ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረቡሉ ገበናዊ ክስታት እንታይ እዮም?

ትራምፕ ኣብ ሚያዝያ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ ሰነዳት መንግስቲ ብዝተኣሳሰር ገበናዊ ክሲ ይቐርበሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ምስ ዝተረኽበ ፋይላት ዝተሓሓዝ ክስታት ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን ዘሎ።

ጠበቓ ትራምፕ ጂም ትራስቲ ግን፡ ምስ ስለያ፡ ተደጋጋሚ ምትእጉጓልን መግለጺታት ሓሶትን ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም 7 ክስታት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ፤ "መስሓቕ" ክብል ድማ ገሊጽዎም።

ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ሚያሚ ክቐርብ ከሎ ዝያዳ ክንጽሩ'ኳ እንተዀኑ፡ እቶም ድሮ ተፈሊጦም ዘለዉ ግን እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ብሕጊ ስለያ ክኽሰስ እዩ

ትራምፕ ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ኮነ ኢሉ ብምሓዙ ክኽሰስ ምዃኑ ጠበቓኡ ዝሃቦ ሓበሬታ የረድእ።

‘ኤስፒዮኔጅ’ ዝብል ቃል ምስ ስለያን ዘይተኣማንነትን ዝቀራረብ ትርጕም ክህልዎ እንከሎ፡ ከምዚ ዝበለ ክሲ፡ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳት መንግስቲ፡ ገበን ሸለልትነት ዘርኣዩ ውልቀሰባት ንምኽሳስ ዘገልግል ዓይነት ክሲ እዩ።

ትራምፕ ነቶም ሰነዳት ናብ ገዛኡ ቅድሚ ምውሳዱ፡ "ዘይምስጢራውያን ከምዝገበረ/ከምዘግሃደ" ብተደጋጋሚ ይገልጽ።

ብራድሊ ሞስ ዝተባህለ ጠበቓ ሃገራዊ ድሕነት ግን፡ እዚ መጐት ነቲ ሕጊ ስለያ (‘ኤስፒዮኔጅ’) ደው ዘብሎ ከምዘይኰነ ይዛረብ።

የግዳስ መንግስቲ፡ እቲ ሓበሬታ ጉዳይ ምክልኻል ሃገር ምንባሩ ከረጋግጽ ኣለዎ። መንግስቲ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ወትሩ ከምዝዕወት እዩ ብራድሊ ሞስ ዝዛረብ።

ትራምፕ 'ኮነ ኢሉ እዩ ገይርዎ'

ኣኽበርቲ ሕጊ ዘጋጥሞም ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ፡ ትራምፕ ብፍላጥን ኮነ ኢሉን ነቲ ሕጊ ከምዝጠሓሰ ከረጋግጹ ይኽእሉ’ዶ ኣይክእሉን? ዝብል ምዃኑ ደቪድ ሱፐር - ፕሮፌሰር ናይቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ዝርከብ ማእከል ሕጊ ይሕብር።

ጕጅለ ጠበቓታት ትራምፕ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር "ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ፋይል" ጥራይ እዩ ዝንቀፍ ክብሉ ከምዝኽእሉ እቲ ፕሮፌሰር የረድእ።

"ኮነ ኢልካ ሰነዳት ምውሳድ ማለት ብኣጋጣሚ፡ ሸለልትነት ወይ ዘይተገዳስነት ኣይኰነን" ይብል ሕጊን ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነት።

"እኳ ደኣ ተኸሳሲ፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ምስ ዝፈልጥን ብምኽንያት ባህሪ እቲ ሓበሬታ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰነድ ምሓዝ ክልኩል ምዃኑ ምስ ዝግንዘብን ጥራይ እዩ ኮነ ኢሉ ወሲድዎ ክበሃል ዝኽእል" ክብል እውን ወሲኹ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቅዳሕ ድምጺ ትራምፕ ከምዝረኸቡ ዝሕብሩ ጸብጻባት ተዘርጊሖም ነይሮም፤ ኣብቲ ድምፂ ድማ ኣሜሪካ ንኢራን ንምውራር ዝወጠነቶ መደባት ብዝርዝር ዝገልጽ ሰነድ ከምዝዓቀበን፡ ምስጢራዊ ስለዝዀነ ግን ከካፍሎ ከምዘይከኣለን ይሕብር።

እዚ ሓቂ እንተዀይኑ፡ ትራምፕ፡ ነቲ ዘይምስጢራዊ ወይ ቅሉዕ ምግባር ማለት እንታይ ከምዝኾነ ብልክዕ ከም ዝተረድኦን "እቲ ዝጠቕሶ ዝነበረ ሰነድ ድማ ገና ብምስጢራዊነት ዝምደብ ምዃኑ" ከምዝፈልጥን መርትዖ ክኸውን ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ሱፐር ይዛረብ።

ትራምፕ ፍትሒ ብምዕንቃጽ ይኽሰስ

ጠበቓ ትራምፕ ብሓሙስ ምሸት ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ዝተወሃቦም መጸዋዕታ ምስቲ ናይ መጀመርታ ቆጸራ ጥሕሰት ሕጊ ስለያ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ብዙሓት ክስታት ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ጂም ትራስቲ፡ "ብዙሓት ኣብ ምዕንቃፍ ፍትሒ ዝተመርኮሱ ከምኡ ድማ ምስ ናይ ሓሶት መግለጺ ዝተሓሓዙ ክስታት" ከምዝነበሩ ወሲኹ ሓቢሩ።

ንዅሎም እቶም ቆጸራታት ቤት ፍርዲ ድማ “ናይ ዕብዳን" ክብል ገሊጽዎም።

እዞም ክስታት ምስቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ኢዱ ዝነበረ ኵሉ ምስጢራዊ ንብረት ንኸረክብ ዝእዝዝ መጸዋዕታ ፈደራል ምሉእ ብምሉእ ብዘይምትሕብባር ዝቐርበሉ ክሲ ዘሐይል ከምዝኸውን ክኢላታት ይዛረቡ።

ጠበቓታት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 222 ምስጢራዊ ሰነዳት ዝሓዘ ሳናዱቕ ንመንግስቲ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ፈተሻ ምስ ፈጸመ ግን፡ ተወሰኽቲ 103 ምስጢራዊ ሰነዳት ከምዝተረኸቡ ይዝከር። ካብዚኦም እቶም 18 ድማ "Top Secret" [ዝለዓለ ምስጢር] ዝብል ምልክት ዝነበሮም እዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ናይ ትራምፕ ገዛ እውን ካብ ካሜራታት ሓለዋ ዝተቐድሑ ቪድዮታት ከምዝወሰዱ ዝገልጽ ጸብጻባት’ውን ኣሎ።

እዚ ቪድዮ ድማ እዚ ሰነዳት - ወይ ሳናዱቕ ክንቀሳቐሱ ወይ ክውሰዱ ዘርእዩ መርትዖታት ቪድዮ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ተሳትፎ ካልኦት ሰባት ዝምልከት

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባል ናይቲ ዓቢይ ጕጅለ ጠበቓታት ትራምፕ ዝዀነ ሚስተር ትራስቲ፡ እቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘቕረብዎ ብዙሕ ክስታት ውዲታዊ ክሲ [‘conspiracy charge’] ከምዘጠቓልል ብሓሙስ ገሊጹ፤ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

እቲ ፍሉይ መርመራ ኣብ ጠበቓታት ትራምፕ'ውን ዘተኵር ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኵሉ እቲ ዝተጠቐሰ ምስጢራዊ ሰነዳት ከምዘቕረበ ኣብ ዝሕብር ሰነዳት ፈሪሞም እዮም።

እቶም ጠበቓታት፡ “ትራምፕ ኵሉ ሚስጢራዊ ሰነዳት ኣረኪቡ እዩ” ኢሎም 'ኳ እንተፈረሙ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ፈተሻ ክካየድ ከሎ ግን ተወሰኽቲ ሰነዳት ከምዝተረኸቡ ይዝከር።

ስለዚ፡ እቶም ተሓጋገዝትን ጠበቓታትን ትራምፕ ዝሃብዎ ግጉይ ሓበሬታ፡ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም መርትዖ ክጥቀስ ይኽእል እዩ።

ምናልባት ድማ ሓደ ካብቶም ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት፡ መቕጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ከጋጥሞ ምዃኑ ኣብ ዝግንዘበሉ እዋን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ንምትሕብባር ድልው ክኸውን ዝኽእለሉ ተኽእሎ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝቐረበ ጉዳይ ከሐይሎ ይኽእል።

ትራምፕ ብቐጥታ ክእሰር ይኽእል'ዩ

ትራምፕ ዝወሃቦ ገበናዊ መቕጻዕቲ፡ ኣብ እንታይነት ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዝምርኮስ እዩ ዝኸውን።

ክሲ ምዕንቃጽ ፍትሒ፡ ካብ መቕጻዕቲ ክሳብ "ካብ 20 ዓመት ዘይበዝሕ ማእሰርቲ" ዝብል ፍርዲ ዘጠቓልል ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ትሕቲኡ እዩ።

ምጥሓስ ሕጊ ስለያ ከኣ መቕጻዕትን ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርትን የስዕብ።

ትራምፕ እንተ ተኸሲሱ ንፕረዚደንትነት ዘካይዶ ጐስጓስ ንኸይቅጽል ዝኽልክል ነገር ኣብ ሕጊ ፈደራል ይዅን ሕገ-መንግስቲ የለን።

ኣብ ሚያዝያ ብኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ኒውዮርክ ብዝተፈለየ ጉዳይ ድሕሪ ምኽሳሱ ዘካይዶ ጎስጓስ መረጻ ኣየቋረጸን።