ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን 50 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞቱዋ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

መቃብርን ወተሃገራትን ሩስያ ዘርኢ ስእሊ

ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ልዕሊ 50 ሽሕ ከምዝበጽሐ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣቍጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ሞት ወተሃደራት ሩስያ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ኣብዘን ዳሕረዋት 12 ኣዋርሕ ብ25 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ራሻ፡ ነጻ ዝዀነ ሚድያ ሚድያዞናን ወለንተኛታትን ካብቲ ኲናት ኣብ ለካቲት 2022 ዝጀመረሉ ኣትሒዞም ቍጽሪ ሞት ወተሃደራት ሩስያ ክቈጽሩ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ዘተቐበሩ ሓደስቲ ሬሳ ወተሃደራት ኣስማቶም ንኽፍለጥ’ውን ሓጋዚ’ዩ ነይሩ።

እቲ ቍጽሪ ሞት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምምዝጋብ ዝጸንሐ ጕጅለ፡ ሓበሬታታት ካብ ሰብ መዚ፡ ጋዜጣታትን ማሕበራዊ ሚድያን’ውን ክእክብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብቲ ዳሕረዋይ 12 ኣዋርሕ ሩስያ ዝያዳ ናብ ውሽጢ ዩክረይን ኣትያ ከተጥቅዕ ኣብ ዝፈተነትሉ ቍጽሪ ሞት ወተሃደራት ሩስያ ናብ 27 ሽሕን 300 ክብ ክብል ከምዝኸኣለ እቲ ዝተኻየደ ጸብጻብ የርኢ።

ሩስያ ነዚ ኣመልኪታ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ያ።

መቃብር ሓርበኛታት ሩስያ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓደ መቃብር ሓርበኛታት ሩስያ ካብ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሚያዝያ 2023 ዝነበረ ወሰኽ ሓደሽቲ መቓብራት

መንግስቲ ሩስያ ኣብ መስከረም 2022 ኣብቲ ኲናት ዝሞቱዎ ወተሃደራት’ኳ ብወግዒ ገሊጹ እንተነበረ፡ እዚ ቢቢሲ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ቍጽሪ ግን ካብቲ ሽዑ ዝተነገረ ብሸሞንተ ዕጽፊ ዝዛይድ’ዩ።

እዚ ሓምሳ ሽሕ ዝብል ቢቢሲ ዘረጋገጾ’ኳ እንተዀነ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ኣዝዩ ክልዕል ከምዝኽል ግምታት ኣሎ።

ቢቢሲ ዝገበሮ ምጽራይ ኣብቲ ሩስያ ተቘጻጺራቶ ዘላ ምብራቕ ዩክረይን ዘጋጠመ ሞት ሩስያውያን ሚሊሻታት ኣየጠቓልልን’ዩ።

ዩክረይን’ውን እንተዀነ ኣብቲ ኲናት ዘጋጥማ ዘሎ ክሳራ ሰብ ኣይትገልጽን’ያ ዘላ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ሞት 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝተመዝገበ ገሊጹ ነይሩ’ዩ፤ እንተዀነ ካብ ስለያ ኣመሪካ ብዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት እቲ ሞት ካብቲ ዝተበሃለ ዝልዕል ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

ቢቢሲን ሚድያዞናን ኣብ ዝኣከብዎ ጸብጻብ፡ ሩስያ ንኸተማ ቩህለዳር ንምሓዝ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ማዕበል ሰብ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ከረጋግጹ ክኢሎም።

ምስ ቢቢሲን ምስ መድያዞናን ብወለንታኦም ሓደስቲ መቓብራት ኣብ ምቝጻር ክሰርሑ ዝጸንሑ ውልቀሰባትን’ውን እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣብ 70 መቓብር ሓርበኛታት ሩስያ እናዞሩ ሓደስቲ መቓብራት ክቘጽሩ ከምዝጸንሑ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደስቲ መቓብር ዝተነበረ ጽሑፍ ዳርጋ ኵሎም ኣብ ኲናት ኣንጻር ዩክረይን ዝተቐተሉ ከምዝዀኑ’ዩ ዘርኢ።