ትራምፕ ኣብ ጉዳይ እታ ኮኾብ ፖርኖግራፊ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ቃሉ ክህብ ተጸዊዑ

ኮኾብ ፖርኖግራፊ ነበር ስቶርሚ ዳኒኤልስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኮኾብ ፖርኖግራፊ ነበር ስቶርሚ ዳኒኤልስ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ጉዳይ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ክምስክር፡ ብኣኽበርቲ ሕጊ ኒውዮርክ ከምዝተጸውዐ ጠበቓኡ ኣረጋጊጹ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ማንሃታን፡ ትራምፕ፡ እታ ኮኾብ ፖርኖግራፊ ነበር ስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ ገንዘብ ከምዝኸፈላ ንምርግጋጽ ንሓሙሽተ ዓመታት ክምርምሩ ጸኒሖም።

ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ንኽምስክር ናብ ቤት ፍርዲ ምጽውዑ፡ ክሲ ክቐርበሉ ከምዝኽእል ዘመልክት ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።

ዳኒኤልስ፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ 130 ሽሕ ዶላር ከምዝተኸፈላ ትዛረብ።

ትራምፕ ግን ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ከምዝነበሮም ይኽሕድ።

ኣብ ሓደ ጉዳይ ክሲ ንኽምስረት እኹል መርትዖ እንተሃልዩ ንምፍላጥ፡ ብዓቃቢ ሕጊ መስርሕ ፈራዶ ይቐውም። እቲ መስርሕ ብሚስጥር ዝካየድ ኰይኑ፡ ሓያሎ ሓገዝቲ ትራምፕ ዝነበሩ ኣብዚ ጉዳይ ምስክርነት ከምዝሃቡ ይግለጽ።

እዅል መርትዖ ከምዘሎ እንተተረጋጊጹ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ገበናዊ ክሲ ክኸውን ይኽእል።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ማንሃታን፡ ትራምፕ ንኽቐርብ እንተሓቲቱ፡ እዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ፕረዚደንት ነበር ክኸስስ ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ኣልቪን ብራግ፡ ፋይናንሳዊ ኣኽባሪት ሕጊ ነበር ካትሪን ክርስቲያን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ፡ ነቲ ናይ ምስክርነት ዕድል ክቕበል ተኽእሎ ከምዘይብሉ ሓቢራ።

"መብዛሕትኦም ሰባት ብብዙሕ ምኽንያታት ኣይቕበሉን። ናይ ዘይምዝራብ ነጻነት ትገድፍ፤ እንተሓሲኻ፡ ንናይ ሓሶት ምስክርነት ክሲ ትቃላዕ" ትብል።

"ንኣኽባሪ ሕጊ'ውን መከላኸሊኻ እንታይ ምዃኑ ትሕብሮ ኣለኻ።"

ጉዳይ ስቶርሚ ዳኒኤልስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝግበረሉ ዘለዉ መርመራታት ኰይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዝዀነ በደል ክሲ ኣይተኸሰሰን።

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ዝተዘርግሐ ጻውዒት ርእይቶ ኣይሃቡን።

እዚ ጉዳይ፡ ሚስተር ትራምፕ ንጠበቓኡ ነበር፡ ንስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ርክብ ንኸይትዛረብ ገንዘብ ክኸፍላ መምርሒ ሂብዎ ካብ ዝብል ክሲ ዝምንጩ እዩ።

እቲ ማይክል ኮሄን ዝተባህለ ጠበቓ ድሒሩ ብተደጋጋሚ ክስታት ተኣሲሩ። ኮሄን፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ሒደት መዓልታት ትራምፕ ነቲ ናይ 130 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ክገብር መምርሒ ከም ዝሃቦ ብማሕላ መስኪሩ እዩ።

ትራምፕ ነቲ ክፍሊት ከምዝኸፈለ'ኳ እንተኣመነ፡ ርክብ ከምዝነበሮን ዝዀነ በደል ከምዝፈጸመን ዝገልጽ ክሲ ግን ነጺግዎ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ብተግባራቱ ክልተ ክስታት ክቐርበሉ ከምዝኽእል ካትሪን ክርስቲያን ገሊጻ።

እቲ ቀዳማይ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንኮሀን ዝገበሮ ዝመለሰሉ ገንዘብ ከም ሕጋዊ ክፍሊት ዘርዚርዎ ስለዘሎ፡ መዛግብቲ ንግዲ ብቐጥታ ብምሕሳው ገበን ክኸስዎ ከምዝኽእሉ ትዛረብ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ንትራምፕ ብትሑት ደረጃ ገበን ክኸስስ እውን ክደሊ ይኽእል እዩ፡ እዚ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሕጋዊ ጉዳይ ከምዘስዕብ ገሊጻ።

እዚ ድማ ገበን ንምፍጻም ወይ ንምሕባእ ብምሕሳብ መዛግብቲ ንግዲ ኣጭበርቢሩ ብዘብል ካልኣይ ክሲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ትራምፕ ንዳኒኤልስ ዝኸፈሎ ክፍሊት ንምሕባእ ዝገበሮ ጻዕሪ ምስ ጐስጓስ ምርጫ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክምጕቱ ይኽእሉ እዮም፡ ምኽንያቱ መራጽቲ ምስ ዳኒኤልስ ኣብ "ዘይሕጋዊ ርክብ" ከምዝተዋፈረ ንኸይፈልጡ ዝገበሮ ከምዝኾነ ይንገር ትብል ካትሪን።

ንሳ፡ እቲ መስርሕ ከቢድ ክኸውን’ኳ እንተኸኣለ፡ እንተ ተረጋጊጹ ግን ትራምፕ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ትዛረብ።

ኣብ ጉዳይ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝተኻየደ ናይ ፌደራል መርመራ ኣብ 2021 ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ተቛሪጹ’ኳ እንተነበረ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ማንሃታን ግን ካብ 2018 ጀሚሩ ፍሉይ መርመራ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።