ሱዳን፡ ብኸመይ እያ ዓውደ ክርፍስ ሩስያን ዩክረይንን ትኸውን ዘላ?

ፑቲን (ጸጋም) - ዘለንስኪ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, EPA/AFP/GETTY IMAGES

ዩክሬናውያን ሕቡኣት ኣሃዱታት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ሩስያውያን ሰራዊት ቫግነር ክምርምሩ ዘርኢ ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ኰይኖም፡ ገለ ማዕከናት ዜና ድማ ዩክረይን ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ትሳተፍ ክትህሉ ከምእትኽእል ይሕብሩ።

ዩክረይን ኣብ ገዛእ መሬታ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለወሉ እዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ጕጅለ ‘ቫግነር’ ሩስያ ትዋጋእ’ዶ ትህሉ?

ኣብ መስከረም 2023፡ ሓደ ትጽቢት ዘይግበረሉ ኣኼባ ኣብ ሓደ ዘይተለምደ ቦታ ተኻይዱ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክምለስ እንከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሻኖን - ኣየርላንድ ዕረፍቲ ይገብር። ሽዑ ከኣ ኣብኡ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ጸጥታን “ካብቶም ብሩስያ ዝምወሉ ዘይሕጋውያን ጕጅለታት ዝመጽእ ስግኣታትን” ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ከምዘመልከቶ፡ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ በረራታት ስግረ-ኣትላንቲክ [ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ዝግበር ነዊሕ በረራ] ነዳዲ ንምምላእ ዘገልግል መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኻየደ ዓቢይ ኣኼባ “መደብ ዘይተትሓዘሉ” እዩ ነይሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ዩክረይን ግን ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ንኽካየድ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተ ይንገር።

ኣብቲ እዋን ሱዳን ኣብ መንጐ ስሩዕ ሰራዊትን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣዝያ ተሃስያ ነይራ።

በቲ ግጭት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፤ ሚልዮናት ካብ ገዛኦም ተፈናቒሎም ወይ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሃድሙ ተገዲዶም። ቍጠባ እታ ሃገር ድማ ዓቢ ዕንወት ኣጋጢምዎ።

ኣብዚ ግጭታት ዩክረይን ንመንግስቲ ሱዳን ብኸመይን ስለምንታይን ከምዝደገፈቶ ዘቃልዑ ጸብጻባት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክቕልቀሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ጸብጻብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ነሓሰ 2023 ዋና ቤት ጽሕፈቱ ብሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዝተኸበበሉ እዋን፡ ወተሃደራት ዩክረይን ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ክሃድም ከምዝሓገዝዎ የመልክት።

ኣብ መንጐ ኣልቡርሃንን ዘለንስኪን ድሕሪ ዝተገብረ ዝርርብ ተሌፎን፡ “ቲሙር” ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ስለያ መኮነን ዝመርሖም ኣስታት ሚእቲ ዝዀኑ ኦፐሬተራት ፍሉይ ሓይሊ ዩክረይን ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን (ሕመቲ ምስ ኣል-ቡርሃን)

ምንጪ ስእሊ, Getty images

ኣሃዱ ዩክረይን ኣልቡርሃን ክወጽእ ኣብ ምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምቕራብን ኣንጻር ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ብምክያድ እውን ኵነታት ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኲናት ክቕየር ኣብ ምግባር ተሳትፎ ከምዝነበሮም እቲ ጋዜጣ ወሲኹ ኣቃሊዑ።

ስለያ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኪቭ ኣብ ሱዳን ተሳትፎ ከምዘለዋ ንዝገልጽ ጸብጻባት ከረጋግጽ ወይ ክነጽጐ ኣይከኣለን።

“ሃገራዊ ረብሓታት ዩክረይን ንምሕላው ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ዝተፈላለየ ጂኦግራፍያዊ ዞባታት ንጥፈታቱ የካይድ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ዘለንስኪ ምስ ኣል-ቡርሃን እናተዘራረቡ

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian Presidency

‘ቫግነር’ ኣብ ሱዳን እንታይ ይገብር ኣሎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ለካቲት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዩክሬናውያን ኦፕሬተራት፡ ንሓንቲ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማን ሬሳ ናይ ሓደ ዝሞተ ወተሃደር ሩስያ ኣብ ውሽጣ ዝሓዘተን ወተሃደራዊት መኪና ክምርምሩ ዘርኢ ቪድዮ ተቐልቂሉ።

እታ መኪና ናይ ሩስያዊ ጉጅለ ቫግነር ምልክት ዝነበራ እያ።

ኣብ ካልእ ክፋል ናይቲ ቪድዮ ከኣ ወተሃደራት ዩክረይን ንዝተማረኹ ወተሃደራት ሩስያ ሕቶታት ከቕርቡ ተራእዮም።

“ኣብዚ ዘለኩም ዕላማ እንታይ እዩ?” ክብል ሓደ ዩክሬናዊ መኮነን ይሓትት።

ሽዑ እቲ ወተሃደር “ነቲ መንግስቲ ምውዳቕ” ኢሉ መለሰሉ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ሱዳን መዓስን ኣበይን ከምዝተሳእለ ንጹር ኣይኰነን፤ ቢቢሲ’ውን ካብ ናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ሩስያዊ ጕጅለ “ቫግነር” እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተፈጥረ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ ነዊሕ እዋን ኣብ ሱዳን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ናይ መጀመርታ ቪድዮታት ዕሱባት ቫግነር ኣብ ሱዳን እንተወሓደ ካብ 2017 እዩ ዝጅምር።

ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣብ ምምልማል ወተሃደራት ሱዳን ከምኡ’ው ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ንዝውልዑ ተቓውሞታት ኣብ ምቍጽጻር ይሕግዝዎም ከምዝነበሩ ይግለጽ ነይሩ።

መስራቲ ናይቲ ጕጅለ ዝነበረ የቭገኒ ፕሪጎዥን ኣብ ነሓሰ 2023 ድሕሪ ምማቱ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝንቀሳቐሳ ኣሃዱታት “ቫግነር” ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፍሉይ ኣገልግሎት ሩስያ ኣትየን።

ሕጂ እቶም ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ዝድግፉ ዕሱባት “ቫግነር”፡ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዩክሬናውያን ቀንዲ ዒላማ ዝዀኑ ይመስሉ ትብል ተንታኒት ቢቢሲ ሞኒተርን ቤቨርሊ ኦቺየንግ።

"ኣሃዱታት ዩክረይን [ኣብ ሱዳን] እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ብዝምልከት ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት፡ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዝዋጋእ ሰራዊት ሱዳን ደገፍ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ንሩስያ ዒላማ ከምዝገብሩ ኣብ ዝምልከት ሓበሬታ ዘጽዓቑ ይመስሉ" ትብል።

ጕጅለ “ቫግነር” ሰበስልጣን ዩክረይን ብተደጋጋሚ ብገበን ኲናት ከምዝኸስዎ ይፍለጥ።

ቲሙር

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian Defence Ministry

ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን ኪሪሎ ቡዳኖቭ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ሱዳን ዓስኪሮም ዘለዉ ዕሱባት ሩስያ ኣብቲ ኣብ ዩክረን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተሳቲፎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ የተንብህ።

“ኵሎም ኣንጻር ዩክረይን ዝዋግኡ ዝነበሩ፣ ዘለዉ ወይ ዝቃለሱ ገበነኛታት ኲናት ሩስያ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዓለም ክቕጽዑ እዮም” ኢሉ።

ዩክረይን’ውን ዕሱባት ሩስያ ኣብ ሱዳን ዝረኽብዎ ምወላ ክቋረጽ ንምግባር ትፍትን ከምዘላ፡ ‘ሪማርክስ ኦን ፖለቲካል ቫይለንስ’ ንዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ትንተና ዝሰርሕ ሙራድ ባታል ሺሻኒ ይዛረብ።

“ሕመቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንሩስያ ብቐንዱ ድማ ንጕጅለ ቫግነር ዝዓበየ መሓዛ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ነቲ ቀንዲ ምንጪ ምወላ ቫግነር ዝዀነ ወርቂ ድማ ይቈጻጸሮ” ክብል የረድእ።

ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ኣብ 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ዕደናን ንግድን ወርቂ ሱዳን ተሳትፎ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኰይኑ፡ ሩስያውያን ወርቂ ዝጸዓና 16 በረራታት ካብ ሱዳን ናብ ሶርያ ከምዘካየዱ ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን ንዘሎ ንግዲ ወርቂ ሩስያ ምውቃዕ ሓደ መደብ ምዃኑ ካብ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን ካብ ዝረኸቦ ምንጪ ከምዘረጋገጸ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ይሕብር።

ስዕረት ሕመቲ ምሕያል ዝምድና ዩክረይንን ሱዳንን፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፖርት ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ዝሓንጸጸቶ መደብ እውን ከዐንቅፍ ዝኽእል እዩ።

‘ጸላኢ ጸላኢየይ [ንዓይ] ዓርከይ’

ተዋጋእቲ ሓይሊታት ህጹጽ ደገፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገለ ተንተንቲ ነቲ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት “ልሙድ ናይ ውክልና ኲናት” ክብሉ ይገልጽዎ። ሳልሳይ ወገን ሃገራት ዝሳተፋሉ፣ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ንረብሓታተን ክመልኣ ዝብህጋ ምዃነን እውን የረድኡ።

“ሕመቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሩስያን ዝድገፍ ኰይኑ፡ ኣልቡርሃን ድማ ብፋይናንሳዊ ደገፍ ስዑዲ ዓረብ ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ብቐጻሊ ይዕወት ኣሎ” ይብል ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ጕጅለ መጽናዕቲ ጀምስታውን ፋውንዴሽን ነበር ግለን ሃዋርድ።

ዩክረይን ኣብ ዝዀነ ቦታ ንዘሎ መርገጽታት ሩስያ ኣብ ሓደጋ ከተእቱ እትኽእል ሃገር ከምዝዀነት ዘርኢ ምስሊ ክትሃንጽ እውን ትፍትን ከምዘላ ኒኮላስ ኤ ሄራስ ካብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ትካል ኒው ላይንስ የረድእ።

"ኣብ መንጐ ዘለንስኪን ኣልቡርሃንን ዘሎ ምውዳድ 'ጸላኢ ጸላኢየይ ንዓይ ከም ዓርከይ' ዝብል ዓይነት ውዕል'ዩ" ክብል ይገልጾ።

“እዚ ከኣ ዘለንስኪ ንፑቲን ኣብ ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝዀነ እዋንን ቦታን ክገጥሞ ከምዝኽእል ዩክረይን ንማሕበረሰብ ዓለም ክተርኢ ከም መሳርሒ እትጥቀመሉ እዩ” ክብል የቐምጦ።

ይዅን እምበር ብሰንኪ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን፡ ዓቕሚ ኪቭ ኣብ ሱዳን ድሩት ስለዝዀነ፡ ዘለንስኪ ንኣፍሪቃዊ መሓዛኡ ንኣሽቱ ኣሃዱታት ፍሉይ ሓይሊ ብምቕራብ ጥራይ እዩ ክሕግዞ ዝኽእል።

ብኣንጻሩ ህላወ ሩስያ ኣብ ሱዳን ኣዝዩ ርኡይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

“ሩስያ ብጕጅለ ቫግነር ኣቢላ ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ናይ ምውፋር ዓቕሚ ኣለዋ። ብመዳፍዕ ዝድገፋ በጦሎኒታት ተዋጋእቲ፡ ካብ ምድሪ ናብ ምድሪ ዝኸይድ ስርዓታት ሚሳይል ከምኡ’ውን ንሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ትህብ” ይብል ሄራስ።