ዩክረይን ዝቘሰለ ወተሃደር ሰሜን ኮርያ ማሪኻ ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ዩክረይን፡ ንዂናት ሩስያ ንምድጋፍ ዝተላእከ ውጉእ ወተሃደር ሰሜን ኮርያ ከም ዝሓዙ፡ ትካል ስለያ ደቡብ ኮርያ ብዓርቢ ኣረጋጊጹ።
እዚ ወተሃደር`ዚ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሩስያ ንምድጋፍ ኣብ ታሕሳስ ሓይልታታ ናብ ዩክረይን ድሕሪ ምስዳዳ ዝተማረኸ፡ ቀዳማይ ሰሜን ኮርያዊ ምዃኑ ይእመነሉ።
ሓቅነት ናይዚ ሓበሬታ ዝተረጋገጸ፡ ስእሊ ናይቲ ውጉእ ወተሃደር ኣብ ተሌግራም ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ዩክረይንን ደቡብ ኮርያን፡ ሰሜን ኮርያ ልዕሊ 10,000 ወተሃደራት ናብ ሩስያ ከም ዝለኣኸት እኳ እንተ ገለጻ፡ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ግን ነዚ ሓበሬታ`ዚ ዘረጋግጽ ኰነ ዝነጽግ ሓበሬታ ዛጊት ኣይሃባን።
ያንግ ዩክ፡ ተመራማሪ ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ እስያ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ፡ ኣብ መስርሕ ምምራኽን ምቕታልን ናይ መጀመርታ ተርእዮ እዩ፡" ኢሉ። "ንዩክረይን ድማ ምስ ሩስያ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥ ብዝያዳ ይጠቕማ፡" ክብል ይገልጽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ኣተኲሮም ዝወጽኡ ኣሳእል ከም ዘረጋግጹዎ፡ "ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብቲ ብሩስያ ዝካየድ መጥቃዕቲ ብብዝሒ ክዋፈሩ እዮም፡" ብምባል፡ ሚስተር ያንግ ግምታቱ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ "ዜጋታት ሰሜን ኮርያ ምዃኖም ንርምግጋጽ በዳሂ ክኸውን`ዩ፡" ክብል ይውስኽ።
ሓይልታት ዩክረይን፡ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናይ ሓሶት መንነት ሩስያ ከም ዝተዋህቦም ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራት ሩስያ ሬሳታት እና'ቃጸሉ ዘርኢ ስእሊ ብምልጣፍ፡ ሩስያውያን መንነት ዝተቐትሉ ሰሜን ኮርያውያን ንምሕባእ፡ ነቲ ተግባር'ቲ ከም ዝፈጸምዎ ገሊጹ።
ዘለንስኪ፡ ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ኣብ ዝዋግእሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ልዕሊ 3,000 ሰሜን ኮርያውያን ከም ዝመቱ ወይ ዝቘሰሉ ብሰኑይ ገሊጹ። እዚ ምትሕብባር ሩስያን ሰሜን ኮርያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ፡ "ሓደጋ ዘይምርግጋእ" ከዕብዮ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 እያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ጀሚራ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያ ድሕሪ ምውፋሩ ድማ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ልፍንቲ ይዓቢ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።
እዚ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ኮርያታት ወጥሪ ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ ግዜ ዝስዕብ ዘሎ ምዕባለ'ዚ፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ይርከብ። እታ ናይ ነዊሕ እዋን ምሓዛ ናይ ክልተአን ሃገራት ዝዀነት ቻይና ድማ ነቲ ዝምድና ብጥንቃቐ ትከታተሎ ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







