መጥቃዕቲ ሞስኮ፡ ድሕሪ እቲ 133 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኩሎም ጥርጡራት ከምዝተትሓዙ ፑቲን ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ሞስኮ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ሙዚቃ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ሰባት ኵሎም ከምዝተትሓዙ ገሊጹ።
ብረት ዝሓዙ ሰባት ናብቲ ኣዳራሽ ብምእታው ብውሕዱ 133 ሰባት ብኣልማማ ክቐትሉ እንከለው ነቲ ስፍራ ኣቃጺሎምዎ። ካልኦት 140 ሰባት ከኣ ቈሲሎም።
ብሓፈሻ 11 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎምን ኣርባዕተ ብረት ዝሓዙ ሰባት ከኣ ናብ ዩክረይን ኣብ ዘምርሑሉ እዋን ከምዝተትሓዙ ሰብመዚ ገሊጾም።
ኣይኤስ (ዳዕሽ) ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣሎ።
ምስ ኣይኤስ ዝምድና ዘለዎ ትካል ዜና ኣማቅ ብቴለግራም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ስእሊ ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ምዃኖም ዝገለጾም ኣርባዕተ ገጾም ዝተሸፈነ ኣውጺኡ። ሩስያ ኣብቲ መግለጺ ኣይኤስ ምላሽ ኣይሃበትን።
ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ "ባርባራዊ ሽበራዊ ተግባር" ብምባል ኰኒኑ። ኣስዒቡ'ውን እቶም ኣጥቃዕቲ ናብ ዩክረይን ከምልጡ ከምዝፈተኑ ተዛሪቡ።
ዩክረይን ግና ምስቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብላ እያ ገሊጻ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዳራሽ ክሮከስ ሲቲ ሞስኮ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ዜናታት ዓርቢ ምሸት ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 8፡00 እዩ ክወጽእ ጀሚሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ሰዓት፡ ከባቢ 6200 ሰባት ኣብቲ ኮንሰርት ንምስታፍ ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም ምንባሮም ይግለጽ።
ሓደ ኣብ ኦንላይን ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ሰባት ኣብቲ እኩብ ህዝቢ ተዅሲ ክኸፍቱን ብዙሓት ሰባት ከኣ ብራዕዲ ክውጭጩን ከጐዩን የርኢ።
ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ናብቲ ስፍራ ክዋፈሩ እንከለው፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ብዙሓት ኣምቡላንሳትን ተራእየን። ሄሊኮፕተራት ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ተዋፊረን።
እቶም ኣጥቃዕቲ ነቲ ኣዳራሽ ብሓዊ ንምቅጻል ተባራዒ ፈሳሲ ከምዝተተጠቀሙን እቲ ሞት ብጥይትን ብሰንኪ እቲ ተቓጻሊ ዝሰዓበ ምረዛ ከምዝተፈጥረ ኮሚተ መርመራ ሩስያ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሩስያ፡ ሰንበት ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ክትኸውን ክእውጅን እንከሎ፤ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ተሰሪዑ ዝነበረ መደባት ተሰሪዙ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ሩስያ እውን ዝኽሪ ክግበረሎም ውዒሉ።
ሲሞን ክራቭቶቭ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሙዚቃዊ ምርኢት ትሳተፍ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ሃለዋታ ተሳኢኑ ከምዘሎን ንሓሙሽተ ሆስፒታላት ክድውል እኳ እንተፈተነ እቲ መስመራት ቴለፎን ኵሉ ትሑዝ ምንባሩ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







