'ዘይተለለዩ በረርቲ (ዩፎ) ርኢና' - ወተሃደራት ኣሜሪካ

ንኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝቐረበ ብናይ ለይቲ መነጽር ዝርአ ምስሊ ሓደ ዘይተለለዩ በራሪ (ዩፎ)

ምንጪ ስእሊ, NAVAL AIR SYSTEMS COMMAND

መግለጺ ስእሊ, ንኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ዝቐረበ ብናይ ለይቲ መነጽር ዝርአ ምስሊ ሓደ ዘይተለለየ በራሪ (ዩፎ)

ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ሰማይ እንታይነቶም ዘይተለለዩ ነፈርቲ (ዩፎ) ከም ዝረኣዩ ዝገልጹ ወተሃደራት ኣሜሪካ ቅልጡፍ ወሰኽ ከም ዘርኣየ መንግስቲ እታ ሃገር ዝዘርግሖ ሓደ ሰነድ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ካብ ሰራዊቱ ነዞም ኣብ ሰማይ ዝነፍሩ ነገራት ከም ዝረኣዩ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ሕጂ ግን እቲ ቍጽሪ ብብዝሒ ከም ዝወሰኸ እዩ'ቲ ሰነድ ዘመልክት።

ክፍሊ ሃገራዊ ስለያ ኣሜሪካ፡ 510 ዩፎ ርኢና ዝብሉ ሓበሬታታት ዝተቐበለ ኰይኑ እቲ ቍጽሪ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ብ144 ይዛይድ።

ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ሓደስቲ ዝተራእዩ ተጓንፎታት፡ "ዘየደንቝ" ተባሂሎም ከም ዝተቘጽሩን ምስ መበቈል ደቂ ሰባት ከም ዝተኣሳሰሩን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ተጓንፎታት ናይቶም መንግስቲ ዘይተለለየ ተርእዮታት ኣየር (UAPs) ኢሉ ዝጽውዖም ዩፎታት፡ "ኣብ ዝተገደበ ወይ ተሃዋሲ ክሊ ኣየር” ይቕጽል ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ስክፍታታት ክፈጥር ዘለዎ ተኽእሎ ዘጕልሕ ምዃኑ ይሕብር።

ካብቶም ሓደስቲ ተጓንፎታት፡ እቶም 26 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝነበሩ ተለልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ እቶም 163 ባሎናት ክዀኑ እንከለዉ፡ 6 ድማ ምስ ኣብ ኣየር ዝተኣኻኸቡ ነገራት ከም ዝተኣሳሰሩ ተገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ እቶም 171 ተርእዮታት ክሳብ ሕጂ ብኣድማዒ መንገዲ ንምልላይ ዘኽእል እኹል ሓበሬታ ስለ ዘይተረኸበ እንታይነቶም ኣይተፈልጠን።

"ገለ ካብዞም ዘይተለለዩ ተርእዮታት ኣየር ዘይተለምደ ናይ በረራ ባህርያት ወይ ናይ ኣፈጻጽማ ዓቕሚ ዘርኣዩ ይመስሉ፡ ተወሳኺ ትንተና ድማ የድልዮም" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ካብቶም ተጓንፎታት ዝኾነ ይኹን ምስ ዝኾነ ካብ ምድሪ ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታት ዝተኣሳሰር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ስለያን ጸጥታን ፔንታጎን ሮናልድ ሞልትሪ፡ "ካብቶም ዝረኣናዮም ነገራት ምስ ዝዀነ ባዕዳዊ ህይወት ከም ዝተኣሳሰሩ ንኽንኣምን ዝመርሓና ነገር ኣይረኣናን" ክብል ንማዕከናት ዜና ገሊጹ ነይሩ።

ወሲኹ፡ "ክሳብ ሕጂ ምብጻሕ ባዕዳዊ ህይወት፡ ሓደጋ ባዕዳዊ ህይወት ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ከም ዝነበረ ዝሕብር ነገር ኣይረኣኹን" ኢሉ።

እቶም ዝተረፉ ዘይተለለዩ ነፈርቲ ምድራዊ መበቈል ኣለዎም ድዩ የብሎምን ንምፍላጥ ዝግበር ጻዕሪ ግን ይቕጽል ኣሎ።

"ሓደ ነገር እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ተጻባኢ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና ኢና ንሓስብ" ኢሉ። "ስለዚ ድማ፡ ነዚ ብዕቱብ ክንወስዶ ኣሎና።"

እቶም ተጓንፎታት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፔንታጎን ንፍጻመታት ዩኤፒ ንምምርማር ዝቘመ ቤት ጽሕፈት ኦል-ዶመይን ኣኖማሊ ሪዞሉሽን ኦፊስ (AARO) ይምርመሩ ኣለዉ።

እቲ ጸብጻብ፡ ምስ ዩፎታት ዝህሉ ተመኵሮታት "ጸለመ ንምንካይን" ድሕነት ኣየር ንምምሕያሽን ክሕግዝ ብኸፊል ዝተዘርግሐ እዩ።