ዩክረይን ኣብ መሬት ሩስያ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ከምዘይብላ ገሊጻ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጀርመን ካብ ብፕረዚደንት ፍራንክ-ዋልተር ሽታይንማይር ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጀርመን ካብ ብፕረዚደንት ፍራንክ-ዋልተር ሽታይንማይር ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣብ ጀርመን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ከም ዘይብላ ገሊጹ።

ዩክረይን ካብ ጀርመን ዓቢ ሓድሽ ሓገዛት ምክልኻል ከም ዝረኸበት ይፍለጥ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ በርሊን ምስ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዘተ ድሕሪ ምክየዱ፡ "ኣብ መሬት ሩስያ መጥቃዕቲ ክንፍጽም መደብ የብልናን" ኢሉ።

"ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተወረሩ ግዝኣታት ንምምምላስ ኢና ንጸረ መጥቃዕቲ ንዳሎ ዘለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ፡ ንዩክረይን "ኣድላዪ ክሳዕ ዝዀነሉ እዋን" ክድግፍ ምዃኑ ብምግላጽ 2.7 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ኣጽዋር ከም ዝህብ ቃል ኣትዩ።

እዚ ሓገዝ ሊዮፓርድ ዝተበሃላ ምዕቡላት ታንክታት ጀርመንን ንዩክረይን ካብ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ ንምክልኻል ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ስርዓታት ጸረ-ነፈርቲን የጠቓልል።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ "ካብ ምጅማር እቲ ምሉእ ወራር ጀሚሩ እቲ ዝዓበየ" ክብል ነቲ ሓድሽ ጽፍሒ ገሊጽዎ።

እቲ ኲናት ንኣተሓሳስባ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቀይሩዎ’ዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣበርክቶኣ ኣብ ሓደ ለይቲ ዳርጋ ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸት ይግለጽ።

ሩስያ፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዒላማታት ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ትኸስስ፤ ገለ ካብዚኦም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ክረምሊን ከም ዝተፈጸመ ዝሕበር መጥቃዕቲ ድሮን ይርከብዎም።

ዩክረይን ነቲ ክስታት ክትነጽግ እንከላ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ዝርከባ ግዝኣታታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንምምምላስ ሓይልን ካልእ ኣገባባትን ክትጥቀም ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ ትገልጽ። እዚኦም ድማ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ዝርከባ ኣርባዕተ ዞባታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2014 ብሞስኮ ዝተጎብጠት ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ይርከብዎም።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ኣቸን ተረኺቡ ክቡር ሽልማት ሻርለማግን ተቐቢሉ እዩ - እዚ ክብሪ እዚ ንሓድነት ኤውሮጳ ንምዕባይ ንዝግበር ጻዕሪ ዝወሃብ ክብሪ ኰይኑ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተዓወቱ ዊንስተን ቸርችል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ቢል ክሊንተንን ይርከብዎም።

ዘለንስኪ ዝጓዓዘላ ነፋሪት፡ ለይቲ ብኽልተ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ተዓጂባ ካብ ኢጣልያ ናብ ጀርመን ከም ዝበጽሐት ይፍለጥ።

ኣብ ሮማ ምስ ፕረዚደንት ኢጣልያ ሰርጅዮ ፕረዚደንት ማታሬላን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ተራኺቡ። ኣብ ሃገረ ቫቲካን’ውን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ብሕቲ ዘተ ኣካይዱ እዩ።

እቶም ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክወርድ ብቐጻሊ ይጽልዩ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ብተወሳኺ "ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ህዝቢ፡ ንጹሃት ግዳያት" ወራር ሩስያ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድሊ ኣስሚሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ንዘለንስኪ፡ ሃገራ ንሓድነት ዩክረይን ከም እትድግፍ ኣረጋጊጻ ኣላ።