ብሪጣንያ ዋንጫ ኣውሮጳ ዝርእዩ ዜጋታታ ናይ ጀርመን ቢራ ኣብ ምስታይ ክጥንቀቑ ተማሕጺና

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ኣብ ጀርመን ንዋንጫ ኣውሮጳ ዝካየድ ፀወታታት ንምርኣይ ናብ ጀርመን ዝኸዱ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ቢራ ኣብ ምስታይ ክጥንቀቑ ተማሕጺና።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ኣብ ዝቕፅል ሰነን ሓምለን ዝካየድ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ዘውፀአ፡ ናይ ጀርመን ቢራ ካብ ናይ ብሪጣንያ ዝሓየለ ብምዃኑ’ዩ።
ኣብ ዩሮ2024 ዝሳተፋ ጋንታታት ስኮትላንድን ኢንግሊዝን ንምድጋፍ ብዙሓት ዜጋታት ብሪጣንያ ናብ ጀርመን ስለ ዝጓዓዙ እዩ እዚ መምርሒ ወጺኡ ዘሎ።
ብሪጣንያውያን ከም ቢራ ሃገሮም መሲልዎም ልዑል መጠን ኣልኮል ዘለዎ ቢራ ጀርመን ብብዝሒ እንተድኣ ሰትዮም፡ ናብ ስታድየም ከይኣትዉ ከም ዝኽልክሉ ኣጠንቂቖም።
ቤት ፅሕፈት ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር፡ “ናይ ጀርመን ቢራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዘሎ ቢራ ብኣልኮላዊ ትሕዝትኡ ዝሓየለ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ክትሰትዩ ከለኹም ብሓላፍነት፣ ልክዕኹም ፈሊጥኩምን ሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢርኩምን ክኸውን ኣለዎ” ብምባል፡ ብብዝሒ ዝሰተዩ ናብ ስታድዮም ክኣትዉ ከም ዘይኽእሉ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዓሰርተ ከተማታት ጀርመን ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ኣውሮጳ ንምክትታል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ብሪጣናውያን ክኸዱ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ማእኸላይ ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ቢራ 4.4 ሚእታዊት፡ ኣብ ጀርመን ድማ ማእኸላይ ትሕዝቶ ኣልኮል ቢራ 4.7 ከምኡ'ውን 5.4 ን ሚእታዊት ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ጀርመን ብፍርያት ቢራ፡ ዜጋታታ ድማ ቢራ ብምፍታው ይፍለጡ። በብዓመቱ ድማ ኣብታ ሃገር ልዑል መጠን ቢራ ይፅሞቕ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፌስቲቫል ቢራ ብምድላው እውን ትፍለጥ'ያ።
መንግስቲ እታ ሃገር ዘውፅኦ መጠንቀቕታ ስዒቡ፡ ካብ መንጎ መስረትቲ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ስኮትላንድ ዝኾነ ኣንዱ ፖል ጉድዊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዙሓት ዘሻቕሉ ነገራት ኣብ ዘለዉሉ፡ መጠንቀቕታ መንግስቲ ኣብ ቢራ ምድሃቡ ከም ዳእላ (ቀልዲ)’ዩ ርእይዎ።
“ደገፍቲ ስኮትላንድ ክጥንቀቕሎም ዝግባእ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፤ እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ቢራ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ፡ ካብ መንጎ እዚኦም ክኾኑ ይግባእ ኢለ ኣይኣምንን” ክብል ነቒፉ።
ስኮትላንድ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ ምስ ኣዳላዊት ሃገር ጀርመን ኣብ ከተማ ሙኒኽ ኣብ ዝካየድ መኽፈቲ ፀዋታ ክትገጥም እያ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ፡ እንግሊዝ ምስ ሰርቢያ ኣብ ግልሴንኪርሸን ክትፃወት እያ።
ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾና ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ኣብ ውድድር ዩሮ2024 ንምስታፍ መፃረዪ ፀዋታ ከይሓለፋ ተሪፈን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኩዕሶ እግሪ ከይርእዩ ማዕቐብ ዝተነበሮም 1600 ደገፍቲ እንግሊዝን ዌልስን፡ ኣብ ዩሮ2024 ከይርከቡ ፓስፖርቶም ክመልሱ ተኣዚዞም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







