ቱርኪ፡ ብምንቅጥቃጥ መሬት ምስ ዝፈረሱ ህንጻታት ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 180 ሰባት ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቱርኪ ብሰንኪ እቲ ብ 6 ለካቲት ዘጋጠመ ምንቅጥቀጥ መሬት ምስ ዝፈረሱ ህንጻታት ምትእስሳር ንዘለዎም ልዕሊ 600 ሰባት ትምርምር ከምዘላ መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር በኪር ቦዝዳግ፡ ኮንትራክተራትን ወነንቲ ህንጻታትን ዝርከቡዎም 184 ሰባት ብቐዳም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ፡፡
ሰብ ሞያ፡ ሱር-ሰደድ ብልሽውናን ናይ መንግስቲ ፖሊሲን፡ ሓደሽቲ ዝስርሑ ህንጻታት ውሑሳት ከይኮኑ ከምዝገበሩ ንነዊሕ እዋን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም፡፡
ብምኽንያት እቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50 ሽሕ በጺሑ ኣሎ፡፡
ሚኒስትሪ ፍትሒ ቱርኪ ኣብቲ 7.8 ሬክተር ምንቅጥቓጥ መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ ኮይኑ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ምርመራ ተጠናኺሩ ከምዝቕጸለ ኣመልኪቱ፡፡
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ልዕሊ 113 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዝወጸአሎም ሰብ መዚ ሓቢሮም ነይሮም፡፡
ካብቶም ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት ሓደ ድማ፡ ከንቲባ ናይ ሓንቲ ኣብ ከባቢ እቲ ሓያል ምንቅጠቃጥ ዘጋጠመሉ እትርከብ ከተማ ከምዝኾነ ማዕከናት ሚድያ ቱርኪ ሓቢረን፡፡
ኣብ ቱርኪ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 160 ሽሕ ህንጻታት ዝዓነዉ ወይ ከቢድ ጉድኣት ዝበጸሖም ኮይኖም፡ እዚ ኩነታት እቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብናይ ሰባት ጉድለት’ዶ ተጋዲዱ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ እዩ፡፡
ተቓወምቲ ውድባትን ገለ ሰብሞያ ህንጻን፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኢርዶሃን ሕግታት ስራሕቲ ህንጻ ኣብ ግብሪ ኣየውዓለን ከምኡ እውን ኩሉ ምኽንያት ናብቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ የጣብቖ ኣሎ ብምባልን ይኸሱ ኣለዉ፡፡
ንዕብየት ጽላት ስነ-ህንጻ እታ ሃገር ክበሃል፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኣብተን ከቢድ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ዘለወን ከባቢታት ሓዊሱ ቁጽጽር ስራሕቲ ህንጻ እታ ሃገር ንዝጠሓሱ ሰባት ምሕረት ምሃቡ እቶም ሰብ ሞያ ይገልጹ፡፡
ጉድለታት ምንባሮም ዝተኣመነ ፕረዚደንት ኤርዶሃን ግና፡ እቲ ሓደጋ ናይ ዕድል ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ቀረባ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመሉ ዞባ ተረኺቡ ‘‘ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ብዙሕ ጊዜ ኣጋጢሞም እዮም፤ ኣካል ጽሕፍቶ እዮም’’ ኢሉ ነይሩ፡፡
ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ንቱርኪ ዝመርሐ ኤርዶሃን፡ መጻኢኡ ኣብቲ ዝቃረብ ዘሎ መረጻ ዝውሰን ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት ግና ብዙሕ ኣቓልቦ ዝረኸበ ኣይመስልን፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







