“መግለፂ ፅባቐ ጓልኣንስተይቲ ጥንካረን ኣመለኻኽታን ክኸውን ኣለዎ”፡ ትግራወይቲ ሞዴል ሩታ የማነ

ሞዴልን በዓልቲ ሞያ ፋይናንስን ሩታ የማነ

ምንጪ ስእሊ, RUTHA YEMANE

መግለጺ ስእሊ, ሞዴልን በዓልቲ ሞያ ፋይናንስን ሩታ የማነ

ሞዴልን በዓልቲ ሞያ ፋይናንስን ሩታ የማነ፡ ንዓለማዊ ውድድር ፅባቐ ‘ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል 2024' ሕፁያት ኰይኖም ካብ መንጐ ዝቐረቡ ሞዴላት ዓለም፡ ብከቢድ ንሕንሕ ናብ ውድድር ‘ሰሚ ፋይናል ቶፕ 5’ ዝሓለፈትን ብደቂ ኣንስትዮ ኣውሮጳ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ዙር ዝዛመትን መንእሰይ እያ።

እዛ በዓልቲ ድርብ ሞያ ዝኾነት ትግራወይቲ ሩታ፡ ነዞም ኣካል ሂወታ ዝኾኑ ሞያዊ ፀፍሕታት ሞዴሊንግን ፋይናንስን፡ ምልክት ጥንካረን ፅባቐን ብምባል እያ ትገልፆም። ፋይናንስ ንዕኣ ጥንካረ’ዩ፡ ሞዴሊንግ ድማ ፅባቐ።

“ህይወት ብዝተፈላለየ መገዲ ምጥዕዓም እንተኽኢልናስ፡ ነቲ ንደልዮ ነገር ክንገብሮ ንኽእል ኢለ እኣምን” ትብል።

ውድድር ፅባቐ ‘ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል’ ኣብ ዓለም ዘለዉ ነዚ ሞያ ብቑዓት’ዮም ዝተብሃሉ ሞዴላት ዝወዳደርሉ ኰይኑ፡ ካብቶም ዝተሓረዩ ናብ ‘ሰሚ ፋይናልን’ ናይ መወዳእታ ውድድርን ንምእታው ከቢድ ንሕንሕ ዝገብርሉ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ውድድር ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ልዕሊ 500 ተወዳደርቲ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፡ ብረቛሕታት ኣዳለውቲ እዚ ውድድር ፅባቐ ዝተመረፁ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ሞዴላት ድማ፡ ብናይ ህዝቢ ድምፂ ብልጫ ዝተዓወቱ ሓሙሽተ ብሉፃት ንውድድር ‘ሰሚ ፋይናል ፋይናልን' ይነሓንሑ።

ሞዴል ሩታ፡ “ብናይ ተጋሩ ድምፂ ምኽንያት’የ፡ ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሐ። ምኽንያቱ እቶም ኣወዳደርቲ ናብ ‘ሰሚ ፋይናል’ ንምሕላፍ ዘቐመጥዎ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ህዝቢ ድምፂ ስለ ዝነበረ። ኩሉ ትግራዋይ’ዩ ተሓባቢሩኒ። መግለፂ ቃላት የብለይን። ብጣዕሚ እየ ዘመስግን። ነዚ ዝመፅእ ውድድር ብጣዕሚ ተሃንጥየ ኣለኹ። ካብ ሕዚ ክልተ ውድድራት ክህልዉ እዮም” ትብል።

ኣብ ውድድር ‘ሰሚ ፋይናል’ ዝተዓወቱን ኣብ መዛዘሚ ውድድር ናይ ዝተዓወቱን ሞዴላት ውፅኢት ውድድር ፅባቐ ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ወግዓዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ኣብዚ ዓለማዊ መድረኽ ምስታፍ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ ተረድእ ሩታ፡ “ነቲ ዝተዓወተ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሞዴላት ክሓርዩ ዝመፅኡ ትካላት ንግዲ፣ ክቡራት ብራንድን ፍሉጣት ኤጀንስን ስለዝመፅኡ፡ እዚ መድረኽ ብዛዕባ ውድድር ጥራሕ ኣይኰነን፡ ብዙሕ 'ኮኔክሽን'፣ ብዙሕ ዕድላት ስራሕን ምፍርራማትን ዝፍጠረሉ’ዩ” ብምባል፡ ንሳ ዝለዓለ ናይ ህዝቢ ድምፅን ሕሉፍ ልምዲ ውድድር ፅባቐን ስለዘለዋ፡ ኣብ ዝቕፅል ዙር ውድድር ከም ትዕወት ትኣምን።

ንውድድር ፅባቐ 'ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል 2024' ናብ ‘ሰሚ ፋይናል’ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ብሉፃት

ምንጪ ስእሊ, TOP MODEL INTERNATIONAL/FB

መግለጺ ስእሊ, ንውድድር ፅባቐ 'ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል 2024' ናብ ‘ሰሚ ፋይናል’ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ብሉፃት

"ዝተምሃራ ብጣዕሚ እየን ዘቕንኣኒ”

ኣብዚ እዋን ኣብታ ማእኸል ፋይናንስ ዝኾነት ለግዘምበርግ ኣብ ሓደ ትካል 'ኣሴት ኤንድ ፈንድ ማነጅመንት’ እናሰርሐት ትርከብ ሩታ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ሞደሊንግን ዝረኸበቶ ስራሕ ጥራሕ ክትድረት ኣይመረፀትን።

የግዳስ ካብ ፖላንድ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ለግዘምበርግ ኣምሪሓ፡ ንርእሳ እናመወለት ብማስተርስ ዲግሪ ፋይናንስን ኢኮኖሚክስን እናተምሃረት ትርከብ።

"ዝተምሃራ ደቂ ኣንስትዮ ብጣዕሚ እየን ዘቕንኣኒ” ብምባል ድማ፡ ንትምህርቲ ዘለዋ ጥሙሕ ድሌት ትገልፅ።

ቀዳማይ ዲግሪኣ፡ ብኢንተርናሽናል ቢዝነስ ኣብ ሃገረ ፖላንድ እያ ዛዚማ። ፖላንድ ቅድሚ ናብ ለግዘምበርግ ምምፅኣ ንሽድሽተ ዓመት ዝነበረትላ፣ በዓልቲ ሞያ ፋይናንስ ኰይና ዝሰረሐትላ፣ ብኣውርኡ ድማ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንከላ ዝጀመረቶ ኢንዳስትሪ ሞዴሊንግ ዳግማይ ንክትራኸብ ዕድል ዝኸፈተትላ ሃገር እያ።

“ዝጀመርክዎ ትምህርቲ ምስ ወዳእኹ፡ ጎና ጎኒ ዋና ስርሐይ፡ ብንጡፍ ሞዴሊንግ እሰርሕ ነይረ” ትብል።

ሩታ የማነ: ኣብ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ’፡ ‘ቶፕ ሞዴል’ ብምዃን እያ: መንገዲ ኢንዳስትሪ ሞዴሊንግ ፈሊማቶ

ምንጪ ስእሊ, RUTHA

መግለጺ ስእሊ, ሩታ የማነ: ኣብ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ’፡ ‘ቶፕ ሞዴል’ ብምዃን እያ: መንገዲ ኢንዳስትሪ ሞዴሊንግ ፈሊማቶ

ሩታ ፈለማ ምስ ሞዴሊንግን ውድድር ፅባቐን ዝተላለየት፡ ብትምህርቲ ዕድል ናብ ኣውሮጳ ቅድሚ ምምፅኣ፡ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ፡ ብ2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ካልኣይ ዓመት ተምሃሪት ኮምፒዩተር ሳይንስ እንከላ፡ ብድፍኢት መሓዙታ ኣብ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ’ ተወዳዲራ፡ ‘ቶፕ ሞዴል’ ኰይና ድማ ተዓዊታ።

ቆልዓ እንከላ ሰባት ንሊያ ከበደ (ዓለምለኻዊት ቶፕ ሞዴል) ‘ከም ትመስልን ምስ ዓበየት ሞዴል ከም ትኸውንን ይነግርዋ’ ከም ዝነበሩ ትዝክር ሞዴል ሩታ፡ “ንዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ወኪለ ተወዳዲረ፡ ‘ቶፕ ሞዴል ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ’ ኮይነ ከኣ ተዓዊተ ትብል።

"ካብ ሻቡ ጀሚረ፡ ሞዴሊንግ ንዓይ ዝኸውን’ዩ ማለት’ዩ ኢለ” ብምባል፡ ነቲ ንሞዴሊንግ ባይታ ዝፈጠረ ህሞት ተመሊሳ ትዝክሮ።

መንገዲ ኢንዳስትሪ ሞዴሊንግ ‘ቶፕ ሞዴል’ ብምዃን ኣሃዱ ኢላ ጀሚራቶ። እቲ ዝረኸበቶ ዓወት ድማ፡ ንግዳዊ ሞዴሊንግ ምስ ዘስርሑ ትካላት ክትሰርሕ ዕድል ዝፈጠረላ እንትኾን፡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሞዴሊንግን ስነ-ጥበብን ኣቢሲንያ ኣምሪሓ ክትመሃር ደሪኽዋ።

ሞዴልን በዓልቲ ሞያ ፋይናንስን ሩታ የማነ

ምንጪ ስእሊ, RUTHA YEMANE

“ኣብ ኢትዮጵያ ክመሃር እየ ዝብል ተስፋ ቀቢፀ”

ሩታ፡ ንትምህርቲ ጥሙሕ ድሌት እኳ እንተነበራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ንክልተ ዓመታት ዝተምሃረቶ ትምህርቲ ኮምፒዩተር ሳይንስ ግና፡ ብዘጋጠማ ውልቃዊ ፀገም ኣይቀፀለቶን።

ጎና ጎኒ እቲ ናይ ሞዴሊንግ ስራሕታ ኣብ ኮሌጅ ባዮ ሜዲካል፡ ትምህርቲ ነርሲንግ ጀሚራ።

እቲ ኮሌጅ ‘ፍቓድ የብሉን' ብዝብል መንግስቲ ስለዝዓፀዎ ግና፡ ሩታ ሕዚ’ውን ካብ ትፈትዎ ትምህርቲ ንካልኣይ ግዘ ክተቋርፅ ተገዲዳ። ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይተሓሰቡ ኣጋጣምታት ካብ ትምህርታ ምትዕንቓፋ፡ ከቢድ ሕርቃን ፈጢሩላ።

“ሻቡ ብጣዕሚ ሓሪቐ ነይረ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክወፅእ እንከለኹ’ውን ብዓቕሚ ምውሓድ ኣይነበረን፡ ብዘጋጠሙኒ ውልቃዊ ፀገማት’ምበር። ነርሲንግ’ውን ጀሚረ ክልተ ዓመት ተማሂረ ከምኡ ምስ ኰነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክመሃር እየ ዝብል ተስፋ ቀቢፀ። ካብታ ሃገር ክወፅእ ወሲነ። እንተውሓደ ንምምሃር ዓቕሚ ከም ዘይወሓደኒ፡ ንባዕለይ ከረጋግፅ ብጣዕሚ እደልይ ነይረ” ትብል።

“ኣብ ዝሓዝክዎም ኩሎም ዕውትቲ ክኸውን’የ ዝደልይ”

ሩታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክትመሃር ኢላ ወዝቢ ማይ ንማይ ዝተረፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ባኺኖም ክተርፉ ኣይመረፀትን።

ሞዴል ሩታ የማነ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, RUTHA YEMANE

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ሩታ የማነ (የማን)
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2017 ትምህርቲ ዕድል ደልያ ናብ ፖላንድ ብምምፃእ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኢኮሎጅን ማንጅመንትን ብኢንተርናሽናል ቢዝነስ ቀዳማይ ዲግሪ ረኸባ፤ በዓልቲ ሞያ ፋይናንስ ኰይና ድማ ኣብ ፖላንድ ክትሰርሕ ጀሚራ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኣዲስኣባበ እንከላ ዝፈለመቶ ሞዴሊንግን ውድድር ፅባቐን ከም ብሓድሽ ኣብ ፖላንድ ክጅምሮ እየ ዝብል ሓሳብ ኣይነበራን።

“እዋኑ ሰመር 2017 ነይሩ፡ ምስ መሓዙተይ ኣብ ሓደ ካፌ ኰፍ ኢልና፡ ሃንደበት ዝኾነ ሰብኣይ ብዘይ ምቁራፅ ኣፍጢጡ ክጥምተኒ ጀሚሩ፤ ምቾት ክሳብ ዝስእን ይጥምተኒ። ካብኡ 'እዚ ሰብኣይ ሱቕ ኢሉ ይጥምተኒ ኣሎ፡ ምቾት ከሊኡኒ' ኢለ ነዞም መሓዙተይ ነጊረዮም። ምስ ረኣይዎ ሰምቢዶም ‘ኣይትፈልጥዮን ዲኺ?’ ኢሎምኒ” ትብል።

መሓዙታ ብዛዕባ እዚ ውልቀሰብ ነጊሮማ፡ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንቱ’ውን ኣረጋጊፃ፡ ናይ ባዕሉ ሕላገት ሜክኣፕ ዘለዎን ‘ኣብ ኢንዳስትሪ ፋሽን ኣዝዩ ስሙይ’ ዝኾነን፡ ሃቢ ጃፈርሰን’ዩ።

“ፅንሕ ኢሉ ባዕሉ መፅዩ ኣዛሪቡና። ‘ከም ዝረበሽኩኹም ተረዲኡኒ’ዩ፡ ግና ንዕኣ ኢና ደሊና። ፅባሕ ንመፅሄት 'ፎቶ ሹት' ኣለና ብጣዕሚ ኢና ሰብ እናደለና ነይርና፡ 'በይዛኺ ነፃ እንተኾይንኪ ክትመፅኢ ትኽእሊ‘ዶ?’ ኢሉ ቢዝነስ ካርድ ሂቡና” ብምባል፡ እቲ ኣብ ፖላንድ ናብ ሞዴሊንግ ክትምለስ ዘኽኣላን ብዙሓት ዕድላት ዝኸፈተላን ኣጋጣሚ ትገልፅ።

ሻቡ፡ ናይ ‘ማክ ሜክኣፕ’ ሞዴል ብምዃን ኣብ ‘መፅሄት ዲዛይን ፈንድ’ ዝወፅአት ሩታ፡ ድሕሪ እዚ ኣብ ኢንዳስትሪ ሞዴሊንግ ዘለዉ ዕድላት ርሒዎምላ።

ኣብ ከም ፍሉጣት ሕላገታት ዘለዎም ክዳውንቲ፣ ጫማ፣ ሜክኣፕ፣ ቦርሳ፣ ባንክታትን ካልኦት ንግዳዊ ሞዴሊንግን፡ ክትሰርሕን ውድድር ፅባቐ ክትወዳደርን ክኢላ።

ሞዴል ሩታ የማነ

ምንጪ ስእሊ, RUTHA YEMANE

ሩታ ቀዳማይ ድግራ፡ ኣብ 2019 እያ ዛዚማ። ካብ ስሩዕ መደብ ትምህርቲ ናብ ስራሕ፣ ካብ ስራሕ ድማ ናብ ሞዴሊንግ ኣብ ኩሉ ሸነኽ እንትትነጥፍ፡ ዓመተ 2020 ግና ንዕኣ እቲ ዝኸበደ እዋን’ዩ ኰይኑ።

እቲ እዋን ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርታ ዛዚማ፡ ብማስተርስ ኦፍ ዳታ ሳይንስ እናኸፈለት ትምህርቲ ዝጀመረትሉ’ዩ ነይሩ።

“ኣብ ትግራይ ጄኖሳይዳል ኵናት ተጀሚሩ። እቲ እዋን ንዓይ ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ካብ ድቃሰይ ተሲአ ፀልማት ጥራሕ’ዩ ዝረኣየኒ። ዋላ ሓደ ተስፋ ዘይርእየሉ ፀልማት እዋን’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ትሰምዕዮም ዜናታት ሰብ ይቕተል ኣሎ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ማይ የለን ዝብሉ’ዮም።

"ብጣዕሚ ከቢድ ግዘ’ዩ ነይሩ። ብጣዕሚ ተረቢሸ፣ ዋላ ሓደ ትኹረት ክገብር ኣይከኣልኩን፤ ሻቡ ትምህርተይ ከቋርፅ ተገዲደ” ብምባል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ዘሕደረላ ፅልዋ ትገልፅ።

ተገዲሰ ኣብ ዝሓዝክዎም ነገራት ኩሎም ዕውትቲ ክኸውን እየ ዝደልይ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ዘለዋ በዓልቲ ሞያ ፋይንስን ሞዴልን ሩታ የማነ፡ ንመፃኢ፡ “ንትግራይ ብዘለዋ ሞያ፡ ኰታስ ዓቕማ ብዝኸኣሎ” ክትሕግዝ ትብህግ።

“ጥንካረ መግለፂ ፅባቐ ጓል ኣንስተይቲ….”

መብዛሕትኡ ግዘ፡ ኣብ ሞዴሊንግን ውድድር ፅባቐን ንትነጥፍ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፅባቐ ኣዕይንቲ፣ ቅርፂ ሰብነት፣ ዕደመ፣ ሕብሪ ሰብነትን ካልእን ረቛሕታት ክቕመጡ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ሞዴል ሩታ የማነ ግና፡ ከምዚኦም ዓይነት ረቛሕታት ናይ ሓደ ሰብ ዓርሰ እምነት ዝቐትሉ’ዮም ዝብል እምነት ኣለዋ።

“ጥንካረ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መግለፂ ፅባቕኣ ክኸውን ኣለዎ ኢለ እኣምን። ጓል 16/17 ዓመት ኣብ መድረኽ ከምኡ ክትበሃል እንከላ፡ ዓርሰ እምነታን ንርእሳ ዘለዋ ኣመለኻኽታን እዩ ዝቐትሎ። ስለዚ ኣነ ኣንፃር እዞም ኩሎም ረቛሕታት ሰብነት እየ።

መግለፂ ፅባቐ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጥንካርኣን ኣመለኻኽተኣን ክኸውን ኣለዎ ኢለ እኣምን። እዚ ናይ ሕዚ ውድድር መፀውዒ ቶፕ ሞዴል ኢንተርናሽናል ብጣዕሚ ዝፈትዎ መፀውዒ ስለዝኾነ እየ ቀፂለዮ” ብምባል፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ እዚ ቅዋማ፡ ጀሚራ ዘቋረፀቶም ውድድራት ፅባቐ ከም ዝነበሩ ትገልፅ።

“ጥንካረ መግለፂ ፅባቐ ጓል ኣንስተይቲ….”

ምንጪ ስእሊ, RUTA YEMANE

መብዛሕትኡ ግዘ ካብ ዓዶም ወፅዮም፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብሩ ሰባት፡ ናብራ፣ ህይወት፣ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መስርሕ፣ ቋንቋ ከምኡ’ውን ተወዳዳራይ ምዃን ክኸብዶም ይረኣዩ።

ሩታ ነዚ ኩሉ ስዒራ ብኸመይ ኣብ ትነጥፈሎም ዓውድታት ውፅኢታዊት ክትኸውን ከም ዝኸኣለት እንትትሕብር፡ “ትምህርቲ ቁልፊ” ከም ዝኾነ ትገልፅ።

እዛ በዓልቲ ድርብ ሞያ መንእሰይ፡ “ናብ ዓዶም ፈቲኺ፣ ደሊኺ ክሳብ ዝመፃእኺ ክትገብርዮ ዝደልዩኺ ነገር ክትመሃርዮን ክተማልእን ኣለኪ። ንምምሃር ክፉት ሽውሃት ክህልወኪ ኣለዎ። ኣብ ኣውሮጳ እናነበርና ብቋንቋና ክንረዳድኦም ስለዘይንኽእል ድማ ቋንቋ ምልማድ የድልይ። ትምህርቲ እንተሃልዩኪ፣ 'ኮምዩኒኬሽን'፣ ዓርሰ እምነት እንተሃልዩኪ ቀሊል እዩ” ትብል።

ልዕሊ ኩሉ ብድሆታት ስደት ንምስዓር ድማ፡ 'ንምንታይ ናብቲ ዓዲ ተሰዲድካ መፂእኻ? ንዝብል ንፁር ዕላማ ክህልወካ ኣለዎ' ትብል።

ሞዴል ሩታ የማነ፡ ኣብ መድረኽ ፋሽን ሾው (ፖላንድ)

ምንጪ ስእሊ, RUTHA YEMANE

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ሩታ የማነ፡ ኣብ መድረኽ ፋሽን ሾው (ፖላንድ)