ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞስኮ ኣዳራሽ ምርኢት ሙዚቃ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዓርቢ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ምርኢት (ኮንሰርት) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሩስያ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንሓምሻይ እብረ ስልጣኑ ሓደ ኢሉ ኣብ ዝጀመረሉ ቅንያት፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኮንሰርት መጥቃዕቲ ብምኽፋት ልዕሊ 130 ሰባት ቀቲሎም።
ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ኣርባዕተ ኣባላቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ?
ኣብ ወሰን ከተማ ሞስኮ ዝርከብ ኣዳራሽ 'ክሮከስ ሲቲ' ብጕጅለ ሙዚቃ ሮክ ፒክኒክ ኮንሰርት ከአንግድ ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ዓርቢ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8 ዕጡቓት ናብቲ ኣዳራሽ ፈንጺጐም ኣትዮም።
ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ናብቲ ኣዳራሽ ቅድሚ ምእታዎም ብዘይ መደብ ክትኵሱ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ንሳን ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ኮንሰርትን ተዅሲ ከምዝተጀመረ ምስተረድኡ ናብቲ መድረኽ ገጾም ከምዝተጓየዩ ገሊጻ።
"ኣብቲ ድኳናት ሓደ ሰብ ብረት ሒዙ ክትኵስ ምስረኣኹ፡ ብድሕሪ መጕልሒ ድምጺ ክሕባእ ይፍትን ነይረ" ክትብል ንቲቪ ሩስያ ተዛሪባ።
"እቶም ኣሸበርቲ ዝቀጻጸል ፈሳሲ ተጠቒሞም ነቲ ተዓዘብቲ ዝርከብሉ ቀጽሪ ኣዳራሽ ኮንሰርት ሓዊ ኣቃጺሎም" ይብል መርማሪ ኮሚተ ሩስያ።
ሄሊኮፕተራት ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ኣስታት 160 ቶን ማይ እኳ እንተፍሰሳ፡ እቲ ባርዕ ንኽዕገት ኣስታት 10 ሰዓታት ወሲዱ።
ብመሰረት ገለ ጸብጻባት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ኰይኑ ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎምን ቈሲሎምን’ዮም።
ብዙሓት ብጥይት ቆሲሎም ክሞቱ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ትኪ ምስትንፋስ ስኢኖም እዮም ሞይቶም። ኣባላት ባንድ ፒክኒክ ኣይተጐድኡን።
ግዳያት ኣዳራሽ ከተማ ክሮከስ መን እዮም?
ልዕሊ 6 ሽሕ ሩስያውያን ነቲ መደብ ንምክትታል ናብቲ ሙዚቃ ዝረኣየሉ ኣዳራሽ ውሒዞም ነይሮም። ቍጽሪ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብቐጻሊ እናወሰኸ መጺኡ።
ክሳብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብውሕዱ 137 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ። ብመሰረት እቲ ቀዳማይ ወግዓዊ ዝርዝር ናይቶም ዝሞቱ ሰባት፡ እታ ዝዓበየት ግዳይ ኣብ 70ታት ዕድመ እትርከብ ሰበይቲ ክትከውን እንከላ፡ ሰለስተ ቈልዑ ይርከብዎም።
ብዘይካ እቶም ዝተቐትሉ ብውሕዱ 60 ሰባት ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዘለዉን ሰብመዚ ድማ ካልኦት ክሞቱ ከምዝኽእሉን ኣጠንቂቘም።
ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ካብ ክራስኖጎርስክ፡ ኪምኪን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወሰን ሞስኮ ዝርከባ ከተማታትን ዝመጹ እዮም።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ እንታዎት’ዮም?
እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ካብቲ ባርዕ ዝሞለቝ ስለዝመስል ኣለሻ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣባል ባይቶ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኪንሽታይን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ብጻዕዳ ሬኖ ዝዓይነታ መኪና ከምዝሃደሙ ገሊጹ።
እቲ ኣባል ባይቶ፡ ፖሊስ ነታ መኪና ኣብ ዞባ ብራያንስክ፡ ካብ ሞስኮ ኣስታት 340 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ደው ከብሉዋ ፈቲኖም። እቶም ካልኦት ክሃድሙ ከለዉ ክልተ ሰባት ከምዝተትሓዙ ሓቢሩ።
ድሕሪ ኣስታት 14 ሰዓታት ካብቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ተዅሲ፡ ፈደራላዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ 11 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ፤ ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ "ብቐጥታ ዝተሳተፉ" እዮም ኢሉ።
ትማሊ ሰንበት፡ ኣርባዕተ ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ሞስኮ ቀሪቦም።
ሽም ናይቶም ጥርጡራት ዳለርድሾን ሚርዞየቭ፡ ሳይዳክራሚ ሙሮዳሊ ራቻባሊዞዳ፡ ሻምሲዲን ፋሪዱኒን መሓመድሶቢር ፋይዞቭን ከምዝበሃሉ’ውን ተገሊጹ።
ኵሎም ብተግባር ግብረሽበራ ዝተኸሰሱ ኰይኖም ምናልባት ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ።
ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን እዩ ነይሩ?
ኣይኤስ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘሎ ገሊጹ። ብቀዳም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድማ፡ ኣርባዕተ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ምዃኖም ናይ ዝገለጾም ሰባት ስእሊ ዘርጊሑ፤ ኵላቶም ገጾም ዝተሸፈኑ እዮም።
ብተወሳኺ እቲ ጕጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣውጺኡ። እቲ ብቢቢሲ ሓቀኛ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ቪድዮ፡ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰባት ተዅሲ ክኸፍት ዘርኢ እዩ። ቢቢሲ ነዚ ቪድዮ ኣይክዝርግሖን እዩ።
ሰበስልጣን ሩስያ ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ኣይኤስ ርእይቶ ኣይሃቡን። እዚ ድማ ኣመሪካ ኣብ ሞስኮ ንዝካየድ "ዓበይቲ ምትእኽኻባት" ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ክካየድ ከምዝኽእል ድሕሪ ምጥንቃቓ ድሕሪ ክልተ ሰሙን'ዩ ተፈጺሙ።
ሰበስልጣን ሩስያ፡ ስለያ ኣመሪካ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጾም ነይሮም።
ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ምዕራባውያን ብዛዕባ ተኽእሎ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሩስያ ዝሃብዎ ምልዕዓል ዝፈጥር መግለጺታት... ፍጹም ምጽላምን ሕብረተሰብና ንምፍርራሕን ዝዓለመ ይመስል" ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሐቶ መጠንቀቕታ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ፓኪስታን፡ ቱርክመኒስታን፡ ታጃኪስታን፡ ኡዝበኪስታንን ኢራንን እስላማዊ ከሊፋ ናይ ምምስራት ዕላማ ንዘለዎ ኣይኤስ-ኬ ጠቒሳ ነይራ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ተንታኒ ጸረ ግብረሽበራ ኮሊን ክላርክ፡ ኣይኤስ-ኬ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሩስያ "ኣተኲሩ" ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ጕጅለ "ክረምሊን ኣብ ኢዳ ደም ኣስላም ከምዘለዋ ይኸስስ፡ ሞስኮ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቸቸንያን ሶርያን ዝገበረቶ ምትእትታው ብምጥቃስ" እዩ ሓሳቡ ኣራጕዱ።
ሰበስልጣን ሩስያ ብዛዕባ’ቲ ናይ ኣይኤስ ክሲ ርእይቶ እኳ እንተዘይሃቡ፡ ሚስተር ፑቲን ግን እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ዩክረይን ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝተታሕዙ ገሊጹ።
ዩክረይን ግና ንክሲ ሩስያ ብቕልጡፍ እያ ነጺጋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







