ኣመሪካ ንዩክረይን ብ'ሕቡእ' ዝሃበታ ሚሳይላት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክረይን፡ ካብ ኣመሪካ ብሕቡእ ዝተወሃባ ዓይነታት ሚሳይላት ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ሩስያ ክትጥቀም ምጅማራ ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣረጋጊጾም።
እዚ ኣጽዋር ኣካል ናይቲ ኣብ መጋቢት ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝጸደቐ 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሓገዝ ፓኬጅ ኰይኑ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ እዩ ናብታ ሃገር በጺሑ።
ድሮ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዝተጎበጠት ግዝኣት ክሪሚያ ዝርከቡ ዒላማታት ሩስያ ንምውቃዕ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉ ድማ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን።
ፕረዚደንት ባይደን ንዩክረይን ዝኸውን ሓድሽ ናይ 61 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ሓገዝ ኣብዚ ቀረባ ፈሪሙ ኣሎ።
ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ንዩክረይን ማእከላይ ርሕቀት ሚሳይላት ሲስተምስ ተቕርበላ እኳ እንተነበረት፡ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓየለ ኣጽዋር ክትሰድድ ፍቓደኛ ኣይነበረትን።
ናይዚ ምኽንያታ ካኣ ብኸፊል ንወተሃደራዊ ድልውነት ኣመሪካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ምእታው ከይኸውን ብዝብል ስክፍታታት እዩ።
እንተኾነ፡ ጆ ባይደን ነቲ ክሳብ 300 ኪ.ሜ ርሕቀት ክውንጨፍ ዝኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቀት ስርዓተ ሚሳይል ንምልኣኽ ኣብ ለካቲት ብሕቡእ ፍቓድ ከምዝሃበ ይንገር።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቬዳንት ፓተል፡ "ኣመሪካ ንዩክረይን ብትእዛዝ ፕረዚደንት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ስርዓተ-ሚሳይላት ከም ዝሃበት ከረጋግጽ እኽእል እየ" ኢሉ።
ኣመሪካ "ብመሰረት ካብ ኪቭ ዝቐረበላ ሕቶ፡ ስርሒታዊ ድሕነት ዩክረይን ንምውሓስ ብዝብል ኣቐዲማ ነዚ ወግዓዊ ኣይገበረትን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ክንደይ ዝኸውን ዓይነት እቲ ኣጽዋር ከምዝተላእከት ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን ግን ዋሽንግተን ተወሳኺ ክትሰድድ መደብ ከምዘለዋ ኣነጺሩ’ሎ።
"ለውጢ ከምጽኡ እዮም” ክብል እውን ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ሚሳይላት ተዛሪቡ።
እቶም ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሚሳይላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ኣብታ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ንምውቃዕ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ከምኡ’ውን ብሰሉስ ኣብታ ዝተጐበጠት ወደባዊት ከተማ በርድያንስክ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተጠቐመትሎም ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
መንግስቲ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ክዙናት ተተኮስቲ ይውድእዎ ምህላዎምን ሩስያ ናብ ቅድሚት ምግስጋሳ ከምዝቐጸለትን ብምግላጽ ምዕራባውያን ሃገራት ዝገብራኦ ሓገዝ ከሐይላ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እዚ ሓድሽ ፓኬጅ ሓገዝ ካብ ገለ ኣባላት ኮንግረስ ተቓውሞታት ብምቕራቦም ንኣዋርሕ ድሕሪ ዝጸንሐ ምትዕንቓፍ እዩ ስዒቡ ዘሎ።
ባይደን ከም ሕጊ ንኽጸድቕ ድሕሪ ምፍራሙ "ንኣመሪካ ውሑስቲ ክገብራ'ዩ፤ ንዓለም ውሕስቲ ክገብራ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ፓኬጅ ሓገዝ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕጂ ኣብ ክትዓትን ጥርጣረታትን ዘሕለፍናዮ ፍርቂ ዓመት ንምኽሓስ ኩሉ ነገር ክንገብር ኢና" ኢሉ።
ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣብ እዋን ክረምቲ ንከተማ ኣቭዲቭካ ድሕሪ ምልቃቓ ሩስያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት መጥቃዕቲ ክተካየድ ትጽቢት ከምዝግበር ኣብ ቀረባ እዋን ኣጠንቂቝ ነይሩ።
ሓይልታት ዩክረይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሕጽረት ተተኮስትን ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ተጸጊሞም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ካብ ኣመሪካን ካልኦት መሓዙት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምድንጓዩ መንቀሊ ምጥፋእ ህይወትን መሬትን ከምዝኾነ ይገልጹ።
ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ብኽልቲኡ ወገን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ወተሃደራት ሞይቶም ወይ ቆሲሎም።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ሃዲሞም ኣለዉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







