ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ቀጥታዊ ቃለ-መሕትት ቴለቪዥን ብምሕማሙ ፈነወ ተቛሪፁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶሃን፡ ሰሉስ ምሸት ብቴለቪዥን ብቀጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ቃለ-መሕትት እንከሎ ሃንደበት ብምሕማሙ፡ እቲ ፈነወ ተቛሪፁ።
እቲ ቃለ-መሕትት ን 20 ደቓይቕ ክቛረጽ እነከሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ተመሊሱ ብምምፃእ፡ ንክልተ መዓልታት ድሕሪ ዝገበሮ ፅዕፁዕ ጐስጓስ ምርጫ “ከቢድ ጉንፋዕ ከብዲ” ከምዘጋጠሞ ገሊፁ።
ወዲ 69 ዓመት ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶሃን፡ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ጥዕና ይስእንን ገፁ ይዓብርን ከም ዘሎ እዩ ዝግለፅ።
ኤርዶሃን ኣብ ቀጥታ ፈነወ ሓሚሙ፡ ቃለ-መሕትት እንተቋርፅ እዚ ናይ ሰሉስ ክስተት ፈላሚ ኣይኰነን።
ቱርኪ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ።
ኤርዶሃን ንፕረዚደንትነት ካብ ዝነሓነሖ ተቓዋሚ ከማል ኩሉቺተሮሉ ከቢድ ውድድር ይፅበዮ።
ኣብ ሃገራት ወፃኢ ዝነብሩ ሰለስተ ሚልየን ቱርካውያን ድሮ ድምፂ ምሃብ ክጅምሩ እንከለው፡ ብዙሓት ቱርካውያን ኣብ ዝርከቡላ ጀርመን፡ ሓደ ሚልየንን 500 ሽሕን ዜጋታት የድምፁ ኣለዉ።
ኤርዶሃን ሓሚሙ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቋረፀ፡ ንሕብረት ተቓወምቲ ብምውካል ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ መነሓንሕቱ ከማል ኩሉቺተሮሉ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ፕረዚደንት ፅቡቕ ጥዕና ዝተመነይሉ እዩ።
ሚኒስትር ጥዕና ፋህረቲን ኮቻ፡ “ኤርዶሃን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና እዩ ዝርከብ። ተላባዒ ሕማም ከስዐ ስለዝሓዞ እዩ፣ ዘሻቕል ኣይኰነን” ኢሉ።
ቱርካውያን ካብ 14 ግንቦት ጀሚሮም እዮም ድምፂ ክህቡ። ኣብዚ መረፃ ሕፁያት ልዑል ድምፂ እንተዘይረኺቦም እቲ መረፃ ንካልኣይ ዙር ይቕፅል።
ኤርዶሃን እዚ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተሌቨዥን ዘጋጠሞ ሕማም ዘሻቕል ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብሉ ወገናት፡ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ጎስጓሳት መረፃ ከም ዝሰረዘ የዘኻኽሩ።
እቲ ፈላማይ፡ ብረቡዕ ኣብ ማእኸላይ ኣናቶሊያ ክካየድ ዝነበረ ጎስጓስ መረፃ እንከይተረኸበ ተሪፉ።
እቲ ፕረዝደንት፡ ሓኪሙ ኣብ ገዛ ክኸውን ከምዝመኸሮ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ጎስጓስ ከምዘይተሳተፈ ገሊጹ።
ንፅባሒቱ ሓሙስ እውን፡ ኣብ ገማግም ሜዲትራንያን ኣብ ኣኩዩ ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ምረቓ ፈላማይ ማእኸል ኒኵለር ኣይተረኸበን።
እንተኾነ፡ ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምዃን፡ ብኢንተርነት ብቀጥታ ነቲ ማእኸል ክምርቕ እንከሎ፡ ገፁ ዓቢሩ ተራእዩ።
ኣርባዕቲኦም መፍረይቲ ፀዓት ኒኵለር ኣኩዩ፡ መብዛሕትኦም ብሩስያዊ ኩባንያ ሮሳቶም ዝውነኑ እዮም።
ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደ ህንፀት እዚ መፍረይ ፀዓት ኒኵለር፡ እቲ መኽፈቲ መደብ ምስ ቅነ መረፃ ክኸውን እዩ ተዋዲዱ።
ይኹን’ምበር፡ ኤርዶሃን ስለዝሓመመ ብቪድዮ ጥራሕ እዩ ክሳተፍ ክኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AK PARTY
ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ ኤርዶሃንን ፑቲንን ብስልኪ ዝተዘራረቡ እንትኾኑ፡ ኣብ ንግዲ ዘለዎም ሽርክነት ዝያዳ ንምጥንኻር ከም ዝተሰማምዑ ተገሊፁ።
ብሰሉስ ኣብ ዝነበረ ቀጥታዊ ፈነወ፡ ንኤርዶሃን ቃለ-መሕትት ዝገብሩ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ነይሮም። እዞም ጋዜጠኛታት ንመንግስቲ ካብ ዝድግፉ ተሌቬዥን ኡልኬን ቻናል-7ን ዝተወከሉ’ዮም።
ቀጥታዊ ፈነወ እቲ ተሌቬዥን ቅድሚ ምቁራፁ ሓደ ጋዜጠኛ ንኤርዶሃን እናሐተተ እንከሎ፡ ሃንደበት ኣብ ገፁ ስምባደ ክረኣይ ጀሚሩ። ድሕሪኡ እዩ እቲ ፈነወ ተቛሪፁ።
ኤርዶሃን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ናብ ፈነወ ብምምላስ፡ “ብርግፅ ሓደሓደ እዋን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፅዕፁዕ ስራሕ ከምዚ ዓይነታት ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ” ኢሉ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ፕረዝደንት ቱርኪ ሕማም ልቢ ከምዘጋጠሞም ዝገልፁ ሓበሬታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም።
ወሃቢ-ቃል ኤርዶሃን ፋህረቲን ኣልቱን ግና፡ ብዛዕባ እቲ ፕረዝደንት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ሓሰት እዩ ኢሉ።
ኤርዶሃን ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ንዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ብቴለቪዥን ቃለ-መሕትት እንተካይድ ሃንደበት ሓሚሙ እቲ ቀጥታዊ ቃለመሕትት ተቛሪፁ ነይሩ።
ኣብ 2011/2012 እውን፡ መጥባሕቲ ከስዐን መዓንጣን ዝገበረ እንትኾን፡ እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ጥዕንኡ ይወሃብ ንዝነበረ ግምት መቀፃፀሊ ነዳዲ ኰይኑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







