ዓለም ኣብ ወሳኒ 'ነጥበ-መቐይሮ' ኣትያ'ላ- ቭላድሚር ፑቲን

ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መዓልቲ ዓወት መደረ እናስምዐ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ፡ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1945 ዴሳዊት ሕብረት ሶቬት ነበር ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ጸምቢላ።

እቲ ሃገራዊ "መዓልቲ ዓወት" ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየን፡ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሳተፍዎን'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ምስቲ ዝተዘከረ ኩነታት ካልኣይ ኲናት ዓለም ተመሳሳልነት ከምዘለዎ ኣሚቱ።

ኲናት ዩክረይን ንልኡላውነት ሃገሩ ንምክልኻል ይካየድ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።

"ሎሚ ስልጣነ ዓለም ዳግማይ ኣብ ወሳኒ ነጥበ-መቐይሮ ይርከብ ኣሎ" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ሃገሩ "ሰላማዊ መጻኢ" ክትርኢ ከምእትብህግ ገሊጹ።

"ናይ ብሓቂ ኲናት ኣብ ልዕሊ ወላዲት ሃገርና ተወሊዑ'ሎ፡ ግና ንዓለምለኻዊ ሽበራ ብምቅዋም፡ ንነበርቲ ዶንባስ [ምብራቕ ዩክረይን] ክንከላኸለሎምን ሃገርና ክንሕሉን ኢና"።

ዕላማ ናይተን ንዩክረይን ዝሕግዛ ዘለዋ ምዕራባውያን ሃገራት ሩስያ ክትወድቕ እዩ ክብል'ውን ፑቲን ከሲሱ።

እቲ ጽንብል ወተሃደራዊ ሰልፊን ምርኢት ኣጽዋርን ዝርከቦ መደባት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።

ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣብቲ ኣብ 'ረድ ስኴር' (ቀይሕ ቅርዓት) ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነስርዓት ክሳተፋ ዝነበረ መደብ ግን ተሰሪዙ'ዩ።

ኣብቲ ምርኢት ቀይሕ ሰራዊት ሶቬት ሕብረት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተቕመለን ታንክታት ተሳቲፈን ነይረን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሩስያ ናይ ዩክረይን እየን ዝበለተን ክልተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ክበራ ድሕሪ ምርካበን ከምዝዓነዋ ምግላጻ ይዝከር። ዩክረይንን ኣመሪካን ግን ኣብቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ከምዘይብለን ገሊጸን ነይረን።

ዘይከም ናይ ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ምዕቡላት ታንክታትን ሚሳይላትን ኣብቲ ጽንብል ኣይቀረበን።

ጽንብል መዓልቲ ዓወት

ዩክረይን ክሩዝ ሚሳይል ሩስያ ሃሪማ ከምዘውደቐት ገሊጻ

ሰብመዚ ዩክረይን፡ ንርእሰከተማ ኪቭ ዒላማ ዝገበረ 15 ክሩዝ ዝተባህለ ተመራሒ ሚሳይላት ሩስያ ሃሪሞም ከምዘውደቑ ሓቢሮም።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝተወንጨፈ 25 ክሩዝ ሚሳይላት እቲ 23 ኣብ ሰማይ እንከሎ ከምዝዓነወ ሰራዊት ዩክረይን ገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ሰብ ከምዘየለ ሰረሂ ፖፕኮ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ብዓልስልጣን ተዛሪቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ሃገራዊ መዓልቲ ዓወት ክትጽንብል ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት ሰዓታት'ዩ ተፈጺሙ።

Tu-95MS ዝተባህለት ድሮን ደብዳብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ማዕበላዊ ደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ከተካይድ ምቕናያ ይዝከር።

በቲ ደብዳባት ዛጊት ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለን ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ'ታ ክሳብ ሕጂ ክቆጻጸርዋ ዘይክኣሉ ንእሽቶ ምብራቓዊት ከተማ ባክሙት ሓደገኛ 'ጻዕዳ ፎስፎረስ' ቦምባታት ከምዝተጠቕሙ ሰብመዚ ዩክረይን ከሲሶም ነይሮም።

ዘለንስኪ ምስ ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ

ኡርሱለ ቮን ደር ለየን "ኪቭ ትርግታ ልቢ" ክብርታት ኣውሮጳ'ያ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ንኽብርታት ኣውሮጳ ዝከላኸል ምዃኑ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ተዘሪባ።

ብሰሉስ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደት ኡርሱለ ቮን ደር ለየን ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብምዃን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ "ኪቭ ትርግታ ልቢ" ክብርታት ኣውሮጳ'ያ ኢላ።

እቲ ፑቲን ኣብ ሩስያ ኣዕንይዎ ዝበለቶ ክብርታት ደሞክራሲ፡ ናጽነትን ሰላምን ምዃኑ'ውን ለየን ገሊጻ።

ክሳብ ሕጂ ዝተጓናጸፎ ዓወታት "ኣብ ልዕሊ'ዚ ወራሪ ክንዕወት ከምእንኽእል መርኣያ እዩ" ዝበለ ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝረኽብዎ ተተኮስቲ ተቐላጢፉ ክበጽሖም ተማሕጺኑ።

ሃገሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ከምእትደሊ ደጊሙ ብምርግጋጽ ድማ፡ ሰላም ብወራር ዘይኮነ ብሓድነት'ዩ ዝረጋገጽ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ጽዑቕ ደብዳባት ሚሳይላትን ድሮናትን ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ፑቲን ንጽንብል ሃገራዊ መዓልቲ ዝኸውን ወተሃደራዊ ዓወታት ንምምዝጋብ ዝሃቀኖ'ዩ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።