ኡና ማርሰን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንጸለምቲ መንገዲ ዘጣጥሐት ሓወልቲ

ኡና ማርሰን (6 ለካቲት 1905 – 6 ግንቦት 1965) ምሉእ ስማ ኡና ማውድ ቪክቶርያ ማርሰን ኰይኑ፡ ጃማይካዊት ተሓላቒት መሰል ደቀ’ንስትዮ (ፈሚኒስት)፡ ኣክቲቪስትን ጸሓፊትን፡ ከምኡ’ውን ግጥምታትን፡ ተዋስኦታትን መደባት ራድዮን እተዳሉ ዝነበረት ግዙፍ ታሪኽ ገዲፋ ዝሓለፈት ሰብ’ያ።
ብሓጺሩ፡ ንጸለምቲ ኣብ ሕብረተሰብ እንግሊዝ ተቐባልነት ንክረኽቡ መንገዲ ዝጸረገት ፋርሲት እያ ክንብል ንኽእል።
እቲ ዘገርም ፍጻመ ግን፡ መንገዲ ከም ዘይጸረገትን ዕድላት ዘይከፈተትን፡ ስማን ኣበርክቶኣን ተረሲዑ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብህለሉ ሰብ ዘይምርካቡ እዩ።
ሕጂ ግን ስማ ንምምዕራግ፡ ታሪኽ ህይወታ ህያው ንምግባር፡ ብዛዕባኣ ፊልም ይስነድን መጽሓፍ ይጸሓፍን ኣሎ።
ሃርፐር-ኮሊንስ ዝበሃል ዓቢ ማሕበር ኣሕተምቲ፡ ንሰነ 2024 ብዛዕባ ኡና ማርሰን ሓደ መጽሓፍ (ኣብ ትሕቲ “Calling Una Marson: The Extraordinary Life of a Forgotten Icon” ዝብል ኣርእስቲ ንከቕርብ ምስ ጁን ሳርፖንግ እትበሃል ህብብቲ ጸሓፊት ውዕል ፈሪሙ ኣሎ።
እቲ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረስዐ ውርሻ ናይታ ናይ መጀመርታ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ፈነወ ቢቢሲ፣ ንሓያል ታሪኽ ህይወታ ብርሃን ክፈጥረሉ ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ።
ጁን ሳርፖንግ ብሪጣንያዊት ኣቕራቢት መደብ ተለቪዥንን ኣካያዲት ስራሕን፡ ብደረጃ ዓለም ፍልጥቲ ኣቕራቢት መደብ፡ ጸሓፊትን፡ ኣብ ጉዳያት ብዙሕነት ተጊሃ እትጕስጕስን፡ ኣብ ዓንኬላት ጸለምቲ ኸኣ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዋ ሰብ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽእ መጽሓፍ ንክትጽሕፍ ብሕርያ ተመዲባ ኣላ።
እቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዛዕባ ኡና ማርሰን ንኽወጽእ ተሓሲቡ ዘሎ ታሪኽ ብሓልዮት እቲ ለኒ ሄንሪ ዘማእክሎ ትካል ምፍራይ ‘ዳግላስ ሮድ ፕሮዳክሽንስ’ ኣቢሉ ሓድሽ ሰነዳዊ ፊልም ክቐርብ ምዃኑ’ውን ድሮ ተሓቢሩ ኣሎ።

ምስክርነት ለኒ ሄንሪ
ኡና ማርሰን ኣብ 1940ታት ናይ መጀመርታ ጸላም ኣፍራዪትን ኣቕራቢትን ራድዮ ቢቢሲ ምስ ኰነት፡ ድምጽን ባህልን ሃገራት ካሪብያን ምስ ዓለም ከተፋልጦ ዝኸኣለት ክነሳ ስማ ቅሂሙ ብምትራፉ፡ ሰር ለኒ ሄንሪ ንምንታይ ንዛንታ ማርሰን ዳግማይ የበራብሮ ከምዘሎ ይገልጽ።
ሌኒ ሄንሪ እንግሊዛዊ ተዋሳኣይ፡ ኮሜድያን፡ ደራፋይ፡ ኣቕራቢ ተለቪዥንን ጽሓፍን እዩ። ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘለዎ ጸሊም እንግሊዛዊ ዜጋ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ብዋዛ ዘቕርቦ ዛዕባታት ድማ ንኣፍሪቃዊ-ካሪብያዊ ሱሩ ዝጽንብልን ዘገልግልን እዩ።
ሌኒ ተፈላጥነት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ህይወት ጸለምቲ ዓዲ እንግሊዝ እቲ ዝለዓለ ተራ ዘለዎ ሰብ’ዩ ክበሃል ይከኣል፤ ምኽንያቱ ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣስሚሩ ብዋዛ ናይ ምግላጽ ክእለት ስለ ዘለዎ፡ ብምልኡ ሕብረተሰብ እንግሊዝ - ጸሊም ይዅን ጻዕዳ - ዘኽብሮ ሰብ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ንሱ በቲ ንድኻታት ዝሕግዝ ‘ኮሚክ-ረሊፍ’ ዝበሃል መደቡ ኣቢሉ ሚልዮናት ኣበርኪቱ’ዩ።
‘ኮሚክ ረሊፍ’ ብ1985 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጥሜት ምላሽ ንምሃብ ሌኒ ሄንሪ ምስ ሓደ ብጻዩ ኰይኑ ዝመስረቶ ትካል ግብረ-ሰናይ ብሪጣንያ እዩ። ‘ኮሚክ ረሊፍ’ እንግሊዛውያን ኮሜድያናት ተኣኪቦም ንህዝቢ ንክስሕቕ ምግባር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ንዝርከቡ ስኡናት ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ቅዱስ መደብ ዘለዎ ማሕበር’ዩ፤ ኣዝዩ ዕዉት ዝገበሮ ንሱ’ዩ።
እንሆ ኸኣ ሕጂ ብ ‘ዳግላስ ሮድ ፕሮዳክሽንስ’ ኣቢሉ ንታሪኽን ኣበርክቶን ጸለምቲ ዝዅልዕ፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ መንጐ ጸዓዱን ጸለምትን ጽኑዓት ድልድላት ኣብ ምህናጽ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ዛንታ ኡና ማርሰን ንምግላጽ ነቲ ከቢድ ስርሓ ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ስርሓ ቀዳመይቲ ጸላም ኣብ መንጐ ጸዓዱ ስለ ዝነበረት ስርሓ ቀሊል ኣይነበረን። በቲ ኣብ ከባቢኣ ትዕዘቦ ዝነበረት ዓሌትነት ተደፊኣ ኣብ ጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት ኣተወት። እቲ ሓላፍነት ጥብቅና ኣጥቢቝ ስለ ዝሓዛ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ኰይና ትሰርሕ ከም ዝነበረት ሌኒ ሄንሪ ይምስክር።
ብመሰል ጸለምቲ ክትጣበቕን ንግናይ ዝባህሪኦም ዘርአኛታት ሰባት ክትምክትን ክትቋመትን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኣ ሸለል በለት። ብእኡ ዝተኣታተወ ኸኣ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣውደቘ።
ንድሕሪት ምስ እንርኢ ታሪኻ ምስ እንርኢ፡ ኡና ማርሰን ብ1905 ኣብ ሳንታ-ክሩዝ ዝበሃል ገጠር ጃመይካ’ያ ተወሊዳ። ንሳ ካብ ሽድሽተ ኣሕዋታ ሕሳስ-ልደ ኰይና ብክንክን ዝዓበየት ሰብ’ያ ነይራ። ኣቦኣ ቀሺ ናይ መጥምቓውያን ቤት-ክርስትያን (Baptist) እዩ ነይሩ።
ኡና ኣብ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ተማሂራ። ኣብኡ እቲ ንመጻኢ ህይወታ ኣብ ስራሕ ንክትነጥፍ ዘኽእላ ጥበብ፣ ሓጺር-ጽሕፈት፡ ጽሕፈት-መኪና፡ ምዕቡል እንግሊዘኛ ...ወዘተ. ተማህረት፤ ነቲ ዝነበራ ዓቕምን ክእለትን ከኣ ሰሓለቶ። ደራኺ ድፍኢታን ጉልበታን ብግቡእ ተጠቕመትሉ። ዝነበራ ጽፈትን ዕቱብነትን ተጠቒማ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኣውዓለቶ።
ኣብ ዕስራ ዕድመኣ ድማ ተሓጋጋዚት ኣሰናዳኢት ናይ ሓንቲ ፖለቲካዊት መጽሔት ‘ጃማይካ ክሪቲክ’ ኰይና ተቐልቀለት። ኣይጸንሐትን ግን፣ እቲ ሓለቓኣ ብዛዕባ ሕብረተሰባዊ ጕዳያት ኣይግድን ስለ ዝነበረ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ብስርሓ ኣይዓገበትን።
ሽዑ’ያ ንመንእሰያትን ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎምን ጃማይካውያን ኣንበብቲ ዝዓለመት ናይ ገዛእ ርእሳ መጽሔት ‘ዘ ኮስሞፖሊታን’ ዘበገሰት።
ኣብ 1928 ናይ ጃማይካ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ኣሰናዳኢት/ኣሕታሚት ኰይና ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ጸገማት ኣቓልቦ ንኽትመልስ ሓላፍነት ተሰሚዕዋ ተበገሰት፤ ‘ንፉዓት መንእሰያት ብናጽነት ሓሳቦም ክገልጹ ንምትብባዕ ዝከኣለና ኵሉ ንምግባር’ ከምኡ’ውን ‘ኣብ ደሴትና ስነ-ጽሑፋውን ካልእ ስነ-ጥበባውን ክእለት ንምምዕባል ዝተማህዘ ሜላ እዩ ነይሩ’ ይብል ሌኒ ሄንሪ።
ኰይኑ ድማ ኣብ ዝሰዓቡ ዓመታት፡ ብ1930 ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ’ንስትዮ ዝነበረ ድሑር ባህላዊ ኣተሓሳስባ ዝምክት እኩብ ግጥምታት - ኣብ ትሕቲ ‘ትሮፒክ ሪቨሪስ’ ዘርእስቱ መጽሓፍ (Tropic Reveries) ኣቕረበት። በቲ መጽሓፍ ብልጫ ክትረክብ ከኣለት።
ኣብ 1931 ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ጸገማት፡ ‘ዘ ኮስሞፖሊታን’ ሕትመት ስለ ዘቋረጸት፡ ዝያዳ ግጥምታትን ተዋስኦታትን ምሕታም ክትጅምር ምኽንያት ኰና። ኣብ 1931 ካልእ እኩብ ግጥምታት - ‘ቍመትን ዕምቈትን’ (‘Heights and Depths’) ዘርእስቱ - ብዛዕባ ፍቕርን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝገልጽ መጽሓፍ ኣሕተመት ነበረ።
ብ1931 ‘ክንደይ ዋጋ ዝኽፈሎ ዝምድና’ ‘At What Price’ ዘርእስታ መጽሓፋ ኣብ መድረኽ ዌስት-ኤንድ (ለንደን) ከም ዝቐርበት ዝዝከር’ዩ፤ ትሕዝቶ’ኡ ብዛዕባ ዝምድና ዝተሓዋወሱ ዓሌታት (ጸዓዱን/ጸለምትን) ዝገልጽ ተዋስኦ ድማ ነበረ።
ኡና ኣብ 1932 ንጽሑፋታ ብርክት ዝበሉ ኣንበብቲ ንክትረክብ ናብ ለንደን ዝተጓዕዘትሉ እዋን ነበረ። ሽዑ ዓቢ ጽልዋ ዝነበራ ሓያል ሓሳቢትን ጸሓፊትን እያ ነይራ ክበሃል ይከኣል ይብል ሌኒ ሄንሪ። ንሳ ግን ከይተረድኣ ኣብ ማእከል እቲ ንጸለምቲ ሰባት ዘዳሉ ሕብረተሰብ ዓለበት።
ኣብ ብቝዕ ስርሓት ንከይኣትዉ ዝዓግትን መንበሪ ገዛ ንኸይረኽቡ ኮለል ዘብሎምን፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወቶም ንኸማዕብሉ ዝድርትን ኣብ ሕብሪ ቆርበት ዝምርኰስ ደንደላ ኣጋጠማ።

ኡና ማርሰን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዙሕ ጽዒራ፡ኣብ ስራሕ ተጸሚዳ ኸኣ ንከርፋሕ ናብራ ደቂ ዓዳ ኣብ ዘርኢ ጕዳይ ብዙሕ ለፊዓን ኣበርኪታን’ያ፤ ግን ንባዕላ ናብራ ኣይጠዓማን።
ማርሰን ካብ 1932 ክሳዕ 1945 ናብ ለንደንን ጃማይካን ንየው ነጀው ትንቀሳቐስ ነበረት። ኣብ ፖለቲካ ዓለም ግን ርእይቶኣ ካብ ምብርካት ዓዲ ኣይወዓለትን፤ ኣብ ክንዲ ኣብ ምጽሓፍ መጽሔታት እተተኩር ግን ፖለቲካዊ ሓሳባታ ኣብ ኵሉ ንምብጻሕ ኣብ ጋዜጣታትን ዝሕተሙ ናይ ገዛእ ርእሳ ስነ-ጽሑፋዊ ርእይቶታት ከተቕርብ ትመርጽ ነበረት።
ኣብ’ተን ዓመታት እቲኣተን፡ ማርሰን ብመሰል ደቂ’ንስትዮ ብምጕስጓስ ጽሑፋት ተቕርብ ነበረት። ሓደ ካብቲ ሓድሽ ኣተኵሮኣ ግን ኣብ ጉዳይ ዓሌት ዓዲ እንግሊዝ እዩ ነይሩ ይብል ሌኒ ሄንሪ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘጓነፋ ዓሌትነትን ጾታዊ ምፍልላይን "ንህይወታን ንግጥማታን ክቕይሮ ክኢሉ’ዩ፣ እቲ ኣብ ግጥምታታ ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺ ዝያዳ ኣብ መንነት ጸለምቲ ደቂ’ንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ዘተኮረ ኮይኑ ንረኽቦ” ኢሉ ርእይቶኡ ይህበሉ - ሌኒ።
ካብ 1936-1938፡ ኡና ማርሰን ካብ ለንደን ንኪንግስተን (ጃማይካ) ብምጕዓዝ ኣብኡ ማሕበራትን ክለባትን ስነ-ጽሑፍ ክትተክል ከኣለት። ብዛዕባ እንታይነትን መንነትን ጸለምቲ ጸቒጣ ኸኣ ግጥምታት፡ ተዋስኦታት ርእይቶታት ብምቕራብ ንጃመይካ ምስ ጻዕዳ ዓለም ብዝያዳ ከተፋልጣ ክኢላ ጥራይ ዘይኰነስ ጸለምቲ ደቂ’ንስትዮ ሓቦ ገይረን ንቕድሚት ክደፍኣ ትቕስበን፡ ተተባብዐንን ከም ዝነበረት ኣብ ጽሑፋታን ግጥምታታን ንረኽቦ።
ኣብ ለንደን፡ 1938 -45
ብ1938፡ ኡና ናብ ለንደን ተመሊሳ ኣብቲ ኣብ ጃማይካ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት 'መድሕን ህጻናት' ስራሕ ክትቅጽል በቕዐት። ገንዘብ ከም ዝዋጻእ ብምግባር ቈልዑ ጃማይካ ትከናኸን ነበረት።
ኣብ መጋቢት 1940 ከኣ ብስነ-ጽሑፍ ኣቢላ ሃገራውነት ካሪብያን ንምንቕቓሕ ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ "መጽሓፍቲ ንደሊ - ንጸሓፍትና ግን ነተባብዕ ዲና?" ብዝብል ነቓፊ ኣርእስቲ ጽሑፋ ኣቕረበት።
ኣብ 1941፡ ብቢ.ቢ.ሲ. ኢምፓየር-ሰርቪስ ተቘጺራ፡ "ጻውዒት ንዌስት ኢንዲስ” (Calling the West Indies) ኣብ ዝብል መደብ ክትሰርሕ ጀሚራ፤ ጃማይካውያን ወተሃደራት ካልኣይ ኲናት ዓለም መልእኽቶም ብራድዮ ንስድራቤቶም ተንበብ ነበረት። ኣይጸንሐትን ከኣ ኣብ ዓመታ ኣፍራዪት ናይቲ መደብ ንኽትክውን ተመርጸት። ነቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት ተጠቒማ ኸኣ ነቲ መደብ ከም ዘለዎ ናብ ‘ድምጺ ደቂ ካሪብያን’ ለወጠቶ።
በቲ መደብ ራድዮ ኣቢላ ብዙሓት ዓበይትን ፍሉጣት ሰባትን ትረክብ ትፋለጦምን ነበረት፤ ጆሞ ኬንያታ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ማርከስ ጋርቪ (ፍሉጥ ጃማይካዊ ፖለቲካዊ ተቓላሳይ)፡ ሲልቭያ ፓንክሃርስት (ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ግዙፍ ተራ ዝተጻወተት እንግሊዛዊት ፈሚኒስትን ሶሻሊስትን ተቓላሲትን ጸሓፊትን)፡ ዊኒፍረድ ሆልትቢ፡ ፖል ሮቤሰን፡ ጆን ማዝፊልድ፡ ከምኡ’ውን ጆርጅ ኦርወል (ኣብ ዓለም ፍሉጥ እንግሊዛዊ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ዝነበረ)።
ስለዚ ኡና ብርክባታ ንገዛእ ርእሳ ዓባይ ሰብን ጸላዊት ሕብረተሰብ ከም ዝነበረት ክንርዳእ ንኽእል። እቲ እተካይዶ ዝነበረት ስራሕ ኰነ ቃልሲ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ግደኡ ሰሪሑ’ዩ። እቲ ጻዕቂ ስራሕ ኰነ ኣብ ዓለማ ዘጋጥማ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ጕዳይ ኣይመሓራን።
ብምሒር ጸቕጢ ናብራ ኣብ ግንቦት 1946 ብሕማም ስኪዞፍረኒያ ትሳቐ ከም ዝነበረት ምስ ተረጋገጸ ቢቢሲ ናብ ጃማይካ ክትምለስ ተሓባበራ።
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንዓዳ ምስ ተመልሰት ኣብኡ ኰይና ሓድሽ ህይወት ጀመረት። ናይ ገዛእ ርእሳ ትካል ሕትመት መስሪታ ንሕብረተሰባ ኣገልገለት።
ኡና ማርሰን፡ ኣብ ግንቦት 1965 ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድመኣ፡ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ኣብ ሆስፒታል ሴንት-ጆሴፍስ-ኪንግስቶን ዓሪፋ፣ ብ10 ግንቦት ድማ ኣብ መካነ መቓብር ሰበኻ ሃፍ-ዌይ-ትሪ ተቐብረት።
ድሕሪ ሞታ ድማ ስማ ካብ ገጻት ስነ-ጽሑፍን እናረሓቐ ከደ። ምስኡ ኸኣ ታሪኻ በኒኑ ጠፍአ። እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገደፈቶ ትርሲት ግን ሞይቱ ኣይሞተን። ቀስ ኢሉ ሱር ብምስዳድ እንሆ ኸኣ ተኽሉን ፍረኡን ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ይርአ።
ድሕሪ ሞት ኡና ማርሰን ብርክት ዝበሉ ግጥምታታ ክዝርግሑ ክኢሎም’ዮም።
ሓደ ብ ‘ዲልያ ጃሬት-ማካውሊ’ ዝተባህለት ዕውትቲ ጸሓፊት ብዛዕባ ዛንታ ህይወታ ብ1998፡ ደጊሙ’ውን ብ2010 ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣሎ። እዚ ብዘይካ እቲ ሓድሽ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝሕተም ዓቢ መጽሓፍ ምዃኑ’ዩ።
ኣብ ሳዘርክ (Southwark) ዝበሃል ኣብ ደቡብ ለንደን ዝርከብ ቦታ (ንሳ ትቕመጠሉ ዝነበረት ቦታ ምዃኑ’ዩ) ሓደ ቤተ-መጻሕፍቲ ብስማ ተኸፊቱ ኣሎ።
ኣብ 2022፡ ብዛዕባኣ ሰነዳዊ ፊልም ተለቪዥን ተሰሪሑ፡ ኣብ ቢቢሲ-2 ተፈንዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







