መዓሙቕ መሬት ብተጻይ ኣንፈት ክዘውር ጀሚሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ - ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, SPL
እቲ ኣብ ማእከል መሬት ዝርከብ ዝሽክርከር መዓሙቕ መሬት፡ ብተጻይ ኣንፈት ክሽክርከር ጀሚሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይዛረቡ።
ግን እንታይ ማለት እዩ? ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኾይኑ?
መሬትና ብሰለስተ ቀንዲ ክፋላት ዝቖመት እያ፡ እዞም ክፋላት ላዕለዋይ ሽፋን ወይ ገጽ መሬት (crust)፡ ቅናት (mantle) ከምኡ’ውን መዓሙቕ (core) ይበሃሉ።
ቁሩብ ከም እንቋቑሖ እንተሓሲብናያ፡ ገጽ መሬት ከም ቅርፊት፡ ቅናት ከም እቲ ጻዕዳ ፈሳሲ እንቋቑሖ፡ መዓሙቕ ድማ ከም ኣስኳል ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
መዓሙቕ መሬት ከም ዝባን ጸሓይ ውዑይ ኮይኑ፡ እቲ ዝወዓየ ክፋል መሬት እዩ። ኣብ ውሽጢ ማእከል መሬት ዝርከብ ኣዝዩ ዓሚቝ ክፋል እንተኾነ’ኳ ረዚን ኩዕሶ ብረት እዩ።
መዓሙቕ መሬት፡ ካብ ካልእ ክፋል መሬት፡ ብፈሳሲ ሓጺናዊ ደጋዊ ሽፋን ከም ዝፍለ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
እዚ ማለት ድማ ግድን ምስ ዝተረፈ ክፋል መሬት ብሓባር ዘይኮነስ ብነጻ ክሽክርከር ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፔኪንግ፡ ቻይና ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ንሓያሎ ዓመታት ብኣዝዩ ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመጽእ ሴይስሚክ ማዕበላት (ዝንቅጥቀጡ ምንቅስቓሳት) ብምጽናዕ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝካየድ ምንቅስቓሳት ክዕዘቡ ጸኒሖም እዮም።
ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ መሬት ዘጋጥሙ ኮይኖም ጸዓት ንታሕቲ ናብ ውሽጢ ክኸይድን ክምለሰን ይገብሩ።
እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ መንገድታት ናይዞም ማዕበላት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምክትታል፡ "ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ለውጢ ከም ዘይተራእየ" ረኺቦም።
ርኽበታቶም፡ ውሽጣዊ መዓሙቕ ምድሪ ደው ኢሉ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ካብ ሓደ ኣንፈት ናብ ካልእ ኣንፈት ብዑደት እናተዘዋወረ ከም ዝጸንሐን የመልክት።
እዚ ብኸመይ ይጸልወና?
ኣብ ውሽጢ መዓሙቕ ምድሪ ዝመጽእ ለውጢ ብርግጽ ኣብ ልዕሊ መሬት ንዝነብሩ ደቂ ሰባት ጽልዋ ኣለዎ፤ ንኣብነት ንጉዕዞ መራኽብ፡ ጉዕዞ ነፈርቲ ከምኡ'ውን ንውሓት መዓልti ከይተረፈ ይቕይር።
እዚ ድማ ብሰንኪ ማግኔታዊ ፊልድ (ናይ ማግነታዊ ተርእዮታትን ጠባያትን) ዝመጽእ እዩ።
መሬት ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ትገብር’ያ፤ ኣብ ውሽጣ ድማ፡ እቲ ብረት ዝኾነ መዓሙቕ መሬት እውን ይዘውር’ዩ። እዚ ምንቅስቓሳት እዚ ንመሬት ዝኸብብ ማግኔታዊ ፊልድ ዝተበሃለ ማግኔታዊ ሓይሊ ይፈጥር።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንጥቀመሉ ማግኔት፡ መሬት እውን ማግኔታዊ ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታ ኣለዋ።
ብዘደናግር መልክዕ፡ እዚኦም ምስቲ ጂኦግራፊያዊ ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታ ዝብሃል ኣብ ሓደ ቦታ ኣይኮኑን፤ ቅድሚ ኣስታት 200 ዓመት ድሕሪ ምርካቦም ማግኔታዊ ዋልታታት መሬት ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም።
ካብ 1832 ጀሚሩ ሰሜናዊ ማግኔታዊ ዋልታ ካብ ሰሜናዊ ካናዳ 2,250 ኪሎሜተር ርሒቑ ናብ ሩስያ፡ ሳይቤርያ ሰጊሩ’ዩ።
ምንቅስቓስ ሰሜናዊ ማግኔታዊ ዋልታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ስለዝተቀላጠፈ፡ ኣብ ጉዕዞታት ወተሃደራውን ንግዳውን ነፈርቲ ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ሰሜናዊ ዋልታ ዝንቀሳቐሱ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ለውጢ ክግበር ኣገዲዱ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማግኔታዊ ፊልድ፡ መሬት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዘንጊ (axis) ክሳብ ክንደይ ቀልጢፋ ወይ ቀስኢላ ከም እትሽክርከር እውን ይድርኽ፤ ብኻልእ ኣዘራርባ መዓልታት ክንደይ ከም ዝነውሓ ይቆጻጸር እዩ።
መሬት ኣብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዘንጊ እትዞረሉ ፍጥነት ኣብ ታሪኽ ብቐጻሊ ይቕየር ከም ዘሎ ይግመት፤ እዚ ኩሉ ብሰንኪ ለውጢ ምሽክርካር መዓሙቕ መሬት ዝመጸ እዩ።
ኩሎም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ምስቲ ሓድሽ ርኽበት ኣይሰማምዑን እዮም።
ዶክተር ጆን ቪደል ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ፍሉጥ ጂኦፊዚክስ እዩ። ኣብዚ መጽናዕቲ ኣይተሳተፈን፡ ግን ከም ዝሰማማዕ ርግጸኛ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።
ንሱ፡ ንመዓሙቕ መሬት ምክትታል ምስቲ ብዘይስካነር ንኣካላት ሰባት ክምርምር ዝፍትን ሓኪም ብምንጽጻር "ብዛዕባ ውሽጣዊ መሬት ዘለና ግንዛበ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን" ኢሉ።
ቪዳል ወሲኹ፡ "ገለ ነገር ይፍጠር ኣሎ፡ ክንፈልጦ ኢና ኢለ ድማ ይሓስብ፡ ግን ዓሰርተ ዓመት ክወስድ ይኽእል'ዩ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







