ስርሓ ገዲፋ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘዕቈበት መርከብ

ሳልሄር ወዲ ሽድሽተ ወርሒ ዕሸል እዩ። ንሱን እታ ጓል 19 ዓመት ኣደኡ ኣስቴርን ዝተጻወርዎ ጸገም በቲ ኣብ ገጹ ዝበርህ ፍሽኽታ ተሓቢኡ ኣሎ።
ኣስቴር፡ ወዳ፡ ካብ ግፍዒ ክትሃድም ካብ ኤርትራ ናብ ሩዋንዳ ምስ ተጓዕዘት ከም ዝተወልደ ትገልጽ።
"ኣብዚ ጽቡቕ ኣሎ፣ ጸገም የለን። ቋንቋ ሆላንድ ክመሃርን ድሕሪኡ ስራሕ ክጅምርን እደሊ።"
ሲልጃ ዩሮፓ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ናይ ተጓዓዝቲ መራኽብ ዓለምና ኰይና፡ ክሳብ 3000 ተጓዓዝቲ ክትጽዕን ከም እትኽእል ይንገር።
ንቡር መስመራ ካብ ርእሰ ከተማ ኢስቶንያ ታሊን ናብ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪ’ዩ'፤ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግን ሰባት ኣየመላለሰትን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኣምስተርዳም 20 ኪ.ሜ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ወደብ 900 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝነብሩላ ተንሳፋፊት ግን ከኣ ደው ዝበለት መርከብ ኰይና ትርከብ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ጀርመን ዝርከብ ቀንዲ መቐበሊ ኣጋይሽ ሆላንድ፡ ብሕማቕ ኵነታት ብብዝሒ ኣብ ዝተነቐፈሉን እዋን፡ መንግስቲ ሆላንድ እዚ ሓድሽ ነገር ክፍትን ጸኒሑ። ሕጂ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ተመሳሳሊ ኣማራጺ ትድህስስ ኣላ።
"ኣብዚ ደስ ይብለኒ" ትብል ዛራ፤ ንሳ፡ ናይ መጀመርታ በዓል ቤታ ክቐትላ ምስ ፈተነ፡ ካብ ቻድ ሃዲማ ዝመጸት እያ።
"ኣብ ካልኦት መዓስከራት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ ኢና እንነብር ነይርና፤ ከምኡ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ግን ናይ ገዛእ ርእስና ክፍሊ ኣለና። ኣብዚ ኣብዛ ጃልባ ኵነታት ኣዝዩ ዝሓሸ'ዩ።"

ሸዛ’ውን ሓንቲ ካብተን ቢቢሲ ዘዘራረበን ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ እያ።
መበቆል ሃገረን ዝተፈላለየ እዩ - ሶርያ፣ ፓኪስታን፣ቱርኪን ካልኦትን - ኩለን ግን ግዳይ ዓመጽ ወይ ሃይማኖታዊ ስደት ምዃነን ይገልጻ።
"ሆላንዳውያን ኣዝዮ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሖም፡ ዋላ'ኳ ብዙሓት ኣብ ሓደ ቦታ እንተሃለና ይከናኸኑና እዮም። ውሑስ፡ ጽሩይን ምቹእን፡ ጽቡቕ ውዳበ ዘለዎ'ዩ።"
"መግቢ ካብቲ እንፈልጦ ኣዝዩ ዝተፈልየ'ዩ፡ ዝተፈለየ ባህሊ'ዩ።"
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ እታ ጃልባ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ወደብ ምስ በጽሐት፡ ስርሖም ከይስእኑ ስግኣት ዝሓደሮም ኣማኢት ነበርቲ ቁጥዐኦም ገሊጾም ነይሮም።
ነዚ መደብ ዘካይድ ዘሎ ኣካል መንግስቲ፡ ማእከላይ ኤጀንሲ ኣቀባብላ ሓተቲ ዑቕባ (COA)፡ ስደተኛታት ቅንጦት ዝመልኦ ህይወት ክነብሩ እዮም ዝብል ክስታት ተቐቢሉ እዩ።
ኣብታ ጃልባ፡ ካብተን ሸውዓተ ቤት መግቢ እተን ሽዱሽተ ተዓጽየን እየን። ሳውናን መሐንበሲን ዕጹው እዩ፡ ካዚኖን ትያትርን ድማ ዘይሕሰብ እዩ።
እቲ ብምቹእ ዝመስል ክፍሊ ዋዕላ፡ ሕጂ ትምህርቲ ቋንቋ ሆላንድ ንምምሃር፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሰሚናራትን ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነት ንዝግበር ዘተን ይጥቀመሉ ኣለዉ።
ዝኾነ ከም ምቾት ክውሰድ ዝኽእል ነገር ተዓሺጉ ይርከብ።
እዚ ግን ርካሽ ኣማራጺ ኣይኮነን።
መንግስቲ ሆላንድ፡ ነዚ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘውጽእ ክገልጽ ኣይፈቐደን፡ እንተኾነ ግን መዓልታዊ ሚልዮናት ዩሮ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።
ሰበስልጣን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክፈልጡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምብጻሕ ኣካይዶም ነይሮም።
ወግዓዊ መርገጺ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ መራኽብ ንምዕቃብ ገና "ተኽእሎ ይምርምር ኣሎ" ዝብል እዩ።

ካብ ማእከላይ ኤጀንሲ ኣቀባብላ ሓተቲ ዑቕባ ሮናልድ ስማለንበርግ፡ "ብሓቂ ክቡር ኣማራጺ እዩ። ግን ይሰርሕ። ንህዝቢ፡ ነበርቲ ኣብታ መርከብ ይሰርሕ፡ ንኣከባቢ ይሰርሕ፡ ንሓደ ከቢድ ጸገም ድማ ሓጺር መፍትሒ'ዩ" ክብል እዚ ናይ ሆላንድ ፈተነ ን ብሪጣንያ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት፡ ኣብ ኣዝዩ ጽሩይን ምቹእን ቦታ ምህላዎም ከም ዘመስገኑ ገሊጾም።
ኣናስ ዝተባህለ ሶርያዊ፡ ነቶም ሆላንዳውያን ንዘልኣለም ከም ዘመስግኖም ገሊጹ።
ግን ሙሉእ ዘይኮነ ስምዒት እዩ።
"ኣዝዩ ፍርሃተ-ጽበት ኣለዎ" ትብል ሓንቲ ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት ኣደ። "ኣብዚ ምእታውና ብዛዕባ ኣብ ልዕሌና ዘስዕቦ ጽልዋ ይጭነቕ። ንጹህ ኣየርን መስኮት ምኽፋትን ይናፍቕ።"
እቶም ነበርቲ ካብታ ጃልባ ክወጹ ይኽእሉ እዮም፤ ኣድላዪ እንተኾይኑ ግን ሓካይምን ነርስታትን ናብታ ጀልባ ይመጹ። እዚ ኣገባብ እዚ ንገለ ካብቲ መጀመርታ ዝነበረ ቁጥዐ ዘህድአ ይመስል።

"ብዙሓት ሰባት ሃገርና ብስደተኛታት ትዕለቕለቕ ዘላ ይመስሎም። ኣነ እዚ ኣረኣእያ ኣይቅበሎን እየ፡ እንተኾነ ግን ዓቢ ጸገም ምዃኑ ግን እርዳእ" ትብል ጌሪ ዝተበሃለት ነባሪት።
ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ዝቃለሳሉ ዘለዋ ዓቢ ጸገም’ዩ፡ ከም ኲናት ሶርያን ወራር ዩክሬን ድማ ስደተኛታት ክውሕዙ ይገበር።
ኣብ መርከብ ሲልጃ ዩሮፓ ዩክሬናውያን ስድራቤታት የለዉን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብናይቲ ከባቢ ምምሕዳራት ሓደ ዓይነት ዝተሓለወ ደረጃን ቀዳምነትን ስለዝወሃቦም እዩ። ንሳቶም ብኡ ንብኡ ስራሕ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም፡ ካልኦት ሓደስቲ ስደተኛታት ግን ሽዱሽተ ወርሒ ክጽበዩ ኣለዎም።
ሆላንዳውያን ኣጠቓቕማ እታ መርከብ ዕዉት ከም ዝዀነ ይዛረቡ፡ እንተዀነ ግን ነባሪ ፍታሕ ከም ዘይኰነ ይቕበሉ እዮም።
ስለዚ ድማ ኩሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናብ ገምገም ባሕሪ ክውሰዱ እዮም።
ኣበይ ከም ዝነብሩ ግን እቶም ሰበስልጣን ርግጸኛታት ኣይኰኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







