“ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩሉ ክንገርን ክፍለጥን ኣለዎ” ኰኾብ ሆሊዉድ ፍርቱና ገብረስላሴ

ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, FORTUNA GEBRESELLASIE

ንጥበብ ህይወት እትልውጠሉ ዕድል ወይ መገዲ ንሆሊውድ ድማ ቤት-ትምህርቲ ብምባል እያ ትገልፆ፡ ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ።

“ከመይ ገይርና ኢና ዝሐሽና ንኸውን? ከመይ ገይርና ኢና ንነብስና ነኽብር?” ኢላ እያ ትሓስብ። እቲ ብዙሕ ሰብ ዝከታተሎ ኢንዳስትሪ መዘናግዒ ድማ ነዚ ሓሳባ ናብ ተግባር ትልውጠሉ ባይታ እዩ።

“ጥበብ ንካልኦት መተባብዒ፣ ተስፋ ወይ ናይ ስራሕ ዕድል እንተድኣ ኮይኑስ፡ ብኸመይ ክሕግዝ ኢለ እሓስብ። ኣብ ኢንተርተይመንት ድማ ብዙሓት ዕድላት ኣለዉ። ስለዚ ጥበብ ንዓይ ህይወት እትልውጠሉ ዓብይ ዕድል ወይ መገዲ’ዩ።

ንፉዓትን ብሉፃትን ኣለይቲ፣ ከየንቲ፣ ፀሓፍትን ድምፃውያንን ኩሎም ኣብ ሆሊውድ ኣለዉ። ኣነ ድማ ክእለተይ ከማዕብል ስለዝደልይ፡ ሆሊዉድ ንዓይ ሃፍትን ቤት-ትምህርትን እዩ” ትብል።

ፍርቱና ናብ ኢንዳስትሪ ሆሊውድ ኣብ ዝኣተወትሉ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ልዕሊ 10 ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።

ማንፌስት፣ ብሉ ብለድስ፣ ሃርለም፣ ሞደርን ላቭ፣ ስዊት ቢተር፣ ዘ ዱስ፣ ሃይ ታውን፣ ካቲ ኬን፣ ዘ ራይት ፓዝ፣ ኣይ ኣም ሂር ቱ ኤንድ ዩ ፍርቱና ብተዋስኦ ካብ መንጐ ዝደመቐትሎም ብኔትፍሊክስ፣ ሲቢኤስ፣ ኣማዞን ፕራይምን ስታር ኔትዎርክን ዝመሓላለፉ ተኸታተልቲ ፊልምታትን ቲቪ ሾውን እዮም።

ካብ ትግራይ ናብ ሆሊዉድ ዓለም.....

ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, SIMON PHOTOGRAPHY

መግለጺ ስእሊ, ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ

ተዋሳኢት፣ ፀሓፊት፣ ድምፃዊት፣ ፕሮድዩሰር ኣላይትን ብምዃን ኣብ ኢንዳስትሪ ሆሊዉድ ዝደመቐት ፍርቱና ገብረስላሰ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ እያ ተወሊዳ።

ኣብ ገዝኦም ዝበፅሐ ዕድል ዲቪ ሎተሪ፡ ጓል ሽድሽተ ዓመት ህፃን ፍርቱና ኮነ ስድራቤት እንዳ ኣቦይ ገብረስላሰ ካብ መቐለ ናብ ከተማ ስያትል ኣሜሪካ ክትከይድ ደሪኹ። ፍርቱና ኣብ ናይ ሆሊዉድ ዓለም ክትኣቱ’ውን መቐይሮ ነጥቢ ኰነ።

“ብዝረኸቦ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዕድል ናብ ኣሜሪካ ዝኸደ ኣቦይ፡ ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዝነብር ነይሩ። ኣደይ፣ ኣነ፣ ዓባይ ሓፍተይን ድማ ብዲቪ ሎተሪ ናብ ኣሜሪካ መፂእና” ትብል።

ካብ መውዓሊ ህፃናት ክሳብ ናይ መሰናድኦ ትምህርታ ኣብ ሲያትል ኦፍ ዋሽንግተን ዝተምሃረት ፍርቱና፡ ገና ካብ ቁልዕነታ ጀሚሩ ኣብ ውሽጣ ዝሓደረ ጥበብ ክተግህድ ናብ ኒውዮርክ ኣምሪሓ። ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ- NYU Tisch School of the Arts።

“ካብ ስያትል ኦፍ ዋሽንግተን ናብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ብምኻድ ትምህርቲ ተዋስኦ ኣፅኒዐ። ኣብኡ ስራሕ ኣካያዲ ብምሓዝ ድማ፡ ስራሕ ጀሚረ” ትብል፡ ናብቲ ናብ ኢንዳስትሪ ሆሊዉድ ዝኣተወትሉ ኣጋጣሚ እንክትገልፅ።

ተዋስኦ ንሰለስተ ዓመት ብምፅናዕ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ብባችለር ኦፍ ኣክቲንግ (ተዋስኦ) ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ።

ካብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዘፅንዓቶ ሞያ ተዋስኦ ብተወሳኺ፡ ፍርቱና ደራሲት፣ ኣላይት፣ ፕሮዲዩሰር፣ ድምፃዊትን ሳዕሳዒትን እውን እያ።

ፍርቱና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ- NYU Tisch School of the Arts ትያትር 'ኤ ሚድ ሳመርስ ናይት ድሪም' እናሰርሐት

ምንጪ ስእሊ, FORTUNA GEBRESELLASIE

መግለጺ ስእሊ, ፍርቱና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ- NYU Tisch School of the Arts ትያትር 'ኤ ሚድ ሳመርስ ናይት ድሪም' እናሰርሐት

ነዞም ተወሰኽቲ ሞያታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ትመሃሮ ትምህርቲ ወፃኢ፡ ብውልቀኣ ብእትገብሮ ፃዕርን ተወሳኺ ትምህርቲ ብምምሃርን እያ ኣማዕቢላቶም። ባሌት ካብ ትፈትዎም ቅዲ ሳዕስዒታት (ዳንስ) ሓደ እዩ።

“እዚ ኢንዳስትሪ ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝኾነ፡ ብሓደ ሞያ ጥራሕ ምኻድ እኹል ኣይኰነን። ተወዳዳራይ ንምዃን ኩሉ ዓውዲ ክትፈልጦ ኣለካ። በይዛኻ ኢልካ ዝኸውን ኣይኮነን፡ በዓልኻ እቲ ዕድል ክትከፍቶ ኣለካ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እየ፡ ድርብ ሞያ ክሕዝ ክኢለ” ትብል።

ድርብ ሞያ ምውናና ድማ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መዋፅኦ ክህልዋን ኣብ ኩሉ ዓይነት ሞያ ኣትያ ክትሰርሕን ከም ዘኽእላ ትገልፅ።

ፍርቱና ናይ ሆሊዉድ ህይወታ ኣብቲ ብብዙሓት ተፈታውነት ዝረኸበ ብሲቢኤስ ዝመሓላለፍ ‘ዘ ዱስ’ ብምውሳእ እያ ኣሃዱ ኢላ ፈሊማቶ።

“ዘ ዱስ ፈለማ ክኣቱ እንከለኹ ንሓደ ኢፕሶድ እዩ ነይሩ። ደሓር በቲ ኣብ ሓደ ኢፕሶድ ዘርኣኽዎ ክእለት ስለዝፈተዉኒ፡ ንቀፃሊ ኢፕሶድ ክነእትወኪ ኢና ኢሎምኒ። ካብ ሓደ ኢፕሶድ ሕዚ ሲዝን 5 በፂሐ ኣለኹ” ትብል፡ ብዛዕባ ቦኽሪ ስርሓ እንትትገልፅ።

ካብ 2010 ጀሚሩ ብሲቢኤስ ን13 ሲዝን ናብ ተኸታተልቲ ዝቐረበ ‘ብሉ ብለድስ’ ‘ውን ፍርቱና ብኸቢድ ንሕንሕ ክትዋሳእ ዝበቐዐትሉን ኣፍቀርቲ ፊልም ንሲዝን 14 ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ዘለዉን ተኸታታሊ ድራማ እዩ።

ፍርቱና ገብረስላሴ ምስ ኮስታር ጆናታን ብሩክ ኣብ ቀረፃ እቲ ብኣማዞን ፕራይም ዝመሓላለፍ ዘሎ 'ሃርለም'

ምንጪ ስእሊ, FORTUNA GEBRESELLASIE

መግለጺ ስእሊ, ፍርቱና ገብረስላሴ ምስ ኮስታር ጆናታን ብሩክ ኣብ ቀረፃ እቲ ብኣማዞን ፕራይም ዝመሓላለፍ ዘሎ ሃርለም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ተዋስኢ ኣብ ሓደ ዓመት 500 ኦድሽን (መፃረይ) ከም ዘለዎ ትገልፅ ፍርቱና፡ ንሳ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ ዓሰርተ ፊልምታት ክትዋሳእ ምኽኣላ ልዕሊ ትፅቢታ ከም ዝኾነ ትገልፅ።

“ሓደ ተዋሳኢ ካብ 500 ኦድሽን ሓደ ወይ ክልተ እዩ እንተሓዘ፤ ብዙሕ ኦድሽን ሰሪሖም’ውን ዘይረኸቡ ኣለዉ። ኣነ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እየ ኣብ 10 ፊልምታት ሰሪሐ ዘለኹ። እዚ ንባዕለይ እውን ኣሰምቢዱኒ’ዩ። ዋላ’ኳ ብዙሕ እንተፀዓርኩ፡ ኣምላኽ ስለዝፈቐደ’ዩ እዚ ኩሉ ኣብ ሓፂር ግዘ ክሰርሕ ክኢለ” ትብል።

ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ብዙሓት ፊልምታትን ተኸታታልቲ ድራማታትን ዝደመቐት ፍርቱና፡ ኣብ ተዋስኦ ጥራሕ ተዓቂባ ክትሰርሕ ኣይደለየትን።

ኣብ ኢንዳስትሪ ሆሊውድ ብዝረኸበቶ ተሞክሮ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ውልቃ ፊልም ፕሮዳክሽን ከፊታ።

“ኣብ ሆሊውድ ልምዲ ምስ ሓዝኩ፡ ናይ ባዕለይ ፕሮዳክሽን ከፊተ። ኤልፒኤ ፊልምስን ስላሴ ሃውስ ፕሮዳክሽን ዝበሃሉ ክልተ ፕሮዳክሽን ካምፓኒ ኣለኒ። ናይ ምህዞ መፃምደይ ድማ ሎሬንዞ ኣዳምስ ይበሃል።

ሕዚ ምስ ሎሬንዞ ‘ዋይሞኖሬ’ ዝበሃል ፊውቸር ፊልምን ካልኦት ሓሙሽተ ሓፀርቲ ፊልምታትን ኣለዉና። ሲሞን፣ ኬረን ቢንክል፣ ዘይ ሉክ ላይክ ኣስ፣ ዘ ቦይ ኢን ዘ ክሎዜት፣ ሃሎዊን 63 ዝበሃሉ ንሰርሕ ኣለና። ፊልም ሲሞን ድማ ናብ ‘400 ፌስቲቫል’ ንውድድር ኣትያ’እያ።”

ኣብ ቁልዕነታ ድምፃዊት ክትከውን ትደልይ ዝነበረት ፍርቱና ናይ ቁልዕነት ሕልማ ክትገድፎ ኣይደለየትን።

ምስ ራፐር Q.RAP ብምዃን በጃኺ፣ ኣዳዳይን እንተዝኽእል ነይረን ዝብላ ስራሕቲ ናብ ተኸታተልቲ ዘብፅሐት እንትትኾን፡ ናይ ባዕላ ኢፒ’ውን (ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽድሽተ ደርፍታት) ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ፍርቱና ኣብ ሙዚቃ 'በጃኺ' ምስ ራፐር Q.RAP

ምንጪ ስእሊ, M.O.D.B

መግለጺ ስእሊ, ፍርቱና ኣብ ሙዚቃ 'በጃኺ' ምስ ራፐር Q.RAP

“በሊፅካ ምርካብ’ዩ እቲ ኣማራፂ....”

ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, JEFFREY MOSIER

ኣብ ኢንዳስትሪ ሆሊውድ ሓደ ተዋሳኢ ናይ ምውሳእ ዕድል ንምርካብ ብከቢድ ንሕንሕ ከም ዝሓልፍ ትገልፅ ፍርቱና፡ ኣብዚ ፀቢብ ዕድል ዘለዎ ኢንዳስትሪ ንምዕዋት ትጉህ ምዃንን በሊፅካ ምርካብን እንኮ ኣማራፂ ከም ዝኾነ ትገልፅ።

“ ሓቂ ንምዝራብ ልምምድ የድልይ። ኣነ ኩሉ ግዘ ኣብ ትምህርቲ እየ ዘለኹ። ኣብ ናይ ተዋስኦ፣ ድርሰት፣ ኣብ ናይ ሙዚቃ ፕሮዳክሽን ኩሉ ግዘ እየ ዝመሃርን ልምምድ ዝገብርን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት በሊፅካ ክትርከብ ኣለካ።” ትብል።

ናብ ኢንዳስትሪ ሆሊዉድ ካብ ዝኣተወትሉ ክሳብ ሕዚ ትርከበሉ ብርኪ ድማ፡ ሕድሕድ ኣጋጣሚ ተስፋ ክትቆርፅ ከም ዘይብላ እያ ተማሂራ።

“ክትጅምር እንከለኻ ብጣዕሚ’ዩ ፈታኒ። ኮስታር፣ ሪከሪንግ ኮስታር፣ ሲዝን ሬጉለር፣ ሳፖርቲንግ ሊድ እናበልካ ብደረጃ ኢኻ ትልዕል። ንኣብነት፡ ኣብ ፈለማ ብ ኮስታር እየ ነይረ፡ ኣብ ብሉ ብለድ ግና ሪከሪንግ ኮስታር እየ ዘለኹ (ካብ ሓደ ኢፕሶድ ንላዕሊ ንተኸታታሊ ክፋል ዝቕፅል)” ትብል።

ካብ ተሞክሮኦ ብምብጋስ ድማ ደቂኣንስትዮ ብሓፈሻ ከኣ መናእሰይ ኣብ ዝርከብሉ ዓውዲ ዕውታት ንክኾኑ፡ ኣብቲ ዝደልይዎ ዓውዲ ፍልጠትን ልምድን ከኸዕብቱ ይግባእ ትብል።

“ቀዳማይ ናብ ቤት-ትምህርቲ ብምኻድ ወይ ብኦንላይን ብምምሃር፡ እቲ ትደልዮ ሞያ ምምሃር የድልይ። ኣብ ትኣትዎ ዓዲ ካልኦት ብዙሓት ተወዳደርቲ ስለ ዘለዉ ናህትካ ጥበብ ኣፀቢቕካ ክትፈልጦ ኣለካ።

ካልኣይ ድማ ዕላማ ክህልወካ ኣለዎ። ንምንታይ ኢኻ ትገብሮ ዘለኻ? ራእይኻ እንታይ እዩ? ንኣብነት፡ ሓደ ሓደ ሰባት ፊልም ስለዝረኣዩ ጥራሕ ናብቲ ዓውዲ ክኣትዉ ዝደልዩ ኣለዉ። ናብቲ ስራሕ ምስ ኣተዉ ግና እቲ ስራሕ ከቢድ ስለዝኸውን፡ ሽውሃት ይስእኑ። ምኽንያቱ ዕላምኦም ጥንኩር ስለዘይኾነ፡ ቁሩብ ፈተና ምስ ዘጋጥሞም፡ ‘እዚ እማ ንዓይ ኣይኸውንን’ ኢሎም ይገድፍዎ።

ስለዚ፡ ንምንታይ ከም ትገብሮ ዕላማ፣ ራእይን ምኽንያትን ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝህልወካ ተፈቲንካ ትሓልፍ’ምበር ተስፋ ቆሪፅካ ወዲቕካ ኣይክትተርፍን።”

“ተጋሩ ንዓይ ኢንስፓይሬሽንን ተስፋን’ዮም”

ኰኾብ ሆሊዉድ ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, FORTUNA GEBRESELLASIE

እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ድሕሪ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምግትኡ፡ ኰኾብ ሆሊውድ ፍርቱና ናብ ትግራይ ከይዳ ነይራ።

“ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ኵናት ብዙሕ ፀገም’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ሂወት ኣብ ትግራይ ብጣዕሚ’ዩ ተቐይሩ። ብጣዕሚ’የ ሓዚነ። እዚ ህዝቢ እዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልዕሊኡ ተፈፂሙ ከመይ ገይሩ ሓሊፍዎ? ከመይ ክኢልዎ? ክርድአኒ ኣይክእልን። ካብዚ ህዝቢ ብዙሕ’የ ተማሂረ። ተጋሩ ንዓይ ኢንስፓይሬሽንን ተስፋን እዮም’’።

ስነ-ጥበባዊት ፍርቱና ገብረስላሴ፡ ታሪኽን ባህልን ተጋሩ ንዓለም ክፋለጥ ከም ዘይተሰርሐሉ ትገልፅ።

“ባህልና ብጣዕሚ ውቁብ’ዩ። ሰቡ’ውን ከምኡ። ካብ መቐለ ካብ ትግራይ ዝወፃእኹ ምዃነይ ብጣዕሚ እየ ዝሕጐስ። እዚ ናህትና ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ፍቕርን ሓጐስን ከመይ ገይረ እየ ናብ ዓለም ከብፅሖ ኢለ እየ ዝሓስብን ዝሰርሕን።

ታሪኽ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩሉ ክንገርን ክፍለጥን ኣለዎ። ሕዚ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኰነ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ፀሓፍቲ ኣለዉኒ። ኣብ ታሪኽን ባህልን ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ጄኖሳይድን ተሓባቢርና ንሰርሕ ኣለና። ሕዚ ቀንዲ ትኹረተይ ኣብዚ’ዩ” ብምባል፡ እቲ ንመፃኢ እትሕልኖን ሕዚ ብዋናነት ትዓሞ ዘላን ንቢቢሲ ገሊፃ።

ፍርቱና ገብረስላሴ፡ ኣብ ቀረፃ እቲ ብኔትፍሊክስ ዝመሓላለፍ ዘሎ 'ማንፌስት'

ምንጪ ስእሊ, FORTUNA GEBRESELLASIE

መግለጺ ስእሊ, ፍርቱና ገብረስላሴ፡ ኣብ ቀረፃ እቲ ብኔትፍሊክስ ዝመሓላለፍ ዘሎ 'ማንፌስት'
ፍርቱና ኣብ ቀረፃ ፊልም 'ሃሎዊን 63'

ምንጪ ስእሊ, DELEWIS LAWRENCE

መግለጺ ስእሊ, ፍርቱና ኣብ ቀረፃ ፊልም 'ሃሎዊን 63'