‘ኲናት ኣንጸላልይዋ ዘሎ ኣውሮጳ’ ድልውቲ ከምዘይኰነት ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ኣጠንቂቑ

መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ክዘናግዑ ከምዘይብሎም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, anadolu

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ቱስክ፡ ኣውሮጳ ኣብ “ድርኵኺት ኲናት" ከምዘላ ብምግላጽ፡ ምእንተ ውሕስና መላእ ኣውሮጳ፡ ዩክረይን ብሩስያ ክትስዓር ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ።

ንሱ፡ ኲናት "ድሕሪ ሕጂ ሕሉፍ ስነ ሓሳብ ኣይኰነን" ዝበለ ኰይኑ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመታት ሓሊፉዎ’ሎ" ኢሉ።

መራሒ ፖላንድ ነዚ ዝገለጸ ሩስያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ጸዓት ዩክረይን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ እዩ።

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብዚ ሰሙን ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኔቶ "መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዕላማ" ከምዘይብላ ገሊጹ።

እታ ካብ ዝዓበያ ናይ ዓለምና ኣጽዋር ኒዩክለር ዝዓጠቓ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሃገሩ፡ ንፖላንድ፣ ሃገራት ባልቲክን ቸክ ሪፓብሊክን ክተጥቅዕ'ያ ዝብል ሓሳብ "ፍጹም ዕሽነት" እዩ ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ዩክረይን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካልኦት ሃገራት ዝመጻ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ተተኣናግድ እንተኾይና ግና፡ "ኣብ ዝሃለዋሉ ቦታ፡ ሕጋዊ ዒላማታት" ከምዝኾና ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ዩክረይን ምሉእ ኲናት ድሕሪ ምጅማራ፡ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ካብቲ ኣብ ግዘ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ዘይነኣኣስ ኰይኑ’ሎ።

ንዩክረይን ህጹጽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክወሃባ ጻውዒት ዘቕረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ቱስክ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ኵናት ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት ክውሰን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ መራሒ ኣስዒቡ "ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ህሞት ኢና ንነብር ዘለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ጸጥታ ኣውሮጳ ጽኑዕ ምትእትታው ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ሩስያ ንመጀመርታ ግዘ ቀትሪ መዓልቲ ንኪየቭ ብሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ከምዘጥቅዐት ኣመልኪቱ።

ሚስተር ፑቲን፡ ‘ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ኣዳራሽ ከተማ ክሮከስ ጅሃዳዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገይሩ’ ብዘይ መርትዖ ዝነቕፍ ዘሎ "ኣብ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ዒላማታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ መመኽነይታ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ቱስክ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሚስተር ቱስክ ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ምስ ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ቃለ መሕትት ተጠቒሙ፡ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝርከቡ መራሕቲ ምክልኻሎም ከሐይሉ ተማሕጺኑ።

ፖላንድ ሕጂ ኣርባዕተ ሚኢታዊት ካብ ቁጠባዊ ውጽኢታ ኣብ ምክልኻል ክተውዕሎ እንከላ፡ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ድማ ነቲ ኔቶ ዝወጠኖ 2 ምኢታዊት ዝብል ሸቶ ክሳብ ሕጂ ኣይበጽሓኦን።

ፕረዝደንት ባይቶ ኣውሮጳ ነበር ሚስተር ቱስክ፡ ኣውሮጳ ኣቐዲማ ንኲናት ክትዳሎ ከምዘለዋ ኣጠንቂቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔን ፔድሮ ሳንቸዝ ንብጾቱ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ "ኲናት" ዝብል ቃል ምጥቃም ደው ከብሉ ከምዝሓተቶም ኣቃሊዑ።

ሚስተር ቱስክ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ክፋል ኣውሮጳ፡ ኲናት ድሕሪ ሕጂ ሓሳባዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ “ኩሉ ዓይነት ተኽእሎታት ክኽሰት ይከኣል'ዩ" ኢሉ።