ኣሜሪካ፡ ብሓቂ ብኣመንቲ ሰይጣንን ገሃስቲ ህጻናትን ድያ ትምራሕ?

ኪውኣኖን

ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty Images

ሰይቲ ወዲ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነት ላራ ትራምፕ፡ ተኸታሊ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ‘ኪውኣኖን’ ዝዀነ ስኮት ፕረስለር ኣብ ሃገራዊ ኮሚቴ ሪፓብሊካን ንክሕግዝ ክትቈጽሮ ዘለዋ ድሌት ኣፍሊጣ እያ።

ኪውኣኖን፡ ኣሜሪካ ብኣመንቲ ሰይጣን ከምእትምራሕን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ትራምፕ ንዅሎም ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦምን ዝገልጽ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ እዩ።

ከም ኣቦ መንበር ዝተመርጸ ማይክል ዋትን ላራ ትራምፕን ላዕለዎት ጽፍሕታት መሪሕነት ዝሓዙ እሙናት ደገፍቲ ትራምፕ እዮም።

ይዅን እምበር ላራ ብ14 መጋቢት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንስኮት ፕረስለር ክትቈጽር ዘለዋ ድሌት ድሕሪ ምግላጻ፡ እናሃሰሰ ዝኸይድ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ ኪውኣኖን ዳግማይ ከዘራርብ ጀሚሩ ኣሎ።

ፕረስለር ቅድሚ ሕጂ ንክልሰ-ሓሳብ ኪውኣኖን የወዓውዕን ይዝርግሕን ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብቲ ብ6 ጥሪ 2021 ምስ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዝተኣሳሰር ኣብ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ እውን ተረኺቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ ፕረስለር ‘ኣክት ፎር ኣሜሪካ’ ኣብ ዝተበሃለ ከም “ጕጅለ ጸረ-ኣስላም” ዝግለጽ ትካል ሰሪሑ እዩ።

ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ሕጹይ ሪፓብሊካን ክኽውን ጐስጓስ ዘካይድ ዘሎ ትራምፕ፡ ስሙ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኪውኣኖን ብዝተኣሳሰር ክለዓል ከምዝጸንሐ ይዝከር።

የማናዊ ስነ-ሓሳባዊ ምንቅስቓስ ዝዀነ ኪውኣኖን፡ ምስ ፕረዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ብዝተኣሳሰር ሓደስቲ ስግኣታት ንኽፍጠሩ ምኽንያት ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ድማ ይንገር ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ተፈተውቲ ጭርሖታት ኪውኣኖን፡ "ሓደ ካባና ናብ ዝኸደሉ ኵላትና ብሓባር ንኸይድ" ዝብል እዩ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ተፈተውቲ ጭርሖታት ኪውኣኖን፡ "ሓደ ካባና ናብ ዝኸደሉ ኵላትና ብሓባር ንኸይድ" ዝብል እዩ

ኪውኣኖን እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኪውኣኖን ንሓደ ጕጅለ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ኢንተርነት ዘመልክት ቃል ኰይኑ፡ ዓለም ብዕስለ ሰይጣን ዘምልኹ ጕጅለ ፔዶፋይልስ (ቈልዑ ንጾታዊ ርክብ ዝምነዩ ሰባት) ትመሓደር ከምዘላ ይገልጽ።

ሰዓብቲ ኪውኣኖን፡ እቲ ንዓለም ዝገዝእ ዘሎ ዕስለ፡ ከም በዓል ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሂላሪ ክሊንተን፡ ባራክ ኦባማን ጆርጅ ሶሮስን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት መራሕቲ ዲሞክራት ከምዝርከብዎ ይኣምኑ።

ከም በዓል ኦፕራ ዊንፍረይ፡ ቶም ሃንክስን ኤለን ዲጀነረስን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ኣዘናጋዕትን ፍሉጣት ኣሜሪካውያን እውን ኣመንቲ ሰይጣን እዮም ይብሉ።

ገለ ትካላት ሃይማኖት እውን ካብ ተመሳሳሊ ክሲ ነጻ ኣይኰናን፤ ከም ጳጳስ ፍራንሲስን ዳላይ ላማን ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ኣባላት እቲ ገዛኢ ጕጅለ ምዃኖም ሰዓብቲ ኪውኣኖን ይጠቕሱ። ብዙሓት ካብኣቶም ግህሰት ህጻናት ከምዝፍጽሙ፡ ግዳያቶም ቀቲሎም ከምዝበልዑን እውን ይዛረቡ።

ብመሰረት ኪውኣኖን፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ገበናዊ ጕጅለ ንምብታኽን ኣባላቱ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ኣብ 2016 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ብላዕለዎት ወተሃደራዊ ጀነራላት እዩ ተመልሚሉ።

ብዙሓት ኣባላት እቲ ጕጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጓንታናሞ በይ ከምዝእሰሩን ገሊኦም ድማ ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዝቕተሉን እቲ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ይጠቅስ።

እቶም ሰዓብቲ ከምዝብልዎ፡ ህጻናት ኣሜሪካ ካብ ጭውያን ግፍዒን ብተወሳኺ ኣብ ኣካላቶም ዝርከብ ዕድመ ዘናውሕ ዝብልዎ ኣድሪኖክሮም ዝተበሃለ ብሰይጣናውያን ዝድለ ኬሚካል ንምውጻእ እውን ይቕተሉ ኣለዉ።

ካብ መረጻ 2020 ጀሚሩ፡ ኪውኣኖን ውጽኢት እቲ መረጻ ካብ ትራምፕ ተሰሪቑ’ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ከደልድል ጸኒሑ እዩ። ገለ ኣመንቲ ድማ ትራምፕ ሕጂ’ውን ሕጋዊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃኑ ይገልጹ።

ኪውኣኖን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ዙርያ ቅትለት ጆን ኤፍ ኬነዲ፡ ህላወ ዘይተነጸሩ በረርቲ ኣካላትን መጥቃዕቲ 9/11ን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ማሕበረሰባት ከጠቓልል ጸኒሑ እዩ።

ሰዓብቲ ኪውኣኖን ባነራትን ባንዴራታትን ሒዞም ንዶናልድ ትራምፕ ደገፎም ገሊጾም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰዓብቲ ኪውኣኖን ባነራትን ባንዴራታትን ሒዞም ንዶናልድ ትራምፕ ደገፎም ገሊጾም እዮም

ብኸመይ እዩ ተጀሚሩ?

ኣብ ጥቅምቲ 2017፡ ኣብ ‘4ቻን’ ኣብ ዝተበሃለ መርዛም መልእኽቲ ዝዝርግሕ መርበብ፡ ካብ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ንነብሱ “ኪው ክሊራንስ ፓትሪዮት” ኢሉ ዝጽውዕ ኣካውንት ሓደ ጽሑፍ ተዘርጊሑ ነይሩ።

እዚ “ኪው” ተባሂሉ ጥራይ ዝፍለጥ ኣካውንት፡ ብዛዕባ’ቲ ትራምፕ ኣንጻር ዓለማዊ ዕስለ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ምስጢራዊ ሓበሬታ ክረክብ ዝኽእል ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃኑ ይገልጽ።

ኪው፡ እዚ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ብ’ዘ ስቶርም’ ከምዝዛዘም ኣተንቢሁ ነይሩ - እዚ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዕስለ ብምቅላዕ ንኣባላቱ ብገበኖም ዝቐጽዓሉን ንኣሜሪካ ናብ ዕብየት ዝመልሰሉን እዋን ዘመልክት ዝተመደበ ግዜ እዩ።

ገበናዊ ንጥፈታትን ጽልዋኡን

ደገፍቲ ኪውኣኖን፡ ብዛዕባ ጸላእቲ ዝብልዎም ሰባት ሃሽታግ ይዝርግሑን ዝመስሎም ግህሰት የወሃህዱን፤ ገለ ካብዚኦም ነቶም ኣብ ህጻናት ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብልዎም ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም።

ሓያሎ ሰዓብቲ ኪውኣኖን፡ ምፍርራሕ ወይ ካብ መስመር ወጻኢ ስጕምቲ ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣለዉ።

ንኣብነት ኣብ 2018፡ ማቲው ራይት ዝተበሃለ ውልቀሰብ ጽምዲ ጠመንጃ፡ ክልተ ሽጉጥን 900 ጠያይቲን ተዓጢቑ ኣብ ልዕሊ ግድብ ሁቨር ንዝነበረ ድልድል ዓጽዩ ነይሩ።

ንሱ እቲ መንገዲ ብምዕጻው፡ እቶም ብዛዕባ ሂላሪ ክሊንተን ወግዓዊ ርክባት መርመራ ዘካይዱ ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ፡ “ወግዓዊ” ጸብጻብ ክህብዎ ጠሊቡ።

ድሒሩ ራይት ክሃድም ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብፖሊስ ኣሪዞና ተታሒዙ። ኣብ 2021 ድማ ብግብረሽበራ ክሲ ገበን ተኣሚኑ ዳርጋ ንሸሞንተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

ሰዓብቲ ኪውኣኖን፡ ከዳዓት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ውዲት ይኣልሙ ከምዘለዉ ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰዓብቲ ኪውኣኖን፡ ከዳዓት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ውዲት ይኣልሙ ከምዘለዉ ይኣምኑ

ኣብ መጋቢት 2019 ድማ ኣንቶኒ ኮሜሎ፡ ፍራንቸስኮ ካሊ ዝተበሃለ ሓላፊ ጕጅለ ገበን ጋምቢኖ ብጥይት ቀቲልዎ፤ ኮሜሎ ነዚ ዝፈጸመ ንገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ሓጋዚ ትራምፕ ምዃኑን ካሊ ድማ ኣባል ናይቲ ዓሚቝ መንግስቲ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ ከምዝዀነ ይንገር።

ኣብ ግንቦት 2019 መጽሔት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ንሰዓብቲ ከም በዓል ኪውኣኖን ዝኣመሰሉ “ውዳበታት ፖለቲካዊ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት” ስግኣታት ውሽጣዊ ግብረሽበራ ምዃኖም ኣለልዩ ነይሩ። ኣብ 6 ጥሪ 2021 ዘጋጠመ ቀታሊ ፍጻመታት ድማ ነዚ ዘደልድል ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ካብቶም ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ንህንጻ ካፒቶል ድሕሪ ምውራሮም ዝተኣስሩ ኣማኢት ደገፍቲ ትራምፕ ዝዀኑ ናዕበኛታት ኣባላት ኒዮፋሽሽታዊ ጸዓዱ ሃገራውያን ውድባት፡ እቶም 60 ንገዛእ ርእሶም ከም ተኸተልቲ ኪውኣኖን ዝገልጹ ነይሮም።

ካብዚኦም ምናልባት እቲ ዝያዳ ዝፍለጥ ጃኮብ ቻንስሊ፡ ወይ “ኪውኣኖን ሻማን” ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰኔት ኣሜሪካ ዕርቃኑ ኣፍልቡን ኲናትን ቀርኒ ዘለዎ ቆብዕን ተኸዲኑ ዝተሳእለ እዩ። ቻንስሊ፡ ንመስርሕ ምርግጋጽ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምዕንቃፍ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ፡ ን41 ኣዋርሕ ድማ ክእሰር ተፈሪድዎ እዩ።

ቀንዲ ሰዓብቲ ኪውኣኖን ገለ ካብቶም ንካፒቶል ዝወረሩ ናዕበኛታት ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀንዲ ሰዓብቲ ኪውኣኖን ገለ ካብቶም ንካፒቶል ዝወረሩ ናዕበኛታት እዮም

ብሓቂ ብኪውኣኖን ዝኣምን ሰብ ኣሎ ድዩ?

ብሓቂ ንምዝራብ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብኪውኣኖን ይኣምኑ እዮም።

ዋላ እኳ ግርምቢጥ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት እንተሃለዎ፡ ኪውኣኖን ካብ ማሕበረሰባት ኦንላይን ተበጊሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕልጡፍ ክዝርጋሕ ክኢሉ እዩ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ህጻናት ይፍጸሙ ኣለዉ ዝብልዎም ተግባራት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ብምግናን ብዛዕባ’ዚ ጭንቀት ዘለዎም ኣሜሪካውያን ብፍላይ ድማ ኣደታት ናብቲ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ንምስሓብ ውጽኢታዊ መገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኻየዱ ዳህሳሳት ርእይቶ ከምዘመልክትዎ፡ ብሚልዮናት’ኳ እንተዘይኰይነ፡ ብውሑዱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እንተወሓደ ብገለ ካብቲ ኪውኣኖን ዝብሎም ግርምቢጥ ክልሰ-ሓሳባት ዝኣምኑ ኣለዉ።

ኪውኣኖን ካብቲ ዝሕሰብ ንላዕሊ ብዙሕነት ዘለዎ ጕጅለ’ዩ። እቶም ቀዳሞት ተኸተልቲ ብቐንዱ ደገፍቲ ሕሉፍ የማናውያን ትራምፕ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ 2020 ግን እቲ ምንቅስቓስ ኣደታት፡ ጸረ ዕጽዋ ኮቪድን ሓርነታውያንን ወንጌላውያን ክርስትያናትን ብምሕዋስ ዝያዳ ተዘርጊሑ’ዩ። ምሩቓት ሃርቫርድን ኣካየድቲ ስራሕ ዎል ስትሪትን ከይተረፉ ብኪውኣኖን ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኪውኣኖን ዓለምለኻዊ ህላወ እውን ኣማዕቢሉ እዩ፤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ገለ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባውያንን ኣኽረርቲ የማናውያንን ተቐቢሎምዎ እዮም።

ኪውኣኖን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ጥራይ እዩ ዝብል ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያ ኣሎ። እንተዀነ ንሰዓብቱ ከም ማሕበራዊ ትካልን ምንጪ መዘናግዕን የገልግል እዩ።

ኣብ ገለ ኵነታት፡ ኪውኣኖን ምስ ቤተ ክርስቲያን እውን ዘነጻጽርዎ ኣለዉ፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ንሰዓብቱ መሓውር ማሕበራዊ ደገፍን ንመዓልታዊ ህይወቶም ዝኸውን ውዳበ ትረኻ ስለዝህብ እዩ።