ዩክረይን ሽዱሽተ ነፈርቲ ሩስያ ከምዘዕነወት ገሊጻ

ኣብ 2021 ዝተወሰደ ናይ ሳተላይት ምስሊ መደበር ኣየር ሞሮዞቭስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/ Maxar Technologies

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2021 ዝተወሰደ ናይ ሳተላይት ምስሊ መደበር ኣየር ሞሮዞቭስክ

ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዞባ ሮስቶቭ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣየር ሽዱሽተ ነፈርቲ ሩስያ ከምዘዕነዋ ገሊጻ።

ምንጭታት ጸጥታ ንቢቢሲ ዩክሬይን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ተወሰኽቲ ሸሞንተ ነፈርቲ ብኸቢድ ከምዝተሃስያ፡ 20 ኣባላት ኣገልግሎት ድማ ሞይቶም ወይ ተጎዲኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

እቲ መደበር ናብ ቅድመ ግንባር ዝዋፈራ ሱ-27ን ሱ-34ን ነፈርቲ ዝርከቦ ምዃኑ’ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ብዛዕባ’ዚ መጥቃዕቲ ብወገን ሩስያ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ቢቢሲ እውን ነዚ ጸብጻባት ብነጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ይኹን እምበር፡ ልዕሊ 40 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ ምስ ዩክረይን ዝዳወብ ዞባ ዒላማ ከምዝገበራ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም።

ናይ ቢቢሲ ሩስያ ወተሃደራዊ ተንታኒ ዝዀነ ፓቨል ኣክስዮኖቭ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብብዙሓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመከላኸሊ ኣየር ሩስያ ክዕብልል ተኽእሎ ነይሩ ይብል።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ዞባታት ሳራቶቭ፡ ኩርስክ፡ ቤልጎሮድን ክራስኖዳርን እውን ዒላማ ከምዝተገብራ ገሊጹ። ኵለን እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተሃርማ’ውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ሮስቶቭ ቫሲሊ ጎሉቤቭ ኣብ ቴሌግራም ቻነሉ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኣብ ኣውራጃ ሞሮዞቭስክ ሮስቶቭ፡ ንኡስ መደበር ኤሌክትሪክ ከምዝተሃርመን ኣስታት 600 ሰባት ንገለ ሰዓታት ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተረፉን ገሊጹ።

ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ድማ፡ ኣብቲ "ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ" ብዝወደቓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እትፍጽሞም ንወተሃደራውን ጸዓትን ትካላት ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲ ኣሐይላ እያ።

ሰራዊታ ከቢድ ሕጽረት ተተኮስቲ ከምዘጋጥሞ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቓ እኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ዓመት ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓደ ሚልዮን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ መደብ ኣቐሚጣ ኣላ።

ብሰሉስ ኣብታ ካብ ዶብ ዩክረይን ሩስያን ልዕሊ 1300 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ታታርስታን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓላፍነት ከምዝወሰደት ይዝከር።

እዚ ንሓደ ፋብሪካ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጻረዪ ነዳዲን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ዝዓሞቐ መሬት ሩስያ ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ 12 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ ነይሩ።