ዶናልድ ትራምፕ፡ ውጽኢት መረጻ 2020 ክቕይር ብምውጣን ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ መረጻ 2020 ዘጋጠሞ ስዕረት ክቕይር ብምውጣን ተኸሲሱ።
ትራምፕ፡ ነታ ሃገር ንምትላልን ኣንጻር መሰል ዜጋታት ብምሽራሕን ዝብሉ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ክሲታት ቀሪቦምሉ።
እቲ ክሲ ኣብቲ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ዓመጽ ተወሳኺ ምጽራይ ክካየድ ዝገብር እዩ።
ንኻልኣይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ወዲ 77 ዓመት ትራምፕ ግን፡ ዝዀነ ጌጋ ከምዘይፈጸመ ይዛረብ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ነቲ ክሲ “መስሓቕ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ኣብዚ እዋን ብዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ሚስጢራዊ ሰነዳትን ንወሲባዊ ኣገልግሎት ዝኸፈሎ ንስራሕ ብምምሳል ኣታሊሉን ብዝብሉ ካልኦት ክሲታት ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለስ ኣሎ።
እቲ ምስ መረጻ ዝተሓሓዝ ምርመራ፡ ኣብ መንጐ እተን ብ ጆ ባይደን ድሕሪ ምስዓሩን ደገፍቱ ምርግጋጽ ውጽኢት መረጻ ዘካየድዎ ናዕብን ዝነበራ ክልተ ኣዋርሕ ዘድሃበ እዩ።
ነቲ ምጽራይ ዝመርሕ ዘሎ ፍሉይ ኣማኻሪ ጃክ ስሚዝ “እቲ ብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ርእሰ ከተማና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መንበር ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምድፋር እዩ” ኢሉ።
“ከምቲ ኣብቲ ክሲ ዝተገለጸ፡ ብሓሶት ዝተጐሃሃረ እዩ ነይሩ።”
ስሚዝ ኣብ መግለጺኡ፡ ቅልጡፍ መጋባእያ ክሳለጥ ዝጸወዐ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዝረጋገጽ ከም ናጻ ሰብ ክውሰድ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።
እቲ 45 ገጽ ዘለዎ ክሲ፡ ዝርዝር ተሓባበርቲ ሽርሒ ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ጠበቓታት፡ በዓል መዚ ሚነስትሪ ፍትሕን ፖለቲካዊ ኣማኻርን ብሓፈሻ ሽዱሽተ ሰባት ዘጠቓልል እዩ።
ትራምፕ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ “ሰራሓት መንግስቲ ፈደራል ብዘይቅንዕና፡ ሓሶትን ምትላልን ንምድኻም፡ ምትዕንቓፍን ምስዓርን ብምሽራሕ” ዝብል ክሲ ቀሪብዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብ መረጻ 2020 ምትላል ድምጺ ነይሩ ክብል ዘቕረቦ ክሲ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ “እቲ ክሲ ሓሶት እዩ ነይሩ፤ እቲ ተኸሳሲ እውን ሓሶት ምንባሩ ይፈልጥ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ፡ ፕረዚደንት ባይደን ከምዝተመረጸ ዘረጋግጽ ሰርቲፊከት ከይሃወቦ ክኽልክል ከእምኖ ከምዝፈተነን ከምዘይቀንዖን ሓቢሮም።
እቲ ክሲ፡ ሽም ዝርዝር ናይቶም ትራምፕ ከምዝተስዓረን ዝዀነ ምትላላት ከምዘይነበረን ነጊሮምዎ ነይሮም ዝተበሃሉ ብዙሓት ሓለፍትን ኣብ መረጻ ዝጉስጉስሉ ዝነበሩን ዘጠቓለለ እዩ።
ኣብ ሰለስተ መዛግብቲ 78 ክሲታት ቀሪቦምዎ ዘለዉ ትራምፕ፡ ሰልፊ ሪፐብሊካን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ንምምራጽ የካይዶ ኣብ ዘሎ መረጻ፡ ቀንዲ ተወዳዳሪ እዩ።
ካብ ሪፓብሊካን ዝተመረጸ ሕጹይ፡ ኣብ መረጻ 2024፡ ፕረዚደንት ባይደን ክኸውን ከምዝኽእል ምስ ዝግመት ሕጹይ ዲሞክራት ክነሓናሕ እዩ።
ጐስጓስ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ብሰሉስ ዝቐረበ ክሲ ኣብ መረጻ ጣልቃ ከምእታው ከምዝረአ ብምጥቃስ እቲ ተግባር ምስ ተግባር ውልቀ መልኽቲ ናዝን ሶቭየት ሕብረትን ከምዝመሳሰል ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ይካየድ ምስ ዘሎ ምጽራይ ብዝተሓሓዝ ን ማይክ ፐንስን ጠበቓ ትራምፕ ዝነበረ ሩዲ ጊልያኒን ሓዊሱ ብዙሓት ሰብ መዝን ኣማኸርትን ቃለመሕተት ተገይሩሎም።
ኣብ ግዝኣታት ጆርጅያን ኣትላንታን እውን ዶናልድ ትራምፕ ድምጺ ጆ ባይደን ክስርዙ ዘይሕጋዊ ጸቕጢ ፈጢሩ እንተነይሩ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ምርመራ ኣብ ልዕሊ ንዶናልድ ትራምፕ ተሓባቢሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት እውን ይካየድ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







