ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ንኽንደይ ግዜ ብህይወት ክጽናሕ ይክኣል?

ምንጪ ስእሊ, UMIT BEKTAS/REUTERS
ኣብ ቱርክን ኣብ ሶርያን ብሰኑይ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ብፍርስራስ ተጸቒጢም ዘለዉ ሰባት ንምውጻእ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ.
እንተኾነ ግዜ እናነወሐ ኣብ ዝኸደሉ ብህይወት ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ተኽእሎ’ውን እናማህመነ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክልቲኤን ሃገራትን ካብ ካልኦት ሃገራት ንሓገዝ ኢሎም ዝመጽኡ ሰራሕተኛታትን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ሰብ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም ዝጠርጠርዎ ፍርስራስ ንምእላይ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለዉ።
ንምዃኑ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ንኽንደይ ግዜ ብህይወት ክጽናሕ ይክኣል?
ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፍረስራስ ንኽንደይ ግዜ’ዩ ክጸንሕ ዝኽእል ንዝብል ሕቶ ክኢላታት ኣብ ብዙሕ ረቋሒታት ከምዝምርኮስ’ዮም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ገለ ካብኡ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዘሎ ሰብ ዘለዎ ቦታ፡ ማይን ኣየርን ክረኽበሉ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ክነታት ኣየርን ኣእምሮኣዎ ብርተዐን ናይቲ ተደብዩ ዘሎ ሰብን ንኽንደይ ዝኣክል ክጸንሕ ይኽእል ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቋሒታት’ዮም።
ዝበዘሐ እዋን እቲ ወሳኒ ግዜ እተን ቀዳሞት 24 ሰዓታት’የን፡ እንተኾነ ድሕሪ ሓያለ ሰዓታት ወይ መዓልታት’ውን ብፍርስራስ ተጸቒጦም ብህይወት ዝወጽኡ ሰባት ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ናይ ምድላይ መስርሕ ንሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓት መዓልታት ምስ ቀጸለ’ዩ ደው ክብል ዝእዝዝ።
እዚ ዝኸውን ግን ኣብ እዋን ምድላይ ንክልተ መዓልታት ብህይወት ዝተረኸበ ሰብ ምስ ዝስኣን’ዩ ምድላይ ደው ክብል ዝእወጅ።
ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ብህይወቱ ንኽጸንሕ ዝሕግዝዎ ረቋሒታት ድኣ እንታይ’ዮም?
ንቕሓትን ድልውነትን
ዋላ’ኳ ምህማም መሬትን ምንቅጥቓጥ መሬትን መዓስ ከጋጥም ከምዝኽእል ምግማት ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ዝውሰድ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ግን ወሳኒ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።
እቲ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝጸንሕ ሰብ’ውን ኣብተን ወሰንቲ ቀዳሞት ካልኢታት ዝመርጾ መዕቖቢ ንደገ ከፋት ናብ ዘለዎን ኣየር ክረኽበሉ ዝኽእል ምስ ዝኸውን ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ።
'ሙራት ሃሩን ኦንጎረን' ኣብ ቱርኪ ኣወሃሃዲ ህይወት ኣድሕን ኮይኑ “እቲ በጥ በል፡ነብስኻ ሸፍን፡ተዓቖብ" [Drop, Cover and Hold] ዝብል መምርሒ ምክልኻል ሓደጋታት ህይወት ንምድሓንን ኣየር ትረኽበሉ ቦታ ንኽትረክብን ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ኣገባብ መጀመርታ ብብርክኻን ብኢድካን ተደጊፍካ ድንን ምባል ብሓዲኡ ኢድካ ንርእስኻን ክሳድካን ምክልኻል፡ካብዚ ብምቅጻል ኣብ ትሕቲ ንነብስኻ ክከላኸለልካ ዝኽእል ድልድል ዝበለ ዓራት ይኹን ጣውላ ምእታው ነቲ ዝተዓቖብካሉ ነገር ኣደልዲልካ ምሓዝ ዘመልክት’ዩ።
ብምስዓብ “ከምዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ መዓስ ከምዘጋጠም ኣይፍለጥን’ዩ እንተኾነ ንኸምዚ ምዓስ ከምዝመጽእ ዘይትፈልጦ ሓደጋታት፡ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ ኣቐደሚምክ ክትምሃር፡ ክትለማደሉን ንቕሓት ከተጥርን ወሳኒ’ዩ” ይብል።
“እዚ ምስ እትፈለጥ ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ኮይንካ ህይወትካ ክትድሕን ዘሎ ተኽእሎ የበርኾ’ዩ”።
ዶክተር ጀትሪ ረግሚ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ‘ተክኒካል ኦፊሰር’ እዋን ሓደጋታት ኮይና፡ ቅድመ ምድላዋት ምግባር ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።
“ኣብ ትሕቲ ድልድል ዝበለ ጣውላ መሳሊ ነገር ሙዕቋብ ብህይወት ናይ ምድሓን ተኽእሎና የዕብዮ’ዩ፡ እንተኾነ፡ቅድሚ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ዝግበር ንጥፈታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ቅድመ ምድላዋት ናይቲ መንግስታትን ሕብረተሰብን’ዩ ዝምርኮስ” ትብል።
ኣየርን ማይን ምርካብ
ኣብ ትሕቲ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ዝተደበየ ሰብ ብህይወት ንኽጸንሕ እቲ ቀንዲ ወሳኒ ነገር ኣየርን ማይን እዩ። እንተኾነ፡እቲ ተደብዩ ዘሎ ሰብ ዝኾነ ደም ምፍሳስ ዘስዕብ ኣካላዊ መጉዳእቲ እንተሃልይዎ፡ ልዕሊ 24 ሰዓታት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ኣዝዩ ምህሙን’ዩ።
ስለዚ ሓደ ኣብ ውሽጢ ዝፈረሰ ህንጻ ዝተደበየ ሰብ ኣካላዊ መጉዳእቲ እንተዘይብሉን ኣየር ከኣ ክረክብ እንተኽኢሉን፡እታ ኣየር ዝረኸብላ ነቓዕ ከምዘይትሽፈን ገይርካ ብጽምኢ ማይ ከይመውት ማይ ከምዝብጽሖ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ክኢላታት ይመኽሩ።
ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርስቲ ዱክ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኢድዋርድ ሙን “ቀንዲ ነገር ሕጽረት ኣየርን ማይን’ዩ” ይብል።
ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ ኣካላቱ ክሳብ 1.2 ሊትሮ ፈሳሲ ከምዘውጽእ ዝሕብር እዚ ክኢላ “እዚ ብሽንቲ፤ ምስ ቐልቐል፤ብርሃጽን ሃፋን ካብ ኣካላትን ዝወጽእ’ዩ፡ብዘይ መተካእታ ካብ ኣካላትና ልዕሊ 8 ሊትሮ ፈሳሲ ምስ ዝወጽእ ኣዚና ክንውጻዕ ንኽእል ኢና” ይብል ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኢድዋርድ ሙን።
ገለ ክኢላታት ሓደ ሰብ ብዘይ ማይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ ክነብር ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
መጠን መጉዳእቲ
ሓደ ሰብ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ ካልእ ኣካላቱ ዕምቖት ዘለዎ ማህረምቲ ምስ ዘጋጥሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ውሱን ኣየር ጥራይ ዝረከብ እንተኮይኑ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እቲ ሓደጋ ብህይወት ናይ ምጽንሕ ዕድሉ ትሑት’ዩ።
ዶክተር ጀትሪ ረግሚ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ዘጋጥመካ መጠን መጉዳእቲ ብህይወት ንምጽናሕን ዘይምጸናሕን ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ትገልጽ።
“ኣብ ዓንዲ ሕቖ፡ ርእሲ ወይ ኣብ ኣፍልቦም መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ውሽጢ ተድብዮም ንነዊሕ ክጸንሑ ኣይክእሉን’ዮም” ትብል።
ብምስዓብ ብዙሕ ደም ዝፈሰሶም፡መስበርቲ ዘጋጠሞም፡ወይ ከቢድ ማዕበስቲ ዘጋጠሞም ሰባት ንኽሞቱ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ዝልዓለ’ዩ ትብል ዶክተር ጀትሪ ረግሚ።
ሓደ ሰብ ካብ ፍርስራስ ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብህይወት ምስ ወጽአ፡ እቲ ካልእ ክርአ ዘለዎ ረቋሒ ብቅልጡፍ ሕክማናዊ ርድኤት ናይ ምርካብ ዕድል’ዩ።
“ዋላ ብህይወት ካብ ፍርስራስ ምስ ወጽኡ ብድሕሪኡ ብ ‘ክራሽ ሲንድሮም’ ክሞቱ ይኽእሉ’ዮም”
ክራሽ ሲንድሮም፡ መትንታት በቲ ምጽቕቃጥ ምስ ተዓበሱ ኣብ ውሽጦም መርዛም [ቶክሲን] ባክተርይ ብምፍጣር፡ እቲ ግዳይ ምስ እቲ ዝጸቐጦ ነገር ምስ ተለዓለሉ እቲ መርዚ ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ብምዝራእ ክቐትሎ ወይ ከቢድ ጥዕናዊ ጸጋማት ከስዕበሉ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ክሊማዊ ኩነታት
ክሊማ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡እቲ ኣብ ውሽጢ ዝፈረሰ ህንጻ ዝተደበየ ሰብ ንኽንደይ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል ሓደ ካብ ወሰንቲ ረቋሒታት’ዩ።
ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኢድዋርድ ሙን ነቲ ኣብ ቱርኪ ዘሎ በረድ ዘለዎ ኩነታት ኣየር ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ኣየር ነቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዘጋደዶን ንስራሕ ህይወት ምድሓን ከምዝሓላለኾን ይገልጽ።
“ሓደ በጽሒ ኩነታት ኣየር ክሳብ 21 ዲግሪ ሴንቲ ግሬት ዋላ እንተበጽሐ ኣካላቱ ነቲ ዛሕሊ ተጻዊሩ እኹል ሙቐት ከመንጩ ይክእል’ዩ ካብኡ ዝትሕት ምስ ዝኸውን ግን ከቢድ’ዩ” ይብል።
እቲ ከባቢ ኣዝዩ ዛሕሊ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ኣካላትን ክጻወሮ ስለዘይእክል ክኽርድድ ይጅምር።
“ኣካላትና ቀልጢፉን ዶንጉዩን ንክኽርድድ እቲ ሰብ ተዓቊቡሉ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ” ብምባል ብዙሓት ብሓደ እንተሃልዮም ሙቐት ሓድሕዶም ከይከርደዱ ንኽጸንሑ ስለዝሕግዞም ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዎም ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኢድዋርድ ሙን ይገልጽ።
ብኣንጻሩ እቲ ኩነታት ኣየር ሃሩር እንተኾይኑ፤ እቲ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተደብዩ ዘሎ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ዘሎ ብርሃጽን ብሃፋን ስለዝውዳእ ንነዊሕ እዋን ብህይወት ክጸንሓሉ ዝኽእል ዕድል ከምዝጎድል እቲ ክኢላ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣእሮኣዊ ብርተዐ
ተመራመርቲ ሓደ ካብ ቀንድን ወሰንትን ረቋሒታት፡ሓደ ብፍርስራስ ዝተደብየ ሰብ ኣብቲ ዝተደብዮ ብሕይወት ንክጸንሕ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ዘለዎ ኣእምሮኣዊ ብርተዐ ከምዝኾነ’ዮም ዝሕብሩ።
ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጡ ካብዚ ‘ጸበባ ክወጽእ’የ’ ዝብል ሓሳብ እንተሃልይዎ ብህይወት ክጸንሕ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ የብርሁ።
ሙራት ሃሩን ኦንጎረን “ፍርሒ ከነወግዶ ዘይንኽእል ተፈጥሮኣዊ ውህብቶና’ዩ፡ድሕሪ ፍርሒ ዝስዕብ ምርባሽ ግን ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና፡ብህይወት ንኽንወጽእ፡ክወጽእ’የ ዝብል ኣእምሮኣዊ ብርተዐ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ” ይብል።
እቲ ክኢላ ብምስዓብ “ንፍርሕና ነፍስናን ተቖጻጺርና ‘ሕራይ ሕጂ ኣብዚ ኣለኹ ካብዚ ብህይወት ክወጽኣሉ ዝኽእል መንገዲ ከናዲ ኣለኒ’ ክብል ብርተዐ ኣብ ውሽጥና ከቃጭል ኣለዎ፡እዚ ብፍርሒ ንኸይነእውን ኣብ ካልእ ሓደጋ ከቃልዓና ዝኽእል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንኸነወግድን ክሕግዘና ይኽእል’ዩ፡ ፍርሕናን ረበሻናን ምቁጽጻር ጽዓትና ንኽንቖጻጸር ክሕግዘና ይኽእል’ዩ” ይብል ሙራት ሃሩን ኦንጎረን።
ኣዝዩ ዘገርም ዛንታታት ካብ ሓደጋታት ምውጻእ
ኣብ 1995 ኣብ ደቡብ ኮርያ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ሓደ ሰብ ካብቲ ብሰንኪ ምንቅጥቓት ምድሪ ዝሰዓብ ፍርስራስ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ብህይወት ክወጽእ ክኢሉ።
ንሱ ንዓሰርተ መዓልታት ካብቲ ካብ ዝናብ ናብ ውሽጢ ዞሪቑ ዝኣቱ ዝነበረ ማይን ወረቓቕትን እናበለዐ ንዓሰርተ መዓልታት ከምዝጸንሐ’ዩ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ኣብቲ ዝተደበየሉ ኣእምርኡ ንቁሕ ንምግባር ኣብኡ ብዝረኸባ ናይ ህጻናት ባንቡላ ይጻወት ከምዝነበረ’ውን ድሕሪ ምውጽኡ ሓቢሩ።
ኣብ ግንቦት 2013፡ ኣብ ባንግላድሽ ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ፋብሪካ ስለዝፈረሰ ድሕሪ 17 መዓልታት ብህይወት ክትወጽእ ክኢላ።
ብህይወት ምስ ወጽአት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ንብዙሕ መዓልታት ድምጺ ናይቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ይሰምዖ ነይረ፡እንተሰሙዑኒ ኢለ ነቲ ጸቒጥኒ ዝነበረ ብስሚንቶ ዝተሰርሐ ሽፋን ብሓጺንን ብበትርን ይኵሕኩሖ ነይረ፡እንተኾነ ክስማዕ ኣይክኣልኩን” ኢላ።
“ን15 መዓልታት ዝነቐጸ መግቢ ይበልዕ ነይረ፡እተን ናይ መወዳእታ ክልተ መዓልታት ግን እቲ መግቢ ስለዝተወደአ ብማይ’የ ሓሊፈየን” ትብል።
ኣብ ጥሪ 2010 ኣብ ሃይቲ 220 ሽሕ ሰብ ዘህለቀ መንቅጥቓጥ ምድሪ ኣጋጢሙ።
ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዱዃን እንከሎ እቲ ህንጻ ስለዝፈረሰ ኣብ ውሽጡ ተደብዩ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ 12 መዓልታት ብህይወት ክርከብ ክኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካልእ ሰብ’ውን ድሕሪ 27 መዓልታት ካብ ውሽጢ ፍርስራስ ብህይወት ወጺኡ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2005 ኣብ ፓኪስታን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ ሓንቲ ናቕሻ ቢቢ ዝተብሃለት ጓል 40 ዓመት ፖኪስታናዊት ከኣ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብቲ ዝፈረሰ ገዝኣ ኣብ ውሽጢ ክሽነ ብህይወታ ጸኒሓ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝተረኸበትሉ ምድራቕ ናይ ጅማውቲ ኣጋጢምዋ ኣዝያ ደኺማ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ’ያ ነይራ።
ኣብቲ እዋን ኣኩኣ ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠየቕ ኣብ ዝገበረሉ “ ምጀመርታ ምስ ረኸብናያ ሞይታ’ያ ኢልና ቀቢጽናያ ነይርና እናሰሓብናያ እንከለና ግን የዒንታ ኣንቀሳቒሳተን” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







