ሩስያ፡ 'ከምቲ ኦርወል ኣብ መጽሓፍ 1984 ዝገለጾ እያ ኰይና ዘላ'

ኣሌክሳንድራ፡ ክውንነት ሩስያ ብመጽሓፍ ኦርወል ከም ዝግለጽ ትዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ኣሌክሳንድራ፡ ክውንነት ሩስያ ብመጽሓፍ ኦርወል ከም ዝግለጽ ትዛረብ

ኢቫኖቭ ካብ ሞስኮ ብመኪና መንገዲ ኣርባዕተ ሰዓት'ያ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መወዓውዒ ሰሌዳታት (ቢልቦርዳት) ዝሓዙዎም መልእኽቲታት ንዝኣምኖም፡ ሩስያ ብሓቂ ትግስግስ ኣላ እዩ ክብል።

“ክብረወሰን ዝሓዘ ምህርቲ!”

“ኣብ ዞባ ኢቫኖቮ ልዕሊ 2000 ኪ.ሜ ጽርግያታት ተጸጊኑ!”

“ንዝሓሸ ለውጢ!”

ሙሉእ መንደቕ ኣብዛ ከተማ ዝርከብ ነባር ሲነማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈጸመቶ ወራር ብዘተዓባብዩ መወዓውዒታት፣ ስእሊ ወተሃደራትን ጭርሖታትን ተሸፊኑ ይርኣይ።

“ናብ ዓወት!”

እዞም መልእኽቲታ፡ ሩስያ ናብ ዝሓየለ ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓወት ትምርሽ ዘላ ሃገር ምዃና ዝገልጹ እዮም።

እንተዀነ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ እታ ከተማ ብዛዕባ እታ ሕጂ ዘላ ሩስያ ኣዝዩ ዝተፈልየ ምስሊ ዝህብ ቦታ ኣሎ።

ኣብዚ እውን ሓደ ዝተጠቅዐ ምስሊ ኣሎ፤ እዚ ስእሊ ወተሃደር ሩስያ ዘይኰነ፡ ስእሊ ኢንግሊዛዊ ደራሲ ጆርጅ ኦርወል’ዩ።

እዛ ንኡሽቶ ቤተ-መጽሃፍቲ፡ ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ምልኪን ግፍዒታትን ሒዛ ኣላ
መግለጺ ስእሊ, እዛ ንኡሽቶ ቤተ-መጽሃፍቲ፡ ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ምልኪን ግፍዒታትን ሒዛ ኣላ

ኣብ ርእሲ እዚ ስእሊ ጆርጅ ኦርወል ዘሎ መንደቕ ዝንበብ ጽሑፍ ክኣ፡ ‘ቤተ መጽሓፍቲ ጆርጅ ኦርወል’ ይብል።

ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዝተፈጸሙ ዘይፍትሓውያን ሓደጋታት ምልካውነትን ዝገልጹ ሓያሎ መጽሓፍቲ ኣለው።

ብርክት ዝበሉ ቅዳሓት እታ ‘1984’ ዝተሰምየት መጽሓፍ ኦርወል'ውን ኣብታ ቤተ መጽሓፍቲ ኣላ።

እዛ መጽሓፍ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣካልን ኣእምሮን ደቂ ሰባት ዳርጋ ፍጹም ምቁጽጻር ዝገበረሉ ኵነታት'ያ ተዘንቱ።

“ሕጂ ኣብ ሩስያ ዘሎ ኩነታት ምስ 1984 ዝመሳሰል እዩ። ፍጹም ቁጽጽር መንግስትን መሓውር ጸጥታን ኣሎ” ትብል ሓላፊት እቲ ቤተ መጽሓፍቲ ኣሌክሳንድራ ካራሰቫ።

ኣብ 1984፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሰባት ኣብ ክውንነት ንዘለዎም ኣረኣእያ ይቈጻጸር፤ እዚ ድማ ዜጋታት ኡስያንያ “ኲናት ሰላም’ዩ፤ ድንቁርና ድማ ሓይሊ’ዩ” ኢሎም ንክኣምኑ ዝኽተሎ ዝነበረ ስትራቴጂ’ዩ።

ሕጂ፡ ሩስያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዘላ እያ ትመስል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወጊሑ ክሳብ ዝመሲ፡ መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ኣይፈጸመትን፤ እኳ ድኣ ስርሒት ምክልኻል እዩ፤ ወተሃደራት ሩስያ ጐበጥቲ ዘይኰኑስ ሓራ ዘውጽኡ ልኡኻት’ዮም፤ ምዕራባውያን ክኣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኲናት ይእውጁ ኣለው ክብላ ይውዕላ።

እቲ ክውንነት ግን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሙሉእ ወራር ምእዛዛ’ዩ።

“ኣብ ቴሌቪዥን ተጸሚዶም ሩስያ ምስ ዩክሬይን ኣብ ውግእ የላን ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኣጋጢሞምኒ’ዮም። እዚኦም ምዕራባውያን ሃገራት ወትሩ ንሩስያ ንምጥፋእ ከም ዝደልዩ ይኣምኑ” ትብል ኣሌክሳንድራ።

“እዚ ከም 1984’ዩ። ነቲ ኣብ ልበወለድ ሬይ ብራድበሪ ፋረንሃይት 451 ዘሎ’ውን ይመስል። ኣብቲ ዛንታ’ቲ በዓልቲ ቤት እቲ ጅግና ብመሰረቱ ብስክሪናት ቲቪ ተኸቢባ፤ ካልኦት እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋን ንዓለም ብኸመይ ክትትርጉማ ከም ዘለዋን ይነግሩዋ”።

ነቲ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ዲመትሪ ሲሊን ዝተባህለ ነጋዳይ'ዩ ቅድሚ ክልተ ዓመትከፊቱዋ።

እዚ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብጽኑዕ ዝነቅፍ ውልቀሰብ፡ ሩስያውያን “ኣብ ክንዲ ቴሌቪዥን ዝርእዩ፡ ንነብሶም ዝሓስብሉ” ቦታ ክፈጥር ብምድላይ’ዩ ነዛ ቤተ-መጽሓፍቲ ከፊቱ።

ድሚትሪ ድሒሩ “ንዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ ኣጸሊሙ” ተባሂሉ ተኸሲሱ።

ኣብ ልዕሊ ሓደ ህንጻ “ኣይፋል ንውግእ!” ዝብል ሓንጢጡ ተባሂሉ’ውን ተኸሲሱ።

ንኹሎም ዞም ክስታት ክኣ ይነጽጐም፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ካብ ሩስያ ሃዲሙ ብፖሊስ ይድለ ኣሎ።

ቤተ-መጽሓፍቲ ጆርጅ ኦርወል፡ ካብ ፍራንዝ ካፍካ ክሳብ ፍዮዶር ዶስቶየቭስኪ ዘለው ኣዝዮም ህቡባት መጽሓፍቲ ኣለውዋ።

ብተወሳኺ፡ ታሪኻት ሰውራ ሩስያ፡ ጭቈናታት ስታሊን፡ ውድቀት ዴሳዊ ስርዓትን ዘመናዊት ሩስያ ዴሞክራሲ ንምህናጽ ዝገበረቶ ፍሹል ፈተነታትን ዝገልጹ መጽሓፍቲ ሒዛ ኣላ።

ኣንበብቲ ካብዛ ቤተ-መጽሓፍቲ ክልቅሑዎም ዝደለዩ መጽሓፍቲ ኣብ ሩስያ ዝተኸልከሉ ኣይኰኑን።

እቲ ኣርእስቲታት ግን ኣዝዩ ተሃዋሲ እዩ።

ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ሕሉፍ ይኹን ህሉው ሩስያ ብቕንዕና ዝግበር ዘተ ጸገማት ከምጽእ ይኽእል’ዩ።

ኣሌክሳንድራ፡ ጽሑፋት ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓይሊ ኣለዎም ኢላ ትኣምን።

ስለ’ዚ ድማ’ያ እታ ቤተ-መጻሕፍቲ ከይትዕጾ ትጽዕር ዘላ።

መጽሓፍ 1984
መግለጺ ስእሊ, መጽሓፍ 1984

“እዞም መጻሕፍቲ ንኣንበብትና ሓይሊ ምልካዊ ስርዓታት ዘልኣለማዊ ከም ዘይኰነ ዘርእያ እየን፤ ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ድኹም ጐኒ ከም ዘለዎምን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኩነታት ዝርዳእ ኩሉ ናጽነቱ ክዕቅብ ከም ዝኽእልን ርዱእ’ዩ። ናይ ሓንጎል ናጽነት ድማ ናጽነት ህይወትን ሃገርን ክህብ ይኽእል እዩ” ትብል።

ጓል 68 ዓመት ኣሌክሳንድራ፡ “መብዛሕትኡ ወለዶይ መሰረታዊ ተሞክሮ ዴሞክራሲ ኣይነበሮን። ሕብረት ሶቭየት ንምፍራስ ሓጊዝና ግን ዴሞክራሲ ክንሃንጽ ኣይከኣልናን። መዓስ ጸኒዕና ‘እዚ ክትገብሩ የብልኩምን’ ክንብል ከም ዘለና ክንፈልጥ ዝሕግዘና ተመኩሮ ኣይነበረናን። ምናልባት ወለዶይ ን1984 ኣንቢብዋ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብዝተፈለየ መገዲ ክዋሳእ ምኽኣለ ይመስለኒ” ኢላ።

ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዲሚትሪ ሸስቶፓሎቭ ነዛ መጽሓፍ ኣንቢብዋ ኣሎ። ሕጂ ኣብታ ቤተ-መጽሓፍቲ ብወለንታኡ ይሰርሕ ኣሎ።

ዲሚትሪ፡ “እዚ ቦታ ቅዱስ እዩ፤ መሃዝቲ መንእሰያት፡ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዜጋታት ንምርካብን ካብቲ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ንኽርሕቑን ዝመጹሉ ቦታ’ዩ። ነጻ ኣብ ዘይኰነ ሃዋህው ዘላ ንእሽቶ ደሴት ናጽነት’ያ” ክብል ነታ ቤተ መጽሓፍቲ ይገልጻ።

ኣሌክሳንድራ ካራሴቫ፡ ናብታ ቤተ-መጻሕፍቲ ውሑዳት በጻሕቲ ከም ዝመጽኡ ትገልጽ።

ብኣንጻሩ ኣብ ማእከል ከተማ ኢቫኖቮ ብዙሕ ህዝቢ ይርኣይ። እዚኦም ሓደ ዓብዪ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ንዘቕርቦ ምርኢት ክዕዘቡ ዝተኣከቡ’ዮም።

ተራር ጸሓይ ኣብ ዘላትሉ መገዲ፡ ሓደ ኦርኬስትራ ክላሲካል ሙዚቃታት ሶቭየት ይጻወት ነይሩ።

እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ በዚ ሙዘቃ ይለሃዩ።

ገለ ሩስያውያን ነቶም ብመወዓውዒታት ኣቢሉ ዝንገሮም ዘሎ ሓሳባት ክኣምኑ ፍቓደኛታት ምዃኖም ንምርድኡ ዝኸብድ ኣይኰነን።

ጡረተኛ ቭላድሚር፡ “ሩስያ እትኸደሉ ብዘላ ኣንፈት ሕጉስ’የ፤ ካብ ተጸባይነት ምዕራባውያን ዝያዳ ናጻ ንኸውን ኣለና” ኢሉ።

ካልእ ናታልያ ዝተባህለት መንእሰይ፡ “ገስጋስ ንገብር ኣለና፤ ከምቲ ቭላድሚር ፑቲን ዝበሎ ሓድሽ መድረኽ ሩስያ ተጀሚሩ ኣሎ” ኢላ።

ብዛዕባ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬይንከ?

ኒና፡ “ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይከታተል’የ ዝጽዕር፤ ኣዝዩ ዘሕርቕ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ቤተ መጽሓፍቲ ጆርጅ ኦርዌል ዝተኣከቡ ሰባት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መደባት ይመርሑ ኣለው።

ሓደ ክኢላ ስነ-ልቦና እቲ ከባቢ፡ ሒዝካዮ ዝመጻእኻ ነገር ብኸመይ ክትሰግሮን ህይወትካ ክትቕር ከም እትኽእል ክትኣምን ከም ዘለካን ይምህር፤ ዓሰርተ ሰባት ተሳቲፎም።

እዚ ኣስተምህሮ ምስ ተወድአ፡ ሓላፊት ቤተ-መጻሕፍቲ ኣሌክሳንድራ ካራሰቫ እታ ቤተ-መጽሓፍቲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ ተዛሪባ።

“እቲ ህንጻ ንመሸጣ ተቐሪቡ’ሎ። ቤተ መጻሕፍትና ክትዕጾ’ያ፤ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ክንውስን ኣለና። ካብዚ ናበይ ኢና ንኸይድ?” ሕቶ ኣሌክሳንድራ እዩ።

እታ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ መላእ እታ ከተማ ድሩት ኣማራጺታት እዩ ዘለዋ።

ተስፋ ግን ኣይቈርጹን’ዮም፤ ብውሑጅ ሕጂ ኣይኰነን።