ቭላድሚር ፑቲን፡ ካበይ ናበይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መወዳእታ መዓልቲ መበል 20 ክፍለ ዘመን ሰላይ ነበር ቭላድሚር ፑቲን ግዝያዊ ፕረዚደንት ሩስያ ክኸውን፡ ንብዙሓት ምስጢራዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ከመይ ገይሩ ከቢድ እዋን ቍልዕነት ሰጊሩ ኣብ ክረምሊን ስልጣን ክሕዝ ክኢሉ?
ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ቦሪስ የልሲን ብ31 ታሕሳስ 1999 ዘሰንብድ መልኽቲ ኣሕሊፉ።
ብተለቪዥን ሃገሩ፡ "ሩስያ ሓደስቲ ፖለቲከኛታት፡ ሓደስቲ ገጻት፡ ሓደስቲ በላሕቲ፡ ሓያላትን ብርቱዓትን ሰባት ሒዛ ናብቲ ሓድሽ ሽሕ ዓመት ክትኣቱ ኣለዋ" ብምባል ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ኣፋሊጡ።
ኣብቲ እዋን ፍርቂ ለይቲ፡ ወራሲ የልሲን ዝመስል ቭላድሚር ፑቲን ንሓድሽ ሽሕ ዓመት ከም ሓድሽ ገጽ ኰይኑ ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ተቐልቂሉ፣ ናይ መጀመርታ መደረኡ ኣብ ተለቪዥን ኣስሚዑ።
ሽዑ "ናይ ሓይሊ ሃጓፍ ኣይክህሉን እዩ" ኢሉ ቃል ኣትዩ።
እቲ መደረ መጠንቀቕታ እውን እዩ ነይሩ። "ገደብ ሕጊን ቅዋም ሩስያን ዝጥሕስ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብወሳኒ መንገዲ ክጭፍለቕ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ቀጢን፡ ብቝዕን ልዙብን ፑቲን፡ ኣብታ ነቲ ዘይንቡር ባህርያት የልሲን ዝለመደት ሃገር ተፈታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
የልሲን ኣዝዩ ዝኸረሸን ጥዕና ዝጐድሎን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ቤት ጽሕፈት ክኣቱ እንከሎ ዜና ይኸውን ነይሩ።
ፑቲን ኣብ ነሓሰ 1999 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሰላይ ኬጂቢ ነበር እዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ግዝያዊ ፕረዚደንት ክኸውን እንከሎ ኣብታ ዝተበታተነት ሪፓብሊክ ቸቸንያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብዝነበሮ ተሪር መስመር ተፈታውነት ረኺቡ። ኣብ መጋቢት 2000 መረጻ ምስ ተኻየደ፡ ፑቲን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዳርጋ 53 ሚእታዊት ብምዕዋት ፕረዚደንት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። መብዛሕትኦም ሩስያውያን ልዕሊ ኵሉ ቍጠባዊ ምርግጋእ ከምዝደልዩ ምርጫታት ይሕብሩ ነይሮም።
ፑቲን ንመረጽቲ ዝሃቦ መሰረታዊ መልእኽቲ፡ ንሩስያ መሊሱ ሓያል ከምዝገብራ ቃል ዝኣቱ ነይሩ።
እቲ ሓድሽ መራሒ ሩስያ፡ ጠሓስቲ ሕጊ "ክጭፍለቑ ዝግበኦም ኣናጹ" ዝብል ተሪር ዘረባ ዝፈቱ ሰብ ምዃኑ ኣርእዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፑቲን ኣብታ ሽዑ ብለኒንግራድ እትፍለጥ ዝነበረት ሴንት ፒተርስበርግ እዩ ዓብዩ። ብዛር ጴጥሮስ ዓቢ ዝተመስረተት ከተማ ኰይና፡ ጽልዋ ምዕራባውያን ዝመልኣ ከተማ እያ ነይራ፤ ግን ከኣ ከም መቓልሕ ናይቲ ዓቢ ሃጸያዊ ሕሉፍ ሩስያ ትርአ ነይራ። ቢቢሲ ኣብ 2001 ምስ ናይ ቀደም ኣሰልጣኒ ጁዶ ፑቲን ዝዀነ ኣናቶሊ ራክሊን ተዘራሪቡ ነይሩ።
እቲ ኣሰልጣኒ ፑቲን ጋንታ ኦሎምፒክ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎ ኮኾብ ተምሃራይ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
ዓርኪ ቍልዕነቱ ዝዀነት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ማርያ ኦሶሪና ኣብ 2003 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ተሪር ሃዋህው "survival of the fittest" "ንእሽቶ፡ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣረግቶት ወለዲ ስለዝተወልደ፤ ስለዚ ድማ ከይተሃርመ ሓያል ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ" ትብል።
እታ ስድራ ድልዱል ክብርታት ግቡእን ሃገራውነትን ተኣማንነትን ከም ዝነበራ ድማ ትገልጽ።
"ወለዱ ኣዝዮም እዮም ዘፍቅርዎ ነይሮም፤ ህርመት ዓለሞም እዩ ነይሩ። ባህርያቶም ግን ብተፈጥሮ ኣዝዩ ዝተገትአ እዩ ነይሩ - ብሓቂ ስምዒታቶም ኣየርእዩን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን ክስዕምዎ እኳ ኣይደልን።"
ኣብ 1991 ፑቲን ምክትል ሓድሽ ከንቲባ ከተማ ለኒንግራድ ኣናቶሊ ሶብቻክ ኰይኑ።
ምምሕዳር የልሲን ናብ መወዳእታኡ እናተጓዕዘ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ፑቲን ክሳብ ኣብ 1999 ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ብስዉር ተላዒሉ። እቲ ካብ ዘይተሓስበ ዝመጸ ፑቲን፡ ሃንደበት ኣብ ኵሉ ቦታ ክርከብ ጀሚሩ።
ፑቲን ንርብዒ ዘመን ኣብ ስልጣን ጸኒሑ እዩ። ድሕሪ ውልቀ መላኺ ሶቭየት ጆሴፍ ስታሊን ካብ ዝዀነ መራሒ ክረምሊን ንላዕሊ ኣብ ስልጠን ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሕጂ ዕድመኡ 72 ዓመት ዝዀነ ፑቲን ኣብ እዋን ሲመተ ፕረዚደንትነቱ ኣብ ዘመሓላለፈሉ እዋን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፖል ኪርቢ፡ "ኵሉ ተቓውሞ መግዛእቱ ጠፊኡ፡ እንተደልዩ ድማ ክሳብ 2036 ካብ ምጽናሕ ዝዓግቶ ነገር ዳርጋ ውሑድ'ዩ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







