መጥቃዕቲ ሞስኮ፡ ሩስያ መጥቃዕቲ ጥሩፋት ዝምልከት መጠንቀቕታ ኣሜሪካ ሸለል ኢላ ዶ ትኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝኾነ እዋን መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ንምንታይ ክውገድ ዘይተኽኣለ ወይ ኣቐዲሙ ዘይተፈለጠ ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እኳ እንተኾነ፤ መጥቃዕቲ ሞስኮ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጸቕጢ ዘልዕል እዩ። እዚ ከኣ ኣሜሪካ ኣቐዲማ መጠንቐቕታ ኣውጺኣ ብምንባራ እዩ።
ዋሽንግተን ብ7 መጋቢት ንዜጋታታ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ዝርዝራዊ እዩ ኔሩ።
"ጥሩፋት፡ ኣብ ሞስኮ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝእከቡሉ ቦታታት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወጢኖም ኣለው፡" ዝበለ እቲ መጠንቀቕታ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ዝካየደሎም ቦታታት ብምባል ኣነጺሩ ኔሩ።
ኣሜሪካውያን ኣብ ዝቕጽል 48 ሰዓታት ብዙሕ ሰብ ዝእከበሉ ቦታ ከይጽንበሩ ዝመክር ትሕዝቶ ከኣ ነበሮ።
እቲ ግዜ ልክዕ እኳ እንተዘይነበረ እቲ ካልእ ዝርዝራት ምስቲ ብዓርቢ 22 መጋቢት ዘጋጠመ ዝሳነ እዩ።
ኣሜሪካ ገለ ሓበሬታ ረኺባ ምንባራን ምስ ኣይኤስ (ዳዕሽ) ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑን ከኣ ኣነጺሩ እዩ።
ኣሜሪካ ብዘይካ'ቲ ንዜጋታታ ዝሃበቶ ህዝባዊ መጠንቀቕታ፡ ምስ መንግስቲ ሩስያ'ውን ብቐጥታ ተዘራሪባ ኔራ።
ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ብመሰረት እቲ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ፡ ነቲ ሓበሬታ ንሰብ መዚ ሩስያ እውን ኣካፊሉ እዩ፡" ኢሉ።
ብፍላይ ንሲቪላውያን ግዳይ ክገብር ዝኽእል መጥቃዕቲ ብዝምልከት ወላ እተን ዝምድና ዘይብለን ሃገራት'ውን ስልያዊ ሓበሬታ ዝለዋወጣሉ መስመር ኣሎ።
እቲ ጸገም ግና ሞስኮ ነቲ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ'ያ ኢላቶ።
ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንቦርድ ኣገልግሎት ጸጥታ ፌደሬሽን ሩስያ ኣኼባ ኣካዪዱ። ንሱ ነቶም ኣዘዝቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝለዓለ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነቲ ወተሃደራዊ ስርሒት (ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፍጽሞ ዘሎ ወራር) ምሕጋዝ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ዩክረይን ናብ "ሽበራዊ ስልትታት" ቀዪራ ኣላ ክብል ከኣ ከሲሱ። ኣብ ሩስያ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ብሃገራት ምዕራብ ንዝቐረበ መጠንቀቕታ'ውን "ተዅታዅ ርእይቶታት" ክብል ገሊጽዎ።
"ንሕብረተሰብና ንምፍርራሕን ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን ዝዓለመ ይመስል፡" ብምባል ነጺግም።
እዚ ዘመልክቶ፡ በቲ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ሩስያን ዘሎ ዘይምትእምማን፡ ሞስኮ ነቲ መጠንቀቕታ ዋጋ ክትህቦ ከምዘይደለየትን ምስ ኵነታት ዩክረይን ብምትእስሳር፡ ንሩስያ ንምርዓድ ዝግበር ፈተነ ጌራ ከምዝረኣየቶን እዩ።
ኣሜሪካ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ እንታይ ኔሩን ብዛዕባ ንጹርነቱን ዛጊት ዝፈለጥናዮ ነገር የለን። ግና ብዙሕ ግዜ ስልያዊ ሓበሬታታት ዘይንጹርን እንታይ ከምእትገብር'ውን ዘአንፍቱ ኣይኮኑን።
እንተኾነ ኣሜሪካ ሰፊሕ ስልያዊ መርበብ ክህልዋ እንከሎ፡ ንኣይኤስ (ዳዕሽ) ብቐረባ እያ እትከታተሎ።
እቲ ምስ መጥቃዕቲ ሞስኮ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝግለጽ ዘሎ ጨንፈር ኣይኤስ እቲ ኣብ 2021 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ እዩ።
እቲ ንሩስያ ዝተዋሃበ ስልያዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣይኤስ እሙንን ዝርዝራውን እንተኾይኑ፡ ቦርድ ኣገልግሎት ጸጥታ ፌደሬሽን ሩስያን ፕረዚደንት ፑቲንን ነቲ መጠንቀቕታ ብዕቱብ ዘይምርኣዮም ከሕትቶም ይኽእል እዩ።
ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ሞስኮ ካብ ሓላፍነት ንምህዳምን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ ወራር ደገፍ ንምርካብን ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ዩክረይን ምትእስሳሩ ክቐልላ ይኽአል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







