ሶርያ፡ ኣብ ፍርስራስ ተወሊዳ ዝደሓነት እንኰ - ኣባል ስድራ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሶርያ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻ ዝተወልደት ህጻን፡ ካብ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝደሓነት እንኰ ኣባል ስድራ ኰይና ንአኮኣን ሓፍትነኣን ተዋሂባ።
ምስ ኣዲኣ ብዕትብቲ ተኣሳሲራ እንከላ ዝተረኸበት እታ ህጻን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነታ ህጻን ብሞግዚት ክወስዱዋ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ሕዚ፡ መርመራ ዲኤንኤ ምስ ገበረት ኣዝማዳ ምዃኖም ተረጋጊጹ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ።ሓካይም፡ ኩነታታ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ከም ዘላ እዮም ዝሕብሩ።
ኣኮኣ ከሊል ኣል-ሳዋዲ፡ ንማዕከን ዜና ኣሶይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሕጂ ሓንቲ ካብ ደቀይ እያ። ኣብ መንጎኣን ደቀይን ፍልልይ ኣይክገብርን እየ" ኢሉ።
ሕጂ እታ ህጻን ብስም ነፍስሄር ኣዲኣ 'ኣፍራ' ትጽዋዕ ኣላ።
ሰበ ስልጣን ‘ኣያ’ ዝብል ስም ሰምይዋ ነይሮም፤ ብቋንቋ ዓረብ ‘ተኣምር’ ማለት እዩ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ምድሓና ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓደ ሰብኣይ ብሓመድ ተሸፊኑ ኣብ ሕቑፉ ተሰኪምዋ ካብቲ ፍርስራስ ብጉያ ክርሕቕ ይረአ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻ ንልዕሊ 10 ሰዓታት ከም ዝጸንሐት ዝግለጽ ኰይኑ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝኣተወትን፡ ኣብ ምሉእ ኣካላታ ምልሕሓጽ ከም ዘጋጠማ ሓካይም ገሊጾም።
እቲ ስድራኣ ዝነብሩሉ ህንጻ፡ ኣብታ ብተቓወምቲ እትውነን ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ እትርከብ ከተማ ጂንዳይሪስ፡ ምስ ዶብ ቱርኪ እትቐርብ ብ7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝዓነዉ ኣስታት 50 ህንጻታት ሓደ እዩ።
ኣዲኣ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ሕርሲ ከም ዝኣተወትን ቅድሚ ሞታ ድማ ከም ዝወለደትን ሓደ ዘመዳ ገሊጹ።
ኣቡኣ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋታን ሓንቲ ሓፍታን እውን ሞይቶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚስተር ሳዋዲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዛ ጓል ንዓና ብዙሕ ትርጉም ዘለዋ እያ፡ ምኽንያቱ ብዘይካኣ ካብ ስድራኣ ዝተረፈ ሰብ የለን" ኢሉ።
"ንዓይን ንኹሎም ኣብ ዓዲ ኣዲኣን ኣቦኣን ዘለዉ ኣዝማድናን መዘከርታ ክትከውን እያ"።
ንሳ ክትድሕን ከላ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሚስተር ሳዋዲ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንኣፍራ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ ሰሙን፡ ብሰብ ከይትጭወ ስክፍታ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
እቶም ዝተቐበልዋ ስድራኣ ኩነታቶም ብዘየገድስ ንዓፍራ ዝበለጸ ቦታ ምስ ስድራ ምዃኑ ይዛረቡ ።
ሚስተር ሳዋዲን በዓልቲ ቤቱ ሃላን እውን ገዛውቶም በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዓንዩ ምስ ደቂ ሓውቦኦም ይሓድሩ ኣለዉ።
ንሳቶም ብወገኖም፡ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ‘ሃላ’ ኢሎም ዝሰየምዋ ጓል ወሊዶም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







