ኣመሪካ ኣስታት 100 ቢልዮን ወተሃደራዊ ደገፍ ንዩክረይን፡ እስራኤልን ታይዋንን ክትህብ'ያ

ፓትርዮት ሚሳይላት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ዝርከቦ ዓቢ ደገፍ ንዩክረይን፡ እስራኤልን ታይዋንን ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

እቲ ብኮንግረስ ዝጸደቐ ደገፍ $95 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ'ዩ።

"ንድሕነት ኣመሪካ ይኹን ዓለም ውሑስ ዝገብር'ዩ" ክብል ባይደን ኣብቲ ሕጊ ክታሙ ድሕሪ ምንባሩ ተዛሪቡ።

"ብቕልጡፍ" ተወሰኽቲ ኣጽዋርን ኣድላዪ መሳርሒታትን ንዩክረይን ንምስዳድ ይዳለዉ ከምዘለዉ'ውን ፕረዚደንት ባይደን ገሊጹ'ሎ።

እቲ ደገፍ፡ ሰራዊት ዩክረይን ንመጥቃዕትታት ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዝሕግዝ'ዩ።

እቲ ኣብ ኮንግረስ ተደናጒዩ ዝጸንሐ ፖሊሲ፡ ትማሊ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ብዘሕለፎ ውሳነ'ዩ ከም ሕጊ ጸዲቑ ዘሎ። እቲ ውሳነ 79 ኣባላት ሰነት ደገፎም ክህብዎ ከለዉ፡ 18 ተቓዊሞሞ።

ታሕተዋይ ባይቶ (ወከልቲ ህዝቢ) ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ድምጺ እኹል ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ናብ ሰነት ሰጊሩ።

ዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾኑ ባላት ናይቲ ባይቶ ነቲ ፖሊሲ ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ካብ ባላት ደሞክራስያዊ ሰልፊ ግን ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበ'ዩ።

ብውሕዱ 61 ቢልዮን ካብቲ ተወሲኑ ዘሎ ደገፍ ንዩክረይን ከምዝወሃብ ይፍለጥ።

እቲ ወተደራዊ ሓገዝ ነታ ብሰንኪ ስእነት ተተኮስትን ምዕቡል ኣጽዋርን እናተዳኸመት ክትከይድ ዝጸንሐት ዩክረይን ናይ ምክልኻል ሓይሊ ዝህብ'ዩ።

ትማሊ ሰሉስ ጥራይ፡ ኣብታ ሃገር ዝዓበየት ከተማ ካሪቭ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ሩስያ ተደብዲባ ነይራ።

ኣዛዚ ሃገራዊ ሓለዋ ዩክረይን ጀነራል ኦለክሳንደር ፒቭነንኮ፡ ሓይልታት ሩስያ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር መጥቃዕቶም ከሕይሉ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኲናት ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ክሳብ ጥሪ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ንዩክረይን ከምዝሃበታ ይግለጽ።

ንእስራኤን ታይዋንን ዝተወሰነ ደገፍ

ካብቲ ትማሊ ዝተወሰነ ደገፍ እቲ 17 ቢልዮን ዶላር ንእስራኤል ዝወሃብ'ዩ።

ካልእ 9 ቢልዮን ዶላር ድማ በቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ዝተወልዑ ግጭታት ዝተጸለዉ ሲቪላውያን ንምሕጋዝ ክውዕል'ዩ።

ኣመሪካ ንታይዋንን ኣብ ኤስያ-ፓሲፊክ ዝርከባ "ንዴሳዊ ቻይና ዝብድሃ" ዘለዋ ካልኦት መሻርኽታን'ውን 8 ቢልዮን ዶላር ክትህብ መዲባ'ላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ኮንግረስ ኣመሪካ "ንድሕነት እስራኤል ዘለዎ ዘይዕጸፍ ተወፋይነት" ንኢዱ።

"እስራኤልን ኣመሪካን ኣንጻር ሽበራን፡ ከምኡ'ውን ደሞክራሲን ናይ ሓባር ክብርታትና ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሓባር ደው ኢለን ኣለዋ" ኢሉ።

ኣመሪካ ዓመታዊ ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዶላር ንእስራኤል ከምእትህባ ይፍለጥ።

በቲ ንታይዋን ክወሃብ ተወሲኑ ዘሎ ደገፍ ዝተቖጠዐት ቻይና ግን እቲ ውሳነ "ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል መትከል ዝጥሕስ'ዩ" ብምባል "ነቶም ንናጽነት ዝድግፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት [ታይዋን] ግጉይ ምልክት ዝህብ'ዩ" ክትብል ተቓውሞኣ ገሊጻ'ላ።

"ኣመሪካ፡ ንናጽነት ታይዋን ከይትድግፍ ንዝኣተወቶ መብጽዓ፡ ኣጽዋር ካብ ምሃብ ብምሕያብ ኣብ ግብሪ ከተርእዮ ንምሕጸን" ክትብል ኣፈኛ መንግስቲ ቻይና ተዛሪባ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ታይዋን ዊልያም ላይ ግን እቲ ደገፍ ኣንጻር "ምልካውነት ንዝግበር ምክልኻል ዘሐይል'ዩ" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።

እታ ቻይና ከም ሓንቲ ካብ ኣውራጃታታ እትሓስባ ታይዋን ናይ በይና ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ኮይና፡ ከም ሃገር ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘይረኸበት'ያ።

ጉዳይ ምእጋድ ቲክቶክ

እቲ ጆ ባይደን ዝፈረመሉ ናይ ሓገዝ ፖሊሲ፡ ንቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ጠቕሊሉ ክእግድ ዘኽእል ትሕዝቶ ዘጠቓለለ'ዩ።

ነቲ ውሩይ ማሕበራዊ መዲያ ዝውንን ቻይናዊ ትካል ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ብጽሒቱ ክሸጦ እንተዘይክኢሉ ወይ ደገፍ ኣመሪካ ዘለዎ ዓዳጊ እንተዘይረኺቡ ቲክቶክ ኣብ መላእ ኣመሪካ ክዕጾ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ገደብ ግዜ ብተወሳኺ 90 መዓልቲ ከናውሖ ይኽእል'ዩ።

እቲ ኣብታ ሃገር ኣስታት 170 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ ቲክቶክ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ናብ መንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ከይህብ ብዝተፈጥረ ስግኣት'ዮም ኣባላት ኮንግረስ ክዕጾ ወይ ውሑስ ዋና ክርከበሉ ዓብላሊ ደገፎም ሂቦም ዘለዉ።

ቲክቶክ ግን፡ ዛጊት ይኹን ኣብ መጻኢ ዝኾነ ሓበሬታ ዓማዊሉ ንመንግስቲ ቻይና ከምዘይህብ'ዩ ዝምጉት።