ዶናልድ ትራምፕ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንኣኽበርቲ ሕጊ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ብሰሉስ 4 ሚያዝያ 2023 ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ብኣኽበርቲ ሕጊ ንዝቐረብሉ 34 ክስታት ገበነኛ ከምዘይኮነ ንዳኛ ቤት ፍርዲ ጁዋን መርቻን ኣፍሊጡ'ሎ።

ዙርያ ናይቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብሰብመዚ ጸጥታ ተኸቢቡ ምህላዉን፡ ብሰንኪ'ቲ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ፍርዳዊ ጉዳይ ዓቢ ወጥሪ ነጊሱ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብልዕሊ 10 መካይን ሓለዋን ጸጥታን ተዓጂቡ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣትዩ።

ክስታቱ ምስተነግሮ፡ ገበነኛ'ድዩ ኣይኮነን ተሓቲቱ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ ብዋሕስ ናብ ገዝኡ ክምለስ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ቤት ፍርዲ ውሱናት ካሜራታት ከምዝተፈቕዳን፡ ቪድዮ ካሜራ ግን ከምዝተኸልከለ ተፈሊጡ።

ገበናዊ ክስታት ዝጽበዮ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ‘ፕራምፕ ታወር’ ምስ ጠበቓታቱ ክመክር ቀንዩ።

እንታይን ክንደይን ክስታት ከምዝቐርበሉ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ንሱ፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ሓንቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺምና ኢና ምስ እትብል፡ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝተባህለት ህብብቲ ተዋሳኢት ፊልም ግብረ ጽዩፍ፡ ኣፋ ንኽትዓጹ ገንዘብ ከፊሉ ብዝብል ክሲ መርመራ ክካየደሉ ምጽንሑ ይፍለጥ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጐ።

ወዲ 76 ዓመት ትራምፕ፡ ገበናዊ ክሲ ዘጋጠሞ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር እዩ። ብሰንኩ ድማ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ይርከብ።

ኣባል ሪፓሊካን ዝዀነ ትራምፕ ብሰኑይ (03 ሚያዝያ 2023) ካብ ፍሎሪዳ ካብ ዝርከብ ገዛኡ ናብ ኒውዮርክ ቅድሚ ምግዓዙ ኣብቲ ትሩዝ ኣብ ዝብል ማሕበራዊ ሚዲያኡ፡ "WITCH HUNT" ኢሉ ጽሒፉ።

ጠበቓታቱ ግን ድሮ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ገሊጾም ኣለዉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ትራምፕ ቅድሚ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2016 ብጠበቓኡ ነበር ማይክል ኮሄን ኣቢሉ ናብ ኮኾብ ፊልም ስቶርሚ ዳኒኤልስ 130 ሽሕ ዶላር ኣመሓላሊፉ ብዝብል ኣብ ትሕቲ መርመራ’ዩ ጸኒሑ።

ትራምፕ ምስ ዳኒኤልስ ዝዀነ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ።

ኣፍ ንምትሓዝ ገንዘብ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ኣይኰነን፤ እንተዀነ ዓቃቢ ሕጊ ማንሃታን ምስቲ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር ዘለው ገለ መዛግብቲ ንግዲ ሓሶት ድዮም ኣይኰነን ክምርምር ጸኒሑ።

ማዕከናት ዜና ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ካሜራታት ክፍቀዳ ጸቕጢ ገይረን እየን።

እዚ እማመ ግን ኣብቲ ክሲ ዘይምዕሩይ ሃዋህው ክፈጥር እዩ ዝብል ጕጅለ ጠበቓታት ትራምፕ ተቓዊምዎ ነይሮም።

ትማሊ ምሸት ግን ዳኛ መርቻን ሰኣልቲ ቅድሚ እቲ ክሲ ብወግዒ ምጅማሩ ስእሊ ክስእሉ ክፍቀደሎም ወሲኑ።

ትራምፕ፡ ድሕሪ እቲ መጋብኣያ ብዋሕስ ክፍታሕን ኣማስያኡ ናብ ፍሎሪዳ ክምለስ ምዃኑን ተገሊጹ ኣሎ። ትማሊ ናብ ማንሃታን ዝገበሮ ጕዕዞ ድማ ሚልዮናት ብቐረባ ተኸታቲሎምዎ።

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዜና ካብ ዝዝርጋሕ ንደሓር፡ ትራምፕ ኣብ 2024 ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጐስጓስ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዶላር ከተኣኻኽብ ክኢሉ።

ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ፍሉይ ስግኣት'ኳ እንተዘይሃለወ ሰብ መዚ ግን ንዝዀነ ጸገማት ድሉዋት ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

"ናብ ከተማና ክመጽኡ ዝሓስቡ ገለ ዕሱባት ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም፤ መልእኽትና ግን ንጹርን ቀሊልን'ዩ - ንነብስኹም ተቘጻጸሩ። ኒውዮርክ ቅጥዒ ናይ ዘይብሉ ቁጥዐ ቦታ ኣይኰነን፤ ገዛና’ዩ፡” ኢሉ።

ኣባል ኮንግረስ ጆርጅያ ማርጆሪ ተይለር ግሪን ሎሚ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ፍርዲ ንትራምፕ ዝድግፍ ሰልፊ ከተካይድ መደብ ኣካይዳ ነይራ፡ እንተኾነ ግን ብድምጺ ናይቶም ኣንጻራ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝተዓብለለ'ዩ ነይሩ።

ዘይከምቲ ኣብ 2021 ብደገፍቲ ትራምፕ ዝተፈጸመ ናዕቢ ካፒቶል፡ ሰብ መዚ ኒውዮርክ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብታ ከተማ ዝመጽአ ዝዀነ ዋሕዚ ሰልፈኛታት ከም ዘይረኣዩ ይዛረቡ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ኣብ ኒውዮርክ ዘይምርግጋእ ክህሉ’ዩ ዝብል ዝዀነ ስክፍታ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ "ኣብ ክፍሊ ፖሊስ ኒውዮርክ እምነት ኣሎኒ" ኢሉ።