ጆ ባይደን ኣብ መድረኽ ተዓንቂፉ ወዲቝ ብዙሓት የባጭዉሉ

ጆ ባይደን ካብቲ ዝወደቐ ብዓጀብቱ ተደጊፉ እናተስአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኮሎራዶ ንኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝምረቕሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ተዓንቂፉ ብምውዳቝ ብብዙሓት መዘራረቢ ኰይኑ።

እቲ ወዲ 80 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረዚደንት ዝዀነ ጆ ባይደን፡ ብሓገዝ ዓጀብቱ’ዩ ካብቲ ዝወደቘ ክትስእ ክኢሉ፤ እንተዀነ ዝዀነ መጕዳእቲ ከምዘየጋጠሞ ተገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቶም ዝምረቝ ዝነበሩ 921 ሕጹያት መኰነናት [ካዴታት] ንነፍሲ ወከፎም ኢዶም እናጨበጠ ንምምራቕ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን’ዩ ደው ኢሉ ነይሩ።

ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ዋይትስ ሃውስ ቤን ላኖልት፡ ንምውዳቕ ጆ ባይደን ኣመልኪቱ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ‘ደሓን’ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ መግለጺ፡ “ፕረዚደንት ደው ኢልሉ ዝነበረ መድረኽ ኣብ ካሻታት ዝተመልአ ሑጻ’ዩ ተረብሪብሉ ነይሩ” ክብል እንከሎ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመልሰ ንጋዜጠኛታት ዋዛ ሓዊሱ “እተን ሑጻ ዝመልኣ ከሻሹ ረኺበናኒ” ኢሉ እናሰሓቐ።

ኣብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ምረቓ እቲ ፕረዚደንት ሰንከልከል ኢሉ ርዅምሽ ክብል እንከሎ’ዩ ዘርኢ።

ሓለውቱ ደጊፎም ምስ ኣተስእዎ ግን ብዘይ ዝዀነ ደገፍ ናብ ኮፍ መበሊኡ ክኸይድ ይርአ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ መደብ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ጋዜጠኛታት ዝዀነ ሕቶ ከይቀረበሉ ብቐጥታ’ዩ ናብ ነፋሪቱ ኣምሪሑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ ምውዳቕ ጆ ባይደን፡ ገለ ነቐፍቲ፡ ንካልኣይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከምዘይብሉ ክገልጹ ተሰሚዖም።

ጆ ባይደን ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ርጕጽ ኣብ ዝዀነሉ፡ ብዙሓት እቲ ኣብ እዋን ምርጫ ወዲ 82 ዓመት ዝኸውን ጆ ባይደን ብዕድምኡ ዘሎም ስክፍታ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ይስምዑ’ዮም።

ጆ ባይደን ቅድሚ ሕጂ ካብ ብሽክለታ ሓንሳብ ከኣ ናብ ነፋሪት እናደየበ እንከሎ ወዲቑ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ኣብ 2024 ምስ ጆ ባይደን ክወዳደር ጐስጓስ ከካይድ ጀሚሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መድረኽ እናጎስጎሰ ምውዳቕ ጆ ባይደን ምስ ሰምዐ ሒዝዎ ዝነበረ ዘረባ ኣመንጕዩ “ኵሉ ነገር ጽላለ’ዩ ኰይኑ ዘሎ” ኢሉ።

ወዲ 76 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ ኣስዒቡ “ዝዀነ መጉዳእቲ ዘይበጽሖ ክኸውን ተስፋ እገበር” ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ዲሰንቲስ’ውን ሓደ ካብቶም ንምውዳቕ ጆ ባይደን ኣመልኪቶም ኣፎም ዝኸፈቱ’ዩ።

ንሱ፡ “ጆ ባይደን ብሰንኪ ምውዳቝ ካብ ከጋጥሞ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት መጕዳእቲ ብቕልጡፍ ክሓዊ ተስፋ እገብር” ድሕሪ ምባል፡ “ንእግረ መንገድና ከኣ ኣሜሪካ ካብቲ ብሰንኪ ፖሊሲታት ጆ ባይደን ዝወደቐቶ ቀልጢፋ ክትሓዊ ንትስፎ” ኢሉ።

ጆ ባይደን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ለካቲት’ዩ መርመራ ኣካላዊ ብቕዓት ተገይርሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ዶክተር ዋይት ሃውስ ከቬን ኦኮነር፡ ጆ ባይደን ካብ ስርሑ ክዕንቅፎ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ኣካላዊ ድኻም ከምዘይብሉ’ዩ መስኪርሉ።

ጆ ባይደን ኣብ ቅደሚ ካሜራ ዝወደቐ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣሜሪካ’ዩ።

ባራክ ኦባማ ኣብ 2012 ኣስካላ እናደየበ እንከሎ ተዓንቂፉ ነይሩ፤ ኣብ 1975’ውን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጀራርድ ፎርድ ካብ ነፋሪት እናወረደ እንከሎ ምውዳቑ ዝዝከር’ዩ።