኾነ እተን ውድባት ኣብ ጉዳይ ስደት ንሓድሕደን ክጻረራ እየን ጸኒሐን።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓድሽ መረጻ ክካየድ ከምዝኽእል ሓቢረን።
ብሚስተር ሩተ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ቪቪዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላት ስደተኛታት ድሕሪ ዝተርኣየ ልዑል ብዝሒ፡ ዋሕዚ ሓተትቲ ዑቕባ ክገትእ ክፍትን ጸኒሑ’ዩ። መላፍንቱ ግና ነቲ መደባት ይቃወምዎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዓርቢ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ድሕሪ ምክያድ እቲ መንግስቲ ከምዝፈረሰ ኣረጋጊጹ። ካብ ስልጣኑ ይወርድ ምህላው ዝገልጽ ደብዳበ ከኣ ቀዳም ናብ ንጉስ ዊለም ኣሌክሳንደር ከረክብ ምዃኑ ሓቢሩ።
መረጻ ክሳብ ዝካየድ ግና እቶም ሚኒስተራት ስርሖም ከምዝቕጽሉ’ውን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆላንድ ብዝሒ ሓተትቲ ዑቕባ ብልዕሊ ሓደ ሲሶ ብምውሳኽ ናብ 47 ሽሕ ክብ ክብል እንከሎ፡ ኣብ 2023 እቲ ኣሃዝ 70 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ተገሊጹ ኔሩ።
ሚስተር ሩተ ኣብዚ ሰሙን፡ ከተግብሮ ዝፈተኖ ውጥን ናብታ ሃገር ክኣትው ንዝፍቀደሎም ብዝሒ ስድራ ስደተኛታት ኲናት፡ ኣብ ወርሒ ካብ 200 ሰባት ከምዘይዛይድ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኔሩ።
ንኡሳን መሻርኽቲ እቲ ልፍንቲ ዝኾና ሰልፍታት ክርስትያን ዩኒየንን ፡ ዲ66ን ግና ነቲ ውጥን ኣትሪሮም ተቓዊሞም።
ወሃቢ ቃል ክርስትያን ዩንየን ቲም ኩይጀስተን፡ "እተን ኣርባዕተ ውድባት ብዛዕባ ስደት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ከምዘይክእላ ብምውሳነን እቲ መንግስቲ ክፈርስ ወሲነን ኢሉ"።
ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ወዲ 56 ዓመት ሚስተር ሩተ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ እዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ጥሪ 2022 ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝፈጠሮ ራብዓይ ጥምረት እዩ።
ኣብታ ሃገር ከም በዓል ጊርት ዊልደርስ ፒቪቪ ዝኣመሰላ ሕሉፍ የማናውያን ሰልፍታት ይትንስኣ ብምህላወን ሚስተር ሩተ ከቢድ ጸቕጢ ክግበረሉ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ዝዓበየ መናብር ዝሓዘ ሰልፊ ቢቢቢ ብሚስተር ሩተ ምስ ዝምራሕ መንግስቲ ከምዘይሰርሕ ኣፍሊጡ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







