ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት መረጻ ቱርኪ 'ኢዳ ኣእትያ' ዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ

ሩስያ ኣብ መረጻ ቱርኪ ኢደይ ኣይእተኹን ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሕጹይ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ቱርኪ ከማል ኪሊዳሮግሉ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት መረጻ ቱርኪ ኢዳ ኣእትያ ኢሉ ምኽሳሱ ስዒቡ ሩስያ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ኢዳ ከምዘይሓወሰት ኣፍሊጣ።

ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲሜትሪ ፔስኮቭ፡ ‘ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኣይትኣቱን’ ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ “ንከማል ኪሊዳሮግሉ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣቕሪቦሙሉ እንተድኣኾይኖም ንሶም ሓሰውቲ’ዮም” ኢሉ።

መራሒ ተቓውሞ ቱርኪ ከማል ኪሊዳሮግሉ ኣብዚ ሎምዘበን ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ነቲ ንቱርኪ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝመርሐ ብርቱዕ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶጋን ይፈታተኖ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ሓያል ተነሓናሒ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶጋን ኮይኑ ዝመጽአ ከማል ብዛዕባ እቲ ‘ሩስያ ኣብ ጉዳይ መረጻ ቱርኪ ኢዳ ትሓውስ ኢላ’ ኢሉ ዝሃቦ ሓሳብ ዝርዝር ዝበለ ሓበሬታ ኣይሃበን።

እንተኾነ ግን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ብቋንቋ ሩስኪ ኣብ ትውተር ገጹ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሩስያውያን ኣብ ድሕሪ “ኣብታ ሃገር ዝእለሙ ሽርሕታት፣ ስኑዓት ሓበሬታ፣ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኢድ ኣለዎም” ክብል ከሲሱ።

ሩስያ ድሕሪ እቲ ቀዳምን ሰንበትን ዝካየድ መረጻ “ምሕዝነት” ቱርኪ ትደሊ እንተድኣኾይና “ኣእዳዋ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ክትስሕብ ይግባእ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ሽርክናን ምሕዝነትን ንደሊ ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዲሜትሪ ፔስኮቭ ብወገኑ ሩስያ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዝምድና ልዑል ዋጋ ከምእትህቦ ኣስሚሩ ተዛሪብሉ።

“ሪፓብሊክ ቱርኪ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጸገማት ኣዝዩ ሓላፍነት ዝስምዖ፡ ሉኣላውነቱ ሓልዩ ቅኑዕ መርገጺ ወሲዱ’ዩ። እዚ መርገጺ ኣባና እወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ናይ ሎምዘበን ፕረዚደንታዊ መረጻ ቱርኪ ቀንዲ ተነሓናሒ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ ከማል፡ ‘ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት መረጻ ኢዳ ትሓውስ ኣላ’ ዝብል ክሲ ንፈለማ ግዚኡ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ቱርኪ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ኢዶም ንምእታው “ዳርክ ዌብ” ኢሉ ዝጸውዖ ውዕሊ ንኸይፍጽሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

መንግስቲ ቱርኪ ብመገዲ ሸርፊ ወጻኢ ቢትኮይን ኣቢሉ ምስ ዝኸፍሎም ወጻእተኛታት ሰረቕቲ ሓበሬታ ስምምዓት ተገይሮም’ዮም ኢሉ ነይሩ።

ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ፕረዚደንት ፋህረቲን ኣልቱን ነቲ ርእይቶ “ርትዓዊ ዘይኮነ ምጥፋእ ሽም” ክብል ኣናኢስዎ።

መራሒ ተነሓናሒ ውድብ ፖለቲካ ኣብ ቀረባ ግዜ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቢ ቃለ መሕትት ፕረዚደንት ኮይኑ እንተድኣተዓዊቱ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ ቱርኪ ብምቕያር ዝምድና እታ ሃገር ምስ ሩስያ እንተይኮነስ ቀዳምነት ምስ ምዕራባውያን ክገብር ስለምዃኑ ኣተንቢሁ።

እንተኾነ ግን ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ መራሒ ተነሓናሒ ውድብ ፖለቲካ፡ ኡናል ሴቪኮዝ ብመንግስቲ ሩስያ ንዝድገፍ መደብር ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ምስ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊስ ዝምልከት ኣብ ጉዳይ ሩስያ ብዙሕ ለውጢ ከምዘይህሉን እቲ መራሒ ተቓዋሚ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሰናይ ምሕዝነት ክህልዎም”ዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።