ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ብዝሒ መወትቲ ብሸሞንተ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ምብራቓዊ ቱርኪ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ፡ ብሸሞንተ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 4,300 ሰባት ጎዲኡ ኣሎ። ድሕሪ 12 ሰዓት ኣቢሉ ከኣ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ካልኣይ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ።
ሰራሕተኛታት ድሕነት ቀዝሒን ውርጭን ኣብ ዝበዝሖ ኣኽራንን ሩባታትን እናዞሩ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝደሓኑ ሰባት የናድዩ ኣለው። ሓያሎ ሃገራት ዓለም ከኣ ኣብ ምድሓን ህይወት ዝሳተፉ ጋንታታት ድሕነት ምስ መሳርሒታተን ይልእካ ኣለዋ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጂኦሎጂካል መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቲ 7.8 ረክተር ስኬል ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብኣቆጻጽራ ቱርኪ ሰዓት 04: 17 ናይ ለይቲ ካብ ጋዛያንተፕ ኣስታት 18 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ስፍራ እዩ ኣጋጢሙ።
ተመራመርቲ ምድሪ እቲ ናይ መጀመርያ ምንቅጥቃጥ ኣብ ቱርኪ ካብ እተመዝገበ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ገሊጾም።
እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንክልተ ደቓይቕ ከምዝቐጸለ ተዛሪቦም።
ደው ክብል ክልተ ደቒቕ ከም ዝወሰደሉ ገሊጾም። እቲ ቀዳማይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከኣ 7.5 ሬክተር ዓቐን ከምዝነበሮ ሓቢሮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣተሓባባሪት ላዕለወይቲ ሓላፊት ካተሪን ስሞልዉድ፡ "ኵሉ ሳዕ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ፈለማ ዝንገር ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱን እተጐድኡ ሰባት ኩሉ ሳዕ እዩ ዝውስኽ” ክትብል ንAFP ሓቢራ።
ብምቕጻል ስሞልዉድ፡ እቲ ናይ በረድን ውርጭን ኵነታት ንብዙሓት ሰባት ብዘይ መጽለሊ ከም ዘትረፎምን ነቲ ሓደጋታት ከም ዘጋድዶን ገሊጻ።
ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ኣብታ ብውግእ እትሕመስ ዘላ ሰሜናዊት ሶርያ ከምዝርከቡን ኣብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውብ መዓስከራት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ከምዘለው ተሓቢሩ። ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸሩዎ ቦታ እውን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ እውን ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠሞ ከባቢ ክልቲአን ሃገራት ብኣሽሓት ዝቝጸር ህንጻታት ዓንዩ ትሕተ ቕርጺ እውን ፈራሪሱ ኣሎ። እቲ ልዕሊ 2,000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ታሪኸዊ ህንጻ “ጋዛሪፕ ካስል” ካብቲ ሓያሎ ዝዓነወ ትሕተ ቕርጺ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ናይ ማእከላይ ምብራቕ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣና ፎስተር ኣብ ጥቓ እቲ ፍጻመ እትርከብ ቱርካዊት ከተማ ኦስማኒየ ብዛዕባ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ኵነታት ከምዚ ክትብል ሓቢ።
"እቲ ብቐጻሊ ዝዘንብ ዘሎ ዝናብ ንስራሕ ህይወት ምድሓን ይዓናቕፎ ኣሎ። ሎሚ ምሸት ኣብታ ከተማ ሓይሊ ኤለትሪክ የሎን። ሕጂ እውን እንተኾነ ፍርሒ ኣሎ። እቲ ህንጻታት ከይፈርስ ስግኣት ኣሎ" ኢላ።
ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ናይ ጸዓት ትሕተ ቅርጺ እውን ዓንዩን ተሰናኺሉን ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ብሰንኪ ዕንወት ሻምብቆታት ጋዝ ዘጋጠመ ሓያል ባርዕ ከምዘጋጠመ ዘርኢ ቪድዮታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጸዓት ቱርኪ ፋቲሕ ዶንመዝ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ እኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ብዛዕባ እቲ ባርዕ ግን ኣይጠቐሰን ።
ቱርኪ ኣብቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ንጡፍ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝረኣየሉ ቦታታት እያ እትርከብ ።
ብ1999፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ልዕሊ 17,000 ሰባት ዝቐተለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ። ብ1939 ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ኢርዚንካን 33,000 ሰባት ዝቐተለ ዝኸፍአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝኽሰተሉ ቦታ እትነብር፡ ሓንቲ ካብ ነበርቲ ካህራማናስ፡ መሊሳ ሳልማን፡ “ፈኲስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክንሰምዕ ለሚድናዮ እኳ እንተኾንና ከምዚ ትማሊ ዘጋጠመ ግን ርእየ ኣይፈልጥን” ኢላ።
ናይ ቱርኪ ቀይሕ ወርሒ ዜጋታት ንግዳያት ደም ክልግሱ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ከረም ኪኒክ ፡ ናብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ደምን መድሃኒትን ይለኣኽ ምህላው ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ብወገኑ፡ 45 ሃገራት ደገፍ ከም ዝገበራ ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብዙሓት ካብተን በቲ ሓደጋ እተሃስያ ስድራ ቤታት "ኣብቲ ንኽትረኽቦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ቦታታት ሰብኣዊ ረድኤት የድልየን ኣሎ" ብምባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኵነታት ኣህጉራዊ ምላሽ ክህበሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ናብ ቱርኪ ይልእኽ ኣሎ። ካብ ነዘርላንድን ሩማንያን ዝነቐሉ ጋንታት ድሕነት ናብቲ ቦታ ይጓዓዙ ኣለው። ዓባይ ብሪጣንያ እውን 76 ክኢላታት፣ መሳርሒታትን ናይ ድሕነት ኣኽላባትን ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ ኣላ።
መንግስታት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ እስራኤል ከምኡውን ኣመሪካ ሓገዝ ክህቡ ቃል ኣትዮም ኣለው። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከምቲ ንኢራን ዝሃቦ ንቱርኪን ሶርያን ሓገዝ ልኡኹ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ሱለይማን ሶይሉ በቲ ናይ ፈለማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እኒ ሓታይ፣ ዑስማንየ፣ ኣዲያማን፣ ማላትያ፣ ሳንሊዩርፋ፣ ኣደና፣ ዲያርባኪርን ኪሊስን ዝኣመሰላ 10 ከተማታት ከም እተጸለዋ ገሊጹ።
ኣብተን ከተማታት እንተወሓደ ንሓደ ሰሙን ኣገልግሎት ትምህርቲ ደው ከምዝብል ሓቢሩ።
ሓደ ወለንተኛ ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ኣብ እትርከብ ሳርማዳ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ክገልጽ ከሎ ንብዓቱ ክቆጻጸር ኣይከኣለን።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝርከባ እተፈላለያ ከተማታትን ቑሸታትን ዝርከብ ሓያሎ ህንጻታት ተሃስዩ እዩ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ኣለዋ። ከነድሕኖም ንጽዕር እኳ እንተለና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑና ኣሎ" ኢሉ።
"ሓገዝ የድልየና ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዘናን ኽድግፈናን ንሓትት ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ ሰሜን-ምዕራብ ሶርያ ናይ ጥፍኣት ቦታ ኰይና ኣላ " ኢሉ።
እቲ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳዕ ቆጵሮስ፣ ሊባኖስን እስራኤልን እውን ተሰሚዑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







