ዩክረይን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ መጥቃዕታ ብምሕያል ካልኣይ ስትራተጂያዊ ቢንቶ ኣዕንያ

ካብቲ ብሰራዊ ዩክረይን ዝተዘርገሐ ቪድዮ ዝተዘርገሐ ቪድዩ ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian Armed Forces

ዩክረይን ናብ ሩስያዊት ዞባ ኩሩስክ ገጻ ኣብ እተምርሓሉ ዘላ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካልኣይ ኣገዳሲ ቢንቶ [ድልድል] ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ።

ሰራዊት ዩክረይን ትማሊ ሰንበት ካብ ሰማይ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምስናይ’ዩ እቲ ቢንቶ እናዓነወ እንከሎ ኣርእዩ።

እቲ ቢንቶ ብልዕሊ ፈለግ ሰይም ዝሓልፍ ኰይኑ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ድሕሪ ስዓታት ምፍራስ እቲ ቢንቶ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ሰራዊቱ ናብ ዞባ ኩርስክ ዘምርሓሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ካብ ሩስያ ክምጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ መሬት ሩስያ ኴንካ ንምምካኑ ዝዓለም ከምዝዀነ ገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም፡ ዩክረይን ናብ መሬት ሩስያ ኣትያ መጥቃዕቲ ክትፈጽም እዚ ናይ ፈለማ ኰይኑ፡ ነዚ ጸረ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምሮ ክልተ ሰሙና ኣቝጺራ ኣላ።

ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ሌተናል ጀነራል ሚኮላ ኦለስቹክ ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “ሕጂ ከኣ ሓንቲ ቢንቶ ኣጉዲልና” ኢሉ።

እቲ ጀነራል ኣስዒቡ፡ “ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ሎጂስተካዊ ቀረባት ጸላኢ ንምድኻም ኣብ ዘነጸሮ ዕላማ ብግቡእ የጥቅዕ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ካብ ጸላኢ ክምጽኣና ንእኽእል ምትንዃያት ዝንኪ’ዩ” ኢሉ።

እዚ ብልዕሊ ፈለግ ሰይም ዝሓለፍ ስትራተጂያዊ ቢንቶ ሓደ ካብ ቀንዲ ሰራዊት ሩስያ ዝመሓላለፍሉ ዝነበሩ መስመር’ዩ።

ዘለንስኪ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሰራዊቱ ኣብ ዞባ ኩረስክ ኣዝዮም ኣገደስቲ ቦታታት ይቈጻጸር ከምዘሎ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ሚክሃይሎ ፖዶልያክ ብወገኑ፡ ዩክረይን ትወስዶ ዘላ ጸረ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ናብ ሰለማዊ ዘተ ንኽትኣቱ ንምግዳድ’ምበር ንሩስያ ንምውራር ሃቐነ ዘለዎ ከምዘይኰነ ኣነጺሩ።

ሩስያ ብወገና ነቲ ዩክረይን ትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ዓጸፋ መልሲ ክትህበሉ ምዃና ሓቢራ።

ሰራዊት ዩክረይን ብምዕራብ ሩስያ ቦታታት ክሕዙ እንከለዉ ሩስያ ብወገና ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ሓያለ ቦታታት ትሕዝ ከምዘላ ይፍለጥ።

በቲ ሩስያ ትቈጻጸሮ ዘላ ክፋል ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ኒዩክለሳዊ ጸዓት፡ ኣብ ጥቓኡ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣሻቓሊ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ካብቲ ኒክለሳዊ ጸዓት 100 ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኒዩክለሳዊ ጸዓት ኲናት ጅምር ምስ በለ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ቦታ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸዓት ክልቲኤን ሃገራት ንሓድሕደን ዝተኻሰሳሉ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣጋጢምዎ’ዩ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ብዩክረይን ተደፊኣ መሬታ ክትሓድግ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰራዊት ባዕዲ ንመሬታዊ ግዝኣት ሩስያ ደፊኡ ክኣቱ’ውን እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።