ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርክን ሶርያን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 4300 በጺሑ

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ ኣብ ጥቓ ዶብ ሶርያ ብዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ተደፊኖም ኣለዉ።
እቲ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ሰዓት 04፡17 (01፡17 GMT) ኣብ ጥቓ ጋዚኣንቴፕ ዝተበሃለት ከተማ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።
ሰበስልጣን ቱርኪ፡ ዛጊት ልዕሊ 2900 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊፆም ኣለዉ። ጉድኣት ድማ ልዕሊ 15 ሽሕ ድማ በፂሖም።
ኣብ ሶርያ እውን፡ 1400 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ ቱርኪ፡ ብውሕዱ 10 ከተማታት በቲ ሓደጋ ከም ዝተጸልዋ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱሌማን ሶይሉ ሓቢሩ።
እተን ቀንዲ ዝተሃስያ ከተማታት፡ ካህራማንማራስ፡ ሓታይ፡ ጋዝያንተፕ፡ ዖስማኒየ፡ ኣዲያማን፡ ማላትያ፡ ሳንሁርፋ፡ ኣዳና፡ ዲያርባኪርን ኪሊስን ምዃነን ተፈሊጡ'ሎ።
መንግስቲ ቱርኪ ሸውዓ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ'ሎ።
ውድብ ጥዕና ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ
ሓደ ኣፍሪቃ ተጻወታይ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከተማ ሓታይ ብፍርስራስ ተደብዩ ከምዘሎ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ጋናን ሓንቲ ካብ ክለባት ናይታ ከተማን ዝኾነ ወዲ 31 ዓመት ክርስትያን ኣትሱ ብህይወት ክድሕን ኩሉ ክጽሊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጋና ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ኣብ ቱርኪ ብዝያደ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ ሶርያ እውን ዝተሰምዐ ኮይኑ ኣብ ኣሌፖ፣ ላታኪያ፣ ሃማን ታርቱስን ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 320 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት ቍጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል'ውን ስግኣት ኣሎ።
በቲ ሓደጋ ብዙሓት ህንጻታት ክፈርሱ እንከለዉ፡ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ንምድላይ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ኣለዉ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ሱሌሞን ሶይሉ 10 ከተማታት ከምዝተሃስያ ኣፍሊጡ።
ብኣንፈት ሰሜናዊ ምብራቕ ጋዝያንቴፕ ኣብ እትርከብ ከተማ ዲያርባኪር ዘሎ ወኪል ቢቢሲ-ቱርኪሽ ኣብታ ከተማ ሓደ ማእከል ዕዳጋ (‘ሞል’) ከምዝፈረሰ ሓቢሩ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ሶርያ፡ ሊባኖስን ቆጵሮስን እውን ከምዝተሰምዐ ይግለጽ።
"ገለ ነገር ይጽሕፍ ነይረ፤ ሽዑ ሃንደበት ምሉእ ህንጻ ክናወጽ ጀሚሩ። ብሓቂ እንታይ ከምዝስምዓኒ ኣይፈልጥን ነይረ" ክብል ኣብ በይሩት ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝነብር ተመሃራይ መሓመድ ኤል ቻማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብ ጥቓ መስኮት ስለ ዝነበርኩ ከይስበር ጥራይ ፈሪሐ። ንኣርባዕተ-ሓሙሽተ ደቓይቕ ቀጺሉ፤ ቅሩብ ዘፍርሕ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቓዛ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሩሽዲ ኣቡኣሉፍ ብወገኑ ኣብቲ ዝነበረሉ ገዛ ንኣስታት 45 ካልኢት ዝፀንሐ ምንቅጥቃጥ ከምዝነበረ ገሊጹ።
ቱርካውያን ተመራመርቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብርታዐ ናይቲ ምንዋጽ 7.4 ሬክተር ከምዝዀነ ይግምቱ።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ድማ እቲ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ገሊጾም።
ቱርኪ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዝዮም ንጡፋት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከባ ሃገራት እያ።
ኣብ 1999 ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ኣዝዩ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
ግብረመልሲ መራሕቲ ዓለም
መራሕቲ መንግስታት ዓለም ዝርከብዎም ዝተፈለለዩ ወገናት በቲ ቀዛፍን ኣዕናውን ምንቅጥቃጥ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንግዳያት ናይቲ ምንቅጥ ንምዝካር ናይ ሕልና ጸሎት ተኻይዱ።
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰራሕተኛታቱ "ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌታት ብምግምጋብ ደገፍ ይህቡ ኣለዉ" ኢሉ።
ንሱ፡ ህዝቢ ናይቲ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ተሃስዩ ዘሎ ከባቢታት ቱርኪ፡ ስደተኛታት ሶርያ ኣብ ምዕቋብ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብዛ ናይ ጸበባ እዋን ንምርድኡ ኩሉ ክጓየ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ብወገኑ፡ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ሃገሩ ኣድላዪ ደገፍ ክትህብ ቅርብቲ ከምዘላ ተዛሪቡ።
ሓደ ጉጅለ ኪኢላታት ብሪጣንያ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕርታት ደገፍ ንምሃብ ናብታ ሃገር ክልኣኽ'ዩ።
መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብዎም መራሕቲ ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቦም ኣለዉ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ናይ "ህጹጽ ግብረመልሲ" ኣኼባ ከምዘካየድ ኣፍሊጡ'ሎ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ጆሰፍ ቦረል ኣቐዲሙ፡ ንግዳያት እቲ ምንቅጥቃጥ ሰብኣዊ ደገፍ ክህብ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን'ውን ንክልቲአ ሃገራት ሓገዝ ክህብ ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







