ጆ ባይደን ብ ‘ስፒከርፎን’ ምስ ወዱ እንታይ ኣዋጊዑ?

ሃንተር ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃንተር ባይደን

ሃንተር ባይደን ምስ ናይ ንግዲ መሻርኽቱ ኣብ ዝዘራረበሉ እዋን ንኣቦኡ ጆ ባይደን ክሳብ 20 ግዜ ዝኸውን፡ ኣብ ‘ስፒከርፎን’ ዓው ኢሉ የውግዕ ከምዝነበረ፡ ፓነል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዘትዩ።

መሻርኽቲ ንግዲ ሃንተር ዝዀነ ደቮን ኣርቸር ግን፡ ጆ ባይደን ኣብቲ ጻውዒት ተሌፎን ብዛዕባ ንግዲ ከምዘይተዘራረበ፡ ነቶም ኣባላት ባይቶ ሓቢሩ ክብሉ፡ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ሰባት ገሊጾም።

እዚ፡ ሪፓብሊካን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ባይደን ክካየድ ዝኽእል ካብ ስልጣን ናይ ምእላይ መስርሕ ንምፍታን ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

ዋይት ሃውስ ንሪፓብሊካን ነቲ ክስታት፡ "ካብ መርትዖ ነጻ ዝኾነ ምህዳድ ዕንቅርቢት በረኻ" ክብል ኣቋሺሽዎ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ 2019 ምስ ወዱ ይዅን ካልእ ኣብታ ስድራቤት "ምስ ንግዶም ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይዅን ነገር" ተዘራሪቡ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

እቲ ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ኮሚቴ- ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ "ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ርክባት-ንግዲ ወዱ ክሳተፍ ይግባኦ ነይሩ ድዩ?" ዝብል ይምርምር ኣሎ።

ሞዴል ኣበርክሮምቢ ኤንድ ፊች ነበር ኣርቸር፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቅድሚ እቲ ፓነል ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ዕጹው ገዛ ቀሪቡ፡ ሃንተር ባይደን ኣብ ዩክረይንን ካልእ ሃገራትን ዘለዎ ንግዳዊ ረብሓታት ብዝምልከት ተሓቲቱ።

ክልቲኦም ኣርቸርን ሃንተር ባይደንን፡ ኣብ 2014 ኣብ ቦርድ ናይቲ ዩክሬናዊ ኩባንያ ጸዓት ቡሪዝማ ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡ ከለዉ፡ ጆ ባይደን ድማ ምክትል ፕረዚደንት ነይሩ።

ኣርቸር፡ ሃንተር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምስ ዝተፈላለዩ ርክባት ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት ኣስታት 20 ግዜ ንኣቦኡ ኣብ ‘ስፒከርፎን’ ገይርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ተወካሊ ሪዞና-ሪፓብሊካን ዝዀነ ኣንዲ ቢግስ፡ ኣርቸር ንኣባላት ባይቶ ከምዝገለጾ፡ ቡሪስማ ብዘይ "ልዑል ስም ስድራቤት ባይደን" ምጠፍአት ነይራ ኢሉ።

ኣባል እቲ ኮሚተ ተወካሊ ኒውዮርክን፡ ዲሞክራት ዳን ጎልድማን ግን፡ ድሕሪኡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃንተር ከምኡ ምግባሩ "ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ስጡም ርክብ" ጥራይ የርኢ ከምዝነበረ ገሊጹ።

"ኵሉ ዕላሉ፡ ጥዕናኡ፡ ኵነታት ኣየር፡ እንታይ ይኸውን ኣሎ" ገለ ዝብል ከምዝነበረ ሚስተር ጎልድማን ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ካልእ ጫፍ ናይቲ ጻውዒት መን ከምዘሎ እኳ ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንጹር ኣይኮነን።

ሚስተር ጎልድማን፡ ኣርቸር "ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሃንተር ይዅን ካልእ ሰብ ብዛዕባ ዝዀነ ንግዳዊ ርክባት ወይ ረብሓታት ተዘራሪቡ ከምዘይፈልጥ ደጋጊሙ" ተዛሪቡ ኢሉ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ቍጽጽር ባይቶ ጀምስ ኮመር ግን፡ ምስክርነት ኣርቸር "ጆ ባይደን ብዛዕባ ንግዳዊ ርክባት ወዱ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ንህዝቢ ኣሜሪካ ከምዘጠቓልል ዘረጋግጽ'ዩ" ክብል ተማጒቱ።

ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ መርመራ ሪፓብሊካን ንዕቀት ኣንጸባሪቝ ኣሎ።