ኲናት ዩክረይን፡ ወተሃደራት ኮርያ ኣብ ጐድኒ ሩስያ ተሰሊፎም ድዮም?

ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ምርኢት ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, ED JONES/AFP

ሩስያ ምስ ከም ሰሜን ኮርያ ዝበሉ ስርዓታት ዘለዋ "ምሕዝነት" ተበርኾ ከምዘላ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ። ፒዮንግያንግ ንሓይልታት ሩስያ ንምድጋፍ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ከምዝልኣኸት'ውን ይገልጽ።

ዘለንስኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉን፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ዝሓዘሉን'ዩ ነቲ መግለጺታት ክህብ ተሰሚዑ ዘሎ።

ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ጸብጻባት'ውን እናወሰኸ ክኸይድ ጸኒሑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 'ኢንተርፋክስ-ዩክረይን' ከምኡ'ውን 'ኪቭፖስት' ዝተባህላ መርበባት ዜና፡ ብ3 ጥቅምቲ ሽዱሽተ ወተሃደራዊ መኮንናት ሰሜን ኮርያ ብሚሳይላት ዩክረይን ከምዝተቐትሉን ካልኦት ሰለስተ ከምዝቘሰሉን- ንምንጭታት ስለያ ዩክረይን ብምጥቃስ- ጸብጺበን ነይረን። እቶም መኮንናት ኣብ ሓደ ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን ዝርከብ መሰልጠኒ ማእከል'ዮም ነይሮም'ዩ ዝበሃል ዘሎ።

እቶም ምንጭታት ከምዝብልዎ፡ እቶም ኮርያውያን ምስ ሩስያውያን ብጾቶም "ተመኵሮ ክለዋወጡ'ዮም" ናብቲ ቦታ ከይዶም። ግን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካላት ጸጥታ ዩክረይን ከምዝሓበርዎ፡ ሓደ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጸ ወተሃደራዊ ክኢላታት፡ ብፍላይ ድማ መሃንድሳት ዝሓዘ ጕጅለ ኣብቲ ሓይልታት ሩስያ ዝቈጻጸርዎ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣትዮም ነይሮም። ሩስያ፡ ብዛዕባ'ቲ ጸብጻብ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።

ብ8 ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኪም ዮንግ-ሂዩን፡ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ከተዋፍር "ልዑል ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ኣብ ዞባ ዶንባስ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ቅትለት መኮንናት ሰሜን ኮርያ ድማ "ሓቂ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

"ሩስያን ሰሜን ኮርያን፡ ምስ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝዳረግ ስምምዕ ፈጺመን ብምህላወን፡ ናብ ግንባር-ኲናት ሰራዊት ምስዳድ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ" ክብል እቲ ሚኒስተር ንማዕከን ዜና ዮንሃብ ተዛሪቡ። ሞስኮን ፒዮንግያንግን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 'ሓፈሻዊ ስትራተጂያዊ ሽርክነት' ክህልወን መራሕተን ኪም ዮንግ-ኡንን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፈሪሞም ነይሮም።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ይወጽእ ነይሩ'ዩ። ኣብ መስከረም 2023፡ ፑቲን ንኪም ዮንግ ኡን ኣብ መደበር ጠፈር ሃገሩ ኣብዘአንገደሉ እዋን "ፈጺሙ ትርጕም ዘይብሉ'ዩ" ክብል ነቲ ጸብጻባት ነጺግዎ ነይሩ።

ኣብ ሰነ 2024፡ ነቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ምክልኻል ዘጠቓለለ ስምምዕ ምስ ፈረሙ ብዛዕባ ተኽእሎ ተሳትፎ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ተሓቲቱ ነይሩ።

"ብዛዕባ'ዚ ዝሓተትናዮ ወገን የለን፡ ዘቕረበልና'ውን የለን" ክብል'ዩ ፑቲን መሊሱ።

እናሓየለ ዝመጸ ምትሕግጋዝ

ፕረዚደንት ፑቲንን ኪም ጆንግ-ኡንን ኣብ ፒዮንግያንግ

ምንጪ ስእሊ, VLADIMIR SMIRNOV/POOL/AFP

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሞስኮን ፒዮንግያንግን ዘለወን እናሓየለ ዝመጸ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ካብ ዓይኒ ዓለም ናይ ምኽዋል ዝምባለ የብለንን።

ኣብ ሰነ 2023፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሰርገይ ሾይጉ "ወተሃደራዊ ርክብ ንምትራር" ናብ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኪም ዮንግ ኡን ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሩስያ ዝርከብ መደበር ጠፈር ቮስቶችኒ ኣትዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሱክ ዮል ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር ብምሃብ፡ ኣምሳያኡ ምዕቡል ወተሃደራዊ ተክኖሎጂ ክትቅበል ከምእትኽእል ኣሚቱ።

ብ16 ጥቅምቲ 2023 ድማ፡ ብሪጣንያዊ ትካል መጽናዕቲ ጉዳያት ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ ብርክት ዝበለ ጠያይቲ ንሩስያ ተቕርበላ ከምዘላ ብምስልታት ሳተላይት ብምስናይ ጠቒሱ ነይሩ።

ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ግን እቲ ጸብጻብ ሓቅነት የብሉን ክብል'ዩ ነጺግዎ።

"ስለያ ብሪጣንያ ጥራይ ኣይኮነን፡ ስለያ ኣመሪካ'ውን እዩ። ኩሎም'ዮም ኵሉ ግዜ ዘውጽእዎ፡ ዘቕርብዎ መርትዖ ግን የብሎምን" ክብል ፐስኮቭ ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ ካብ መወዳእታ 2023 ኣትሒዙ፡ ሓይልታት ሩስያ ዝተጠቕምሉ ስርሓት ሰሜን ኮርያ ዝዀነ ቀልሃታትን ፈንጂታትን ኣብ ዓንኬላት ሰራዊት ሩስያ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ ክዝረበሉ ተሰሚዑ'ዩ።

ኣብ ጥሪ 2024፡ ኣፈኛ ቤትምኽሪ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ኪርቢ፡ ሩስያ ካብ ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዝተቐበለትን ኣብ ኲናት ዩክረይን ከምዝተጠቕመትሉን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ፒዮንግያንግ ድሕሪ ምምላሱ ሰሜን ኮርያ ገለ ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ሃንደሳን መሃንድሳትን ናብ ኲናት ዩክረይን ከተዋፍር ውጥን ከምዝነበራ ማዕከናት ዜና ሩስያ ክጽብጽባ ጀሚረን።

ሓደ ምንጪ ን'ኩሱን' ዝተባህለ መደበር ተለቪዢን ደቡብ ኮርያ ከምዝሓበሮን፡ ትካል መጽናዕቲ ኲናት ኣመሪካ ከምዝብሎን፡ ሰሜን ኮርያ "10 በራጊድ ሃንደሳ ኣለዋ፤ ካብዚኦም ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ናብ ሩስያ ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም"። ኣምሳያ ናይዚ ድማ፡ ፒዮንግያንግ ዓመታዊ 15 ሚልዮን ዶላር ካብ ሞስኮ ክትቅበል ተሰማሚዓ ክትከውን ትኽእል'ያ ክብል እቲ ሓበሬታ የመልክት።

"እዚ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ክርድኣኒ ኣይክኣለን" ክብል'ዩ ኣፈኛ ክረምሊን ፐስኮቭ ነቲ ጸብጻብ መልሲ ሂቡሉ።

ኣብ ሓምለ ድማ፡ ሓደ ኣሰልጣኒ ጕጅለ ፍሉይ ሓይልታት ናብ ሩስያ ምብጻሕ ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ብፕረዚደንት ኪም ኢል ሳንግ ወተሃደራዊ ዩኒቨርሲቲ፡ ኪም ጉም ኮል፡ ዝምራሕ ኰይኑ፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም ንፈለማ እዋን ኣብ መንጐአን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ርክብ'ዩ።

ፐስኮቭ፡ ብዛዕባ ዕላማ ምብጻሕ ናይቲ ጕጅለ ዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ክወከስዎ ከምዘለዎም'ዩ ተዛሪቡ።

ኣገደስቲ ሓቅታት ሰራዊት ሰሜን ኮርያ

ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ስልጠና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ልክዕ ከምታ ሃገር ኣዝዩ ዕጹው ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኣቃውማኡ ብዙሕ ዘይፍለጥን ናይ ምውጋእ ዓቕሙ ኣካታዒን እዩ።

ካብ ካልእ ሰራዊት ምርኡይ ዝገብሮ ግን ቍጽሩ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓፈሻዊ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንደቂኣንስትዮ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ዝጸንሕ'ዩ፤ ምንዋሕ ካብ ኣሃዱ ናብ ኣሃዱ ዝፈላለ'ዩ።

ኣብ 2018፡ ሓይልታት ሰሜን ኮርያ ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል ራብዓይ ይስራዕ ምንባሩን 1.2 ሚልዮን ኣባላት ከምዝነበርዎን ዓለምለኻዊ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ የመልክት።

ኣባል ሩስያዊ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ዝዀነ ኣንደረይ ጉቢን ከምዝብሎ ግን እቲ ቍጽሪ ዝተጋነነ'ዩ። "ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቍጽሪ ህዝባዊ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ካብ 850,000 ዝዛይድ ኣይኰነን፣ 650,000 ካብኦም ድማ ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱታት ይርከቡ" ክብል ኣብ ሓደ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሰሜን ኮርያ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ ይጠቅስ።

ናይ ምኽታት ዓቕሚ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ሰፊሕን ዓቢን ምዃኑ'ውን ጉቢን ይገልጽ። "ብውሕዱ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ዕቑር ሓይሊ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብሓፈሻ 6.2 ሚልዮን ሰባት ናይ ምኽታት ጸጋ ኣለዋ" ይብል።

ሰሜን ኮርያ ዝተፈላለዩ ሓውሲ-ወተሃደራዊ ዝዀኑ ጕጅለታት ህዝባዊ ሚሊሻ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

"እቶም ሓውሲ-ወተሃደራዊ ኣካላት፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ቀይሕ ሓለዋ ሰራሕተኛታትን-ሓረስቶትን (ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት)፣ 700,000 ኣባላት ዘለዎ ቀይሕ ሓለዋ መንእሰያት (ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ)፣ ከምኡ'ውን 30,000 ወተሃደራት ህዝባዊን ሃገራዊን ጸጥታ።"

እታ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ማዕቀባት ምዕራባውያን ሃገራት እትነብር ሰሜን ኮርያ ከቢድ ሕጽረት ባጀት ዘለዋ'ኳ እንተዀነት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰደ ምእዙዝ ህዝቢ ስለዘለዋ፡ ነተን ሒደት መሓዙታ ንምድጋፍ ዘጸግማ ኣይኮነን።

እንተዀነ ብቐሊሉ ዝግበር ኣይኰነን።

ክስተር ዝክኣል ኣይኮነን

ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ብቅርጺ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝተሃንጸን ተክኖሎጂ ሶቭየት ዝጥቀምን እዩ። ግን፡ ዘይከም ሰራዊት ሩስያ ናይ ወግእ ተመኵሮ ዘለዎ ኣይኰነን።

ስለዝዀነ፡ ብዘይ ቀንዲ ኣሃዱታቱ (ሞቶራይዝድ ኣጋር ኣሃዱታት) ኣብ ኲናት ዩክረይን እንታይ ዓይነት ግደ ክጻወት ከምዝኽእል ንጹር ኣይኰነን። ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣካል ዓቢ ሓይልን መካናይዝድን ኮይኖም ዝሰልጠኑ እዮም።

እዚ ስልቲ'ዚ ድማ ኣብ ኲናት ዩክረይን ከምዘይሰርሕ ሰራዊት ሩስያ ብተደጋጋሚ ዘረጋገጾ'ዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ፡ ብድሩዓት መካይንን ታንክታትን ምጥቃዕ እናነከዮ መጺኡ።

ብንኣሽቱ ጕጅለታት ስርሒታት ክፍጽሙ ይኽእሉዶ? እዚ'ውን ልዑል ደረጃ ምውህሃድን ምርድዳእን ዝሓትት'ዩ፤ ናይ ቋንቋ ደረት'ውን ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ክልቲኡ ኣማራጺታት ከኣ ናይ ሰብ ክሳራ ምስዓቡ ዘይተርፍ'ዩ፤ እዚ ድማ'ዩ እቲ ወሳኒ ነገር።

ስለዚ ድማ'ዩ ተሳትፎ ፒዮንግያንግ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሩስያ ክስተር ዘይክእል ዝኸውን።

ብዙሓት ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ክቕተሉ ወይ ክማረኹ ስለዝኽእሉ፡ ዩክረይን ድማ ነዚ ንዓለም ከተቃልዖ ዕድል ክትረክብ'ያ። ብዘይካ'ዚ መንግስታዊ ፕሮፖጋንዳ ዝዋጥየሉ ዘይጸዓድ ምስሊ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ክኽሻሕ ይኽእል'ዩ።

"ኣብ እዋን ሰላም ናይ ምውጋእ መንፈስን መስዋእቲ ናይ ምኽፋል ድልውነትን [ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ] ብመርትዖ ምቕማጥ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ኣብቲ ካብ 1950 ክሳብ 1953 ዝተኻየደ ኲናት ኮርያ ዝተራእየ ኣብነታት ውልቃዊ ጅግንነት እኹል መርትዖ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ" ይብል ኣንድረይ ጉቢን።

ሓይልታት ሰሜን ኮርያ ኣብ ክንዲ ርእሶም ክኢሎም ዝዋግኡ ምስ ኣሃዱታት ሩስያ እንተ ተሓናፊጾም'ውን ንመሪሕነት ፒዮንግያንግ ሓደጋ ከምጽኣሉ ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዋላ'ኳ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነት እንተሃለወ፡ መራሕተን ሰፊሕ ፍልልይ ስነሓሳብ ከምዘለዎም'ዩ ዝፍለጥ።

ሕሱር ሸቃላይ ሓይሊ

ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ጀነራላቱ ወተሃራዊ ተዂሲ እናተዓዘበ

ምንጪ ስእሊ, KCNA/Reuters

ኵሎም እዞም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ግን፡ ሰሜን ኮርያ ጠቕሊላ ኣብቲ ሩስያ ዝኣወጀቶ ኲናት ዩክረይን ክትሳተፍ ኣይትኽእልን'ያ ዘብሉ ኣይኰኑን።

ፒንዮንግያንግ ገንዘብን ተክኖሎጂን የድልያ እዩ፤ ሞስኮ ድማ ወተሃደራትን ተተኮስትን ትደሊ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክህልዎም ይደልዩ እዮም።

ንነዊሕ እዋን፡ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ምንጪ ሕሱር ዕዮ እታ ሃገር ኰይኑ'ዩ ከገልግል ጸኒሑ። ዝበዝሕ ኣሃዱታት ብተምሳል በጦሎኒታት ህንጻ ሕብረት ሶቭየት ዝተቐርጹ እዮም።

መሃንድሳት ሰሜን ኮርያ ዝሃንጽዎ መከላኸሊ ዕርድታት ብወተሃደራዊ ክኢላታት ዓለም ናእዳ ዘትረፉ እዮም።

ከምዚኦም ዝበሉ ኣሃዱታት ንሰራዊት ሩስያ ኣገዳሲ ደገፍ ክህቡ ዓቕሚ ኣለዎም።

ኣብ ድሕሪት ተሰሊፎም፡ ከም ገለርያታት፡ ዕርድታት፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ዝበሉ ወተሃደራዊ ትሕተ-ቅርጽታት ኣብ ምህናጽ ክዋፈሩ ይኽእሉ።

ከምዚ ብምግባር ድማ ሰራዊት ሩስያ ዘለዎ ዓቕሚ ካብ ድሕሪት ናብ ቅድመ-ግንባር ብምስላፍ ሓይልታቱ ክድርዕ ይኽእል።