ዩክረይን ቀዳሞት 'ኤፍ-16' ነፈርቲ ውግእ ተቐቢላ

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ስርሓት ኣመሪካ ዝዀና ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ከም ዝተቐበለት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ መደበር ኣየር ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ተረኺቡ፡ “ኤፍ-16 ኣብ ዩክረይን ኣለዋ፣ ኣሳኺዕናዮ” ኢሉ።

እቲ መራሒ ዩክረይን ነተን ኣብ ሓደ እዋን ነዘን ነፈርቲ ንምሃብ ላንጋላንጋ ዝነበራ መሻርኽቱ ዝዀና ሃገራት ኣመስጊኑ። ሕጂ'ውን ብዙሕ ከም ዘድሊ ተዛሪቡ።

ምብጻሕ እዘን ነፈርቲ ንዓቕሚ እቲ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ዝምርኮስ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ወሳኒ ምዕራፍ እዩ።

ኣብ ዝሰዕቡ ኣዋርሕ ተወሰኽቲ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ናብ ዩክረይን ክኣትዋ ድማ እታ ሃገር ተስፋ ኣንቢራ ኣላ።

እንተዀነ ዩክረይን ነዘን ነፈርቲ ውግእ ከብርሩ ዝኽእሉ ዝሰልጠኑ ፓይለታት ከም ዘይብላ ዘለንስኪ ተኣሚኑ።

እቲ ፕረዚደንት ክንደየናይ ነፈርቲ ናብ ዩክረይን ከም ዝኣተዋ ወይ ኵለን ካብተን ብፍሉይ ዘመስገነን ደኒማርክ፡ ኔዘርላንድን ኣመሪካን ድየን ተላኢኸን ዝብል ኣየነጸረን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ 2023 ኣውሮጳውያን መሻርኽቱ ነዘን ነፈርቲ ውግእ ክልእኻ ምስ ኣፍቀደ፡ ሃገራት ኔቶ ኣስታት 65 ኤፍ-16 ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ቃል ኣትየን ነይረን።

ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ኣብ 1978 እየን ተኣታትየን። ብዙሓት ምዕራባውያን ንኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ በተን ኣብ 2015 ዝተሰርሓ ኤፍ-35 ስርሓት ኣመሪካ ብምትካእ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ንምግባር ኣብ መስርሕ ይርከባ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሓይሊ ኣየራ ዝዀነ ዓይነት ነፈርቲ ኤፍ-16 የብላን። እንተዀነ ኣብተን ነፈርቲ ዝግጠም ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ስቶርም ሻደው ዝበሃል ሚሳይል ንኪቭ ተቕርብ ኣላ።

እዘን ሮኬታት፡ ቦምባታትን ሚሳይላትን ክስከማ ዝኽእላ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16፡ ዩክረይን ኣብ ዝተትሓዙ ግዝኣታትን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ናብ ዶብ ኣብ ዝቐረቡ ዒላማታት መጥቃዕትታት ንምፍጻም ከኽእላ እዩ።

ብተወሳኺ ኪቭ ካብ ሩስያ ንዝፍነዉ ግላይድ ቦምባታት’ውን ንምምካት ከኽእላ እዩ።

ዩክረይን ነዘን ብምዕራባውያን ተዓጢቓተን ዘላ ኤፍ-16 ምውሓስ እንተ ክኢላ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ንእግረኛ ሰራዊት ዩክረይን ብግላይድ ቦምባታት ዒላማ ክገብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ንምብጻሕ ዕዙዝ ግደ ክህልወን እዩ።

ኪቭ ገለ ካብዘን ኤፍ-16 ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ካልኦት ሃገራት ንምቕማጥ'ኳ ሓሳብ ኣቕሪባ እንተነበረት፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንነፈርቲ ዩክረይን ዝኸዘነ ወተሃደራዊ መደበር ምዕራባውያን ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማ ሩስያ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ እዩ።