ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ኤፍ-16 ዝዓይነተን ዘበናውያን ነፈርቲ ውግእ ክትዓጥቕ ፈቒዳ

ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካ፡ ምዕራባውያን መሻርኽታ ባዕላ ዝሰርሐተን ኤፍ-16 ዝዓይነተን ሓዊስካ ኣብ ዓለም ኣለዋ ዝበሃላ ዘበናውያን ነፈርቲ ውግእ ንዩክረይን ከዕጥቓ ፍቓድ ክትህብ ምዃና ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጃክ ሰሊቫን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ጃፓን ይሰላሰል ኣብ ዘሎ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7 ተረኺቡ ትማሊ ዓርቢ እቲ ሓሳብ ብወግዒ ምዝራቡ ገሊጹ።

ካብኡ ብተወሳኺ ወተሃደራት ኣሜሪካ ንዩክሬናውያን መዘናታቶም ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ስልጠና ክህብዎም ከምዝኾኑ ሰሊቫን ሓቢሩ።

ዩክረይን ምስ ሩስያ ኣብ ኵናት ካብ እትጽመድ ጀሚሩ፡ ምዕራባውያን መሻርኽቱ ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ክህብኦ ተደጋጋሚ ምሕጽነታ ከቕርብ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንውሳነ ኣሜሪካ “ታሪኻዊ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ንመሻርኽታ ዘዕጠቐተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ንኻልእ ወገን ኣሕሊፈን ክህባ እንተድኣ ደልየን ፍቓድ ኣሜሪካ ክረኽባ ዘገድድ ሕጊ ኣለዋ።

እቲ ሕጂ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተወሰነ ውሳነ ምዕራባውያን ሃገራት ዩክረይን እተን ነፈርቲ ውግእ ንኽትረክብ ማዕጾ ዘርሕው ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ሰራዊት ዩክረይን ሓይሊ ንኽረክብ ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ንዩክረይን ከበድቲ መሳርሕታት ውግእን መከላኸሊ ክሊ ኣየርን ንምሃብ ኣትየንኦ ዝነበራ ቃል ዘዘኻኸረ ሰሊቫን፤ “ሕጂ ድማ ዩክረይን ንገዛእ ርእሳ ንኽትከላኸል ብዝሓዝናዮ ውጥን መሰረት ሓይሊ ኣየራ ኣብ እተሕይለሉ ዛዕባ ንዝቲ ኣለና” ክብል ኣብ ጃፓን ሂሮሺማ ኮይኑ ተዛሪቡ።

እተን ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንምጥቃም ዘኽእሉ ስልጠናታት ይካየዱ ከምዘለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ እተን ነፈርቲ መዓዝ፣ መንን እንታይን ንዩክረይን ከምዝወሃብ ኣብ ውሳነ ክብጻሕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ውሳነ ምዕራባውያን ሃገራት እንታይ ከምዝኾነ ሎሚ ቀዳም ብዕሊ ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር። ፕረዚደንት ዘለንስኪ እቲ ውሳነ “ ሰራዊትና ኣብ ሰማይ ዘለዎ ዓቕሚ ዘሐይል’ዩ” ድሕሪ ምባል ኣብ ተግባራውነቱ ክዝትዩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ ካብተን ነፈርቲ ውግእ ወጻእ ካልኦት መሳርሕታት ኵናት ንዩክረይን ክተዕጥቕ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ'ኳ እንተኾነ እተን ነፈርቲ ውግእ ግን ከምዘይትህብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዩክረይን ኣብቲ እተካይዶ ዘላ ዓውደ ግንባር እንዳተገምገመ ካብ ኣሜሪካ ክወሃባ ምዃኑ ጃክ ሰሊቫን ገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ ዩክረይን እተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ክትዕጠቕ ምፍቃዳ እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን እታ ሃገርን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይሰጋገር ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ።

ኣብ ጃፓን ዋዕላ ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣሜሪካ፡ ዩክረይን እተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ንኽትዕጠቕ’ኳ እንተፍቀደትላ ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ንምስልጣን ክሳዕ 4 ኣዋርሕ ዝወስድ ብምዃኑ እተን ነፈርቲ ቀልጢፈን ናብ ውግእ ዘይከኣትዋ ይኽእላ’የን።

ኣሜሪካ እትሰርሐን ኤፍ-16 ዝበሃላ ነፈርቲ ውግእ ብቡዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ማእኸላይ ምብራቕን ዝተዓጠቓ ኮይነን ኣየኖት ሃገራት ንዩክረይን ንምሃብ ፍቓደኛታት ይኾና ዝብል ቀጺሉ ዝርአ’ዩ ዝኸውን።

ኤፍ-16 ዘይዓጠቓ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኔዘርላንድን ዴንማርክን እንከይተረፈ ንውሳነ ኣሜሪካ ደጊፈን ኣለዋ።

እተን ነፈርቲ ውግእ ዝዓጠቓ ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክሬናውያን ኣብረርቲ ስልጠና ንምሃብ ፍቓደን ዘርኣያ እምበር ብዕሊ እተን ነፈርቲ ክትህብ ቃል ዝኣተወት ሃገር የላን።

እዘን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ዩክረይን ክትዕጠቐ ምፍቃድ ማለት እቲ ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብ ዝገደደ ምዕራፍ ዘሳግርን ለገስቲ ሃገራት ምስ ሩስያ ብቐጥታ ናብ ሓዞ ትሰዶ ዘስዕብ’ዩ ካብ ዝብል መበገሲ ተቓውሞታት ይገጥሞ’ሎ።

እተን ኤፍ-16 ዝተሰመያ ነፈርቲ ውግእ፡ ዩክረይን ካብ ዓውደ ውግእ ወጻእ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ናቑጣታት ሩስያ ንምውቃዕ ዘኽእላ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ወተሃደራዊ ትንተናታት ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እንከሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ጃፓን ሂሮሺማ ዘካይድኦ ዘለዋ ዋዕላ ንምስታፍ ሎሚ ቀዳም ናብ ጃፓን ምእታዉ ተፈሊጡ ኣሎ።