ምርጫ ኣሜሪካ 2024፡ ባይደን ዶ ትራምፕ ይዕወት ክፈልያ ዝኽእላ ኣርባዕተ ወሰንቲ ነጥብታት

ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንምዃን ኣብ ሕዳር ክወዳደሩ’ዮም።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ክልተ ብዕድመ ኣዝዮም ዝሸምገሉ ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

ብህዝቢ ኣብ ዘለዎም ተቐባልነት ክልቲኦም ተመጣጠንቲ ከምዝኾኑ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ትራምፕ ፕረስ ሴክረታሪ ዝነበረ ሾን ስታንሰር ይሕብር።

ንዶናልድ ትራምፕ ቁሩብ ንድሕሪት ጉትት ከብሎ ዝኽእል እዚ ብተደጋጋሚ ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታትን ሓሓሊፉ ዘምሉቘ ዘረባን ደገፍቲ የኽስሮ ከምዘሎ ይጥቀስ።

ጆ ባይደን’ውን እንተኾነ ምስዚ ዘለዎ እርጋን ነብሱ ክኢሉ ባዕሉ ጎስጋሳት ክገብር ይኽእል ድዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

እንተተመረጸኸ ንኣርባዕተ ዓመታት ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ? ዝብል ሕቶ’ውን ካብ ብዙሓት ዝልዓል ዘሎ ነጥቢ’ዩ።

ጆ ባይደን ዳግማይ ንኣሜሪካ ክምርሕ እንተተመሪጹ፡ ንኣሜሪካን ንዲሞክራሲ እታ ሃገርን ስግኣት ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠቅሱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

እንተኾነ የማን ኢልካ ጸጋም ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ዝግበር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዙሓት ብህንጥዩነት ዝጽበይዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ ኣሜሪካውያን ግን ካብ ክልቲኦም ወጻኢ ካልእ ዝተውሃቦም ምርጫ የለን። ‘ጆ ባይደን ወይ ዶናልድ ትራምፕ’ እዮም ኣማራጺታት ዘለዉ።

ቢቢሲ ነዞም ክልተ ንኣሜሪካ ንምምራሕ ዝወዳደሩ ክፈላልይዎም ዝኽእሉ ነጥብታት ኣብ ኣርባዕተ ከፋፊሉ ኣቕሪብዎም ኣሎ።

ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት

ጆ ባይደን ብኣሜሪካውያን ዘለዎ ተቐባልነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቖለ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገልጽ መጽናዕትታት ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ’ውን እንተኾነ ካብ ጆ ባይደን ዝሓይሽ ተቐባልነት የብሉን።

እዚ ድማ’ዩ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣዝዩ ተሃራፊ ዝገብሮ።

ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ዳህሳስ ናይ ክልቲኦም ነጥብታት ተቐራራቢ’ዩ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ግን ዶናልድ ትራምፕ ክመርሕ ይርአ።

እንተኾነ ኣብ ቅዋም ኣሜሪካ መን ብሓፈሻ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ዝብል ጥራይ ወሳኒ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ሮቋሒ መን ኣብ ዝተወሰና ክፍለ ግዝኣታት ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ’ዩ እቲ ወሳኒ ሮቋሒ።

ኣሜሪካ ‘ኢሌክቶራል ኮሌጅ’ ዝብሃል ዓይነት’ያ ትኽተል። እዚ ማለት ካብተን ዘለዋ ግዝኣታት መን ኣብ ዝበዝሓ ክፍለ ግዝኣታት ተዓዊቱ’ዩ እቲ ወሳኒ። እተን ክፍለ ግዘኣት ንዲሞክራትስ ድየን ንሪፐብሊካን መሪጸን ዝብል’ዩ እቲ ቀንዲ መምዘኒ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክፍለ ግዝኣታት ዊስከንሲን፡ ፔንስሊቬንያን ሚሺጋንን ከምኡ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ጆ ባይደን ዝተዓወተለን ክፍለ ግዝኣታት ኣሪዞናን ጆርጅያን ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት’የን ክኾና።

ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ግን ብዝሒ ህዝባ’ውን ውሑድ ስለዝኾነት ካብተን ኣድላይነታ ኣዝዩ ትሑት’ዩ።

ፍሎሪዳን ኖርዝ ካሮላይናን ካብ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ጀሚረን ናብ ደገፍቲ ሪፐብሊካን ጸርየን’የን። ቪርጂኒያን ኮሎራዶን ከኣ ናብ ዲሞክራቲክ ዘንቢለን’የን።

በዚ ምኽንያት’ዩ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሽማግለታት ዝግበር ውድድር ኣዝዩ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ።

ቁጠባ

ኣሜሪካውያን ድምጺ ክህቡ እንከለዉ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝሰርዕዎም ነጥብታት ሓደ ቁጠባ’ዩ።

ቁጠባ ኣሜሪካ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እንተሃልዩ ነቲ ዘሎ ፕረዚደንት ሰንከልከል እንተኢሉ ከኣ ነቲ መወዳድርቱ’ዮም ዝመርጹ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣሜሪካ ንበይና ፈልዩ ዘጋጠማ ቁጠባዊ ቅልውላው የለን። በዚ ከኣ ጆ ባይደን በዚ ጉዳይ ዘይክህረም ይኽእል።

ኣብታ ሃገር ሽቕለት ኣልቦነት ኣዝዩ ጎዲሉ’ዩ፤ እዚ ኹሉ እናኾነ ግን ኣሜረካውያን ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ክካትዑ እነከለዉ ኣብ ሓደ መዕለቢ ኣይብጽሑን።

እቶም ንጆ ባይደን ክነቕፉ ዝደልዩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናህሪ ዋጋ ሃለኽትን ኣብ ዝበዝሓ ክፍለ ግዝኣታት ዋጋ ገዛውቲ ዘይምጉዳሉን ከም መርትዖ የቕርብዎ።

ኣብ ኣሜረካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተሸጠ ገዛውቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ።

ትራምፕ ኣብ ኣዩዋ ኣብ ዘዳለዎ መደብ፡ ኣብ እዋን ጆ ባይደን ካብ መንግስቲ ገንዘብ ተለቒሖም ገዛ ዝገዝኡ ኣሜሪካውያን፡ ወለድ ስለዝተወሰኾም’ዩ ዕዳ በዚሕዎም ዝብል ነጥቢ ደጋጊሙ ይዛረባ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ጆ ባይደን ክጸናንዓሉ ዝኽእል ጸብጻባት ይወጽእ ኣሎ። ዩኒቨርስቲ ሚሺጋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ዋን ጆ ባይደን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ነዳድን ከምዝነከየ ይሕብር። ኣሜሪካያን ኣብ ቁጠባ ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ገና ብሕጂ’ዩ ክፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሐሳስ ኣብ ዝተገበረ ጸብጻብ፤ ቁጽሪ ብሜክሲኮ ገይሮም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብዝሒ ስደተኛታት 249 ሸሕን 785 ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ታሐሳስ ኣብ ዝተገበረ ጸብጻብ፤ ቁጽሪ ብሜክሲኮ ገይሮም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብዝሒ ስደተኛታት 249 ሸሕን 785 ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ

ጉዳይ ምንጻል ጥንስን ጉዳይ ስደተኛታትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጆ ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓሳት፡ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝበዝሓ ክፍለ ግዝኣታት ዘይሕጋዊ ክኸውን ዝገበረ ዶናልድ ትራምፕ’ዩ ይብል።

ዶናልድ ትራምፕ ዝመረጾም ሰለስተ ላዕለዎት ዳኛታት፡ እቲ ንዝሓለፈ 50 ዓመታት ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ’ዩ ዝብል ነጥቢ ከምዝልዓል ገይሮም’ዮም። ካብዚ ብምብጋስ ጆ ባይደን ዝመርሖ ሰልፊ ዶሞክራትን ነዚ ከም ሃጓፍ ብምጥቃም ኣነ ንምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክገብሮ’የ ብምባል ደገፍ ክረክብ ሓርኮትኮት ይብል ኣሎ።

ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ነበርቲ ክፍለ ግዝኣታት ፍሎሪዳን ኣሪዞናን ኣብ ጉዳይ ሕጋውነት ምንጻል ጥንሲ ድምጺ ክህቡ’ዮም።

ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ’ውን ምንጻል ጥንሲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾነ ብምክርኻር ኣብ እተካይዶ ዘላ ጎስጓሳት ኣትሪራ ትካትዐሉ ኣላ።

እዚ ነጥቢ እዚ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ተወዳደርቲ ፍልልይ ክፈጥር ከምዝክል ድሮ ተስተብሂሉ ኣሎ።

ጆ ባይደን ንጉዳይ መሰል ምንጻል ጥንሲ መርከቢ ድምጺ ክጥቀመሉ እንከሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ጉዳይ ስደተኛታት ከም መህረሚ ጆ ባይደን ይጥቀመሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሐሳስ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፤ ቁጽሪ ብሜክሲኮ ገይሮም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብዝሒ ስደተኛታት 249 ሸሕን 785 ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ከኣ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ ዝተረኣየ እቲ ዝበዝሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ቁጽሪ እዚ ንብዙሓት ኣሜሪካውያን ዘሰንበደ’ዩ ነይሩ። ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ሸለልትነት መሪሕነት ጆ ባይደን ዝፈጠሮ’ዩ ብምባል ኢዱ ናብ ጆ ባይደን ከወጣውጥ ተራእዩ።

ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ዘካየዶ ኣኼባታት ብዘይ ፍረ’ዩ ክብተን ተራእዩ።

ሾን ስፓይሰር “ምምሕዳር ጆ ባይደን ዶባት ኣሜራካ ብፍላይ ከኣ ደቡባዊ ሸነኽ ኣብ ምውሓስ ተሳዒሩ’ዩ” ይብል።

ካልእ ወሰኽ ገበናት፡ ጉዳይ ፖሊሲ ክሊማዊ ለውጢ፡ ፖሊሲ ጉያት ወጻእን ካልእን ዝብሉ ነጥብታት’ውን ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ተወዳደርቲ ፍልልያ ናይ ድምጺ ክፈጥሩ ካብ ዝኽእሉ ዛዕባታት’ዮም።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንጆ ባይደን ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ምምሕዳር ጆ ባይደን ንእስራኤል ዘለዎ ደገፍ ምግላጹ ንብዙሓት መንእሰያት እታ ሃገር ዘቖጠዐ’ዩ ነይሩ።

ጸሓይ ዝሃረሞ ምስጢር

ክሳብ እቲ ምርጫ ዝካየደሉ ሕዳር ብዙሓት ትጽቢት ዘይተገበረሎም ነገራት ክኽሰቱ ይኽእሉ’ዮም።

ጆ ባይደን ወዲ 81 ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ወዲ 77 ዓመት’ዮም ኮይኖም ዘለዉ።

ክሳብ ሕዳር ዘሎ ግዜ ኣብ ጉዳይ ጥዕና እዞም ክልተ ሽማግለታት ሓደ ነገር ምስ ዘጋጠም ኣዝዩ ኣዘራራቢ ክኸውን’ዩ።

ብፍላይ ከኣ ክልቲኦም ፊት ንፊት ዝገብርዎ ክትዓት ንምርኣይ ብዙሓት ብህንጡዩነት ዝጽበይዎ ዘለዉ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።

ብሽምግልና እዞም ክልተ ተወዳደርቲ ዘይተሓጎሱ ብዙሓት ኣሜካውያን ሳልሳይ ሰልፊ ወይ ከኣ ሓደ ናይ ውልቂ ተወዳዳሪ ክህሉ’ዮም ዝደልዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ፍርዲ ብሓፈሻ 91 ክስታት ዝሓዘ ዘይተዛዘመ ጉዳይ ኣለዎ። እዚ ከኣ ካብ ቀንዲ ሕማም ርእሲ እቲ ተወዳዳሪ’ዩ።

በዚ ክስታት እዚ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ደገፍቱ ከይተረፉ ክነጽግዎ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግመት።

ኣብ ጥሪ 2021 ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ካፒቶል ሰይሮም ምእታዎም ኣብ ዲሞክራሲ ኣሜሪካ ፈጢርዎ ዘሎ በሰላ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንዶናልድ ትራምፕ ክሽልብቦ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ብዓል ጆ ባይደን’ውን ነዚኣ ከም በትሪ ብተደጋጋሚ ከልዕልዋ ይስምዑ’ዮም።