ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣበይ’ዩ ቀንዲ ኣጥቂዑ? ንምንታይ’ከ ክሳብ ክንድዚ ቀታሊ ኮይኑ?

ኣብ ቱርክን ኣብ ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጠቃጥ ምድሪ ኣብ ሰብን ንምረትን ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቱርክን ኣብ ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጠቃጥ ምድሪ ኣብ ሰብን ንምረትን ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኣብቲ ጥቓ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ ልዕሊ 4300 ሰባት ዝቐተለን ኣሽሓት ዘቑሰለን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ።

እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጋዚንተብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሓንሳብ ምስ ኣጋጠመ ብድሕሪኡ ምስቲ ቀዳማይ ዘጋጠመ ዓቐን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዳረግ ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ስዒቡ።

ንምንታይ’ዩ ክሳብ ክንድዚ ቀታሊ ኮይኑ?

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብርቱዕ ተባሂሉ ዝግለጽ’ዩ፤ ምኽንያቱ 7.8 ሬክተር ዓቐን’ዩ ነይርዎ።

ብዘይክኡ ክሳብ 100 ኪሎሜትር ዝርግሐ ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ህንጻታት ዓቢ ዕንወት ከውርድ ክኢሉ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዘርኢ ካርታ

ፕሮፌሰር ጅዋና ፋውረ ዎከር ኣብ ዩኒቨርስቲ ለንደን ላዕለወይቲ ሓላፊት ትካል ምጉዳል ሓደጋታትን ዕንወትን ኮይና “ሓደ ካብ ቀታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተባሂሉ ክግለጽ ዝክኣል እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ምስዚ ዓቐን ክምዓራረ ዝኽእል ክልተ ጥራይ ኣጋጢሙ፤ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት’ውን ኣርባዕተ ክንድዚ ምንቅጥቃጥ ዓቐን ዘለዎ ኣጋጢሙ ነይሩ” ትብል።

እንተኾነ ናብቲ ዝስዕብ ዕንወት ክንርኢ እንከለና፡ ዓቕን እቲ ሬክተር ጥራይ ኣይኮነን ከም ረቋሒ ዝርአ።

እቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንግሆ ሰብ ኣብ ድቃሱ እንከሎ ስለዘጋጠመ፡ ቁጽሪ ምውታት ንኽዛይድ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ሓደ’ዩ።

እቲ ከም ካልኣይ ረቋሒ ክግለጽ ዝክኣል ከኣ ድልዳለ ህንጻታት’ዩ።

ዶክተር ካርመን ሶላን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትማውዝ ተመራማሪት እሳተ ጎሞራ ኮይና “ ኣብ ደቡብ ቱርክን ኣብ ሶርያን ዘሎ ህንጻታት እንተርኢና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ዝብሃል ድልዳለ ዘይብሉ’ዩ፡ ስለዚ ምድሓን ህይወት ሰባት ኣብቲ ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሰዓበ ግብረ መልሲ’ዩ ክምርኮስ። ስለዚ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ዘለዋ 24 ሰዓታት ህይወት ንምድሓን ወሰንቲ ሰዓታት’የን፡ ድሕሪ 48 ሰዓታት እቲ ሓደጋ ግን ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ክወጽኡ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዩ ከንቆልቁል’ዩ” ትብል።

እቲ ዞባ ንዝሓለፈ ልዕሊ 200 ዓመታት ዝኾነ ኣሰካፊ ክብሃል ዝኽእል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዘየጋጠሞ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተኣጋጠመ ተባሂሉ ዝተገበረ ቅድመ ምድላዋት ኣይነበረን፡ እቲ ህይወት ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ዝተወዳደበ’ዩ።

ቅድምን ድሕርን እቲ ምንቅጥቃት ዝነበረ ስእሊ ናይ ሓደ ህንጻ
መግለጺ ስእሊ, ቅድምን ድሕርን እቲ ምንቅጥቃት ዝነበረ ስእሊ ናይ ሓደ ህንጻ

ጠንቂ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ’ዩ?

ውሽጣዊ ክፋል መሬትና ንሓድሕዶም ብዝተደጋገፉ ቀጻላታት ዝቖመ’ዩ።

እዞም ቀጸላታት እዚኦም ብተደጋጋሚ ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝፍትንሉ ኣብ ንሓድሕዶም ምፍሕፋሕ ብምፍጣር ድልዳለ ይፈጥሩ።

እንተኾነ እቲ ክቱር ብምፍሕፋሕ ዝስዕብ ምስግጋድ ገለ ክፋል ቀጸላ ሃንደበት ካብቲ ጸቕጢ ናይ ምፍሕፋሕ ብምውጻእ እቲ ከባቢ ነዝነዝታ ከምዝፈጥር ይገብር።

ኣብዚ ናይ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ እንመጽእ ከኣ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣረብያን ተባሂሉ ዘጽዋጽ ቐጸላን ኣናቶልያን ዝብሃል ቀጻላን ብዝተፈጠረ ምምዝባላት ዝሰዓበ’ዩ።

ቀዳማይን ካልኣይን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተረኣዮ ቦታታት
መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይን ካልኣይን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተረኣዮ ቦታታት

ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ሞንጎ እዞም ቀጻላታት ብዝጋጠመ ምፍሕፋሕ’ዩ ኣብቲ ከባቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጥም ነይሩ።

ኣብ 13 ነሓሰ 1822 ኣብቲ ቦታ 7.4 ሬክትር ዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ ካብቲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጣመ 7.8 ሬክተር ዝተሓተ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድረ ኣብ ከተማ ኣሌፖ ጥራይ 7000 ሰባት ቀቲሉ ምንባሩ ሰነዳት ይሕብር። እቲ ድሕሪ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝስዕብ ንኡስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ግን ንኣስታት ሓደ ዓመት ብተደጋጋሚ የስማዕ ነይሩ።

ተመራመርቲ ከኣ ንሕሉፍ ክስተታት እቲ ቀጻላታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓቐኑ ክንድቲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ዋላ ኣይኹን ብሕጂ ተደጋጋሚ ምንቅጠቃጥ ምድሪ ክስማዕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

ነቲ ምንቅስቃስ ቀጸላታት ዘርኢ ምስሊ
መግለጺ ስእሊ, ነቲ ምንቅስቃስ ቀጸላታት ዘርኢ ምስሊ

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምንታይ’ዩ ዝልካዕ?

ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ንምዕቃን Moment Magnitude Scale (Mw) ዝብሃል ኣገባብ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ነቲ ብሓፈሻ ሬክተር ስኬል ተባሂሉ ይጽዋዕ ብምትካእ ይስርሓሉ ኣሎ።

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክልተ ቀጻላታት ክሳብ ክንደይ’ዩም ናብ ኣንጻሪ ኣንፈት ተንቀሳቒሶምን ንምንቅስቃሶም ዝደረኸ ክንደይ ዝኸውን ሓይሊ ነይሩ ተባሂሉ’ዩ ዝዕቀን።

ትሕቲ 2.5 ሬክተር መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍለጠናን’ዩ፤ እንተኾነ በተን ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዕቅና መሳርሒታት ክፍለጥ ይክኣል።

ክሳብ 5 ሬክተር ከኣ ክስምዓና ይኽእል’ዩ መጠናዊ ዝኾነ ዕንወት’ውን ከኸትል ይኽእል’ዩ።

እቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ 7.8 ዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ግን ምስ ዓበይቲ ምንቅጠቃጥ ምድሪ ዝምደብ ኮይኑ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ዓበይቲ ዕንወታት ከስዕብ ይኽእል።

ልዕሊ 8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከአ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ዓንኬል እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ቦታ ዘሎ ሰብ ክቐትሎን ንኹሉ ህንጻታት ከዕንዎን ይኽእል።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጸለዎ ቦታታትን ደረጅኡን
መግለጺ ስእሊ, እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጸለዎ ቦታታትን ደረጅኡን

እዚ ናይ ብዓል ቱርኪ ምስ ካልኦት ክስተታት ክውዳደር እንከሎኸ?

ኣብ 2011 ኣብ ገማግም ጃፓን ዘጋጠመ 9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዓቢ ዕንወት ከኸትል እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ ስለዝተለዓለ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓት ኒክለስ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዘጋጠሙ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ኣብ 1960 ኣብ ቺለ ዘጋጠመ 9.5 ሬክተር ዓቐን ብምምዝጋብ እቲ ዝልዓለ ኮይኑ ተሰኒዱ ይርከብ።