ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ዛንታ እቲ ሓድሽ ዝወለደቶ ዕሸላ ከም ዘድሓና እትገልጽ ኣደ

ብሰንኪ እቲ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ "ተኣምራዊ" ዝተባህሉ ዛንታት ምድሓን ህይወት ግን ተራእዮም እዮም።
እዚ ሓደ ካብኣቶም እዩ።
ኔክላ ካሙዝ ብ27 ጥሪ 2023 ካልኣይ ወዳ ምስ ወለደት፡ ያጊዝ ዝብል ስም ኣውጺኣትሉ።
ያጊዝ ትርጉሙ "ተባዕ" ማለት እዩ።
ድሕሪ 10 መዓልታት፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 04፡17 ኔክላ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ከተማ ሳማንዳግ ኣብ ዝርከብ ገዝኣ ንወዳ እናመገበት ነይራ።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም።
ኔክላን ስድርኣን ኣብ ሓሙሽተ ደብሪ ዘለዎ ዘመናዊ ህንጻ ኣብ መበል ካልኣይ ደርቢ ይነብሩ ነይሮም።
ንሳ፡ ኣብቲ "ጽቡቕ ህንጻ" ክትነብር ከላ ውሕስነት ይስምዓ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ኣብታ ንጉሆ እቲኣ እቲ ህንጻ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝዓኑ ኣይፈለጠትን።
"እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጅምር ከሎ፡ ናብቲ ኣብቲ ካልእ ክፍሊ ዝነበረ በዓል ቤተይ ክኸይድ ደልየ፡ ንሱ'ውን ናባይ ክመጽእ ደልዩ" ትብል።
"ምስ እቲ ካልእ ወድና ናባይ ክመጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ግን እቲ ኣርማድዮ ኣብ ልዕሊኦም ስለ ዝወደቐ ምንቅስቓስ ኣይከኣሉን።"
"እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እናገደደ ምስ ከደ፡ እቲ መንደቕ ፈሪሱ፡ እቲ ክፍሊ ተናዊጹ፡ እቲ ህንጻ ድማ ኣቀማምጣኡ ቀይሩ። እቲ ምንቅጥቃጥ ደው ምስ በለ፡ ሓደ ደርቢ ንታሕቲ ከም ዝወደቕኩ ኣይተረድኣንን። ዓው ኢለ ኣስማቶም እንተጸዋዕኹ’ውን መልሲ ኣይረኸብኩን" ክትብል እቲ ዝነበረ ኩነታት ትገልጽ።
ጓል 33 ዓመት ኔክላ፡ ወዳ ኣብ ሕቑፋ ሒዛ ንነብሳ ወዲቓ ረኺባቶ።
ኣብ ጥቓኣ ዝወደቐ ኣርማድዮ፡ ሓደ ዓቢ ጽላት ኮንክሪት ከይጭፍልቖም ስለ ዝተኸላኸለሎም ብህይወት ክተርፉ ክኢሎም።
ኔክላን ወዳን ከምዚ ኢሎም ዳርጋ ንኣርባዕተ መዓልታት ጸኒሖም።
ቀዳመይቲ መዓልቲ
ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተደብያ ዝነበረት ኔክላ ብዘይካ "ጸልማት" ካልእ ክትርኢ ኣይከኣለትን።
እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣብ ካልኦት ህዋሳታ ክትምርኮስ ነይርዋ።
ብኡንብኡ ያጊዝ የስተንፍስ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ክኢላ።
ብሰንኪ እቲ ሓመድ ኣብ መጀመርታ ከተስተንፍስ ተጸጊማ፡ ደሓር ግን ክተስተንፍስ ከም ዝኸኣለት ትዛረብ።
ኣብ ትሕቲኣ ናይ ህጻናት መጻወቲ ከም ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዋ፤ ግን ክተረጋግጽ ወይ ንነብሳ ዝያዳ ክተማቻቹ ኣይከኣለትን።
ብዘይካ እቲ ኣርማድዮ፡ ልስሉስ ቆርበት ናይቲ ሓድሽ ዝተወልደ ወዳ፡ ከምኡ’ውን ዝተኸደንዎ ክዳውንቲ፡ ካልእ ኮንክሪትን ፍርስራስን ጥራይ እዩ ዝስምዓ።
ካብ ርሑቕ ድምጽታት ሰሚዓ። ሓገዝ ክትሓትት ክትጭድርን ነቲ ኣርማድዮ ክትሃርሞን ፈቲና።
ዓው ኢላ፡ "ሰብ ኣሎ’ዶ? ትሰምዑኒ ኣለኹም’ዶ?" ሓቲታ።
እዚ ግን ኣይሰመረን።
ሽዑ ካብቲ ኣብ ጥቓኣ ዝወደቑ ንኣሽቱ ፍርስራሳት ኣልዒላ።
ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ ጽላት ከይትሃርሞ ክፈርስ እዩ ኢላ ስለ ዝፈርሐት ዓው ዝበለ ድምጺ ከውጽእ ተስፋ ብምግባር ነቲ ኣርማድዮ ኣንኳሕኲሓቶ።
መልሲ ግን ኣይረኸበትን።
ኔክላ ዝዀነ ሰብ ከይመጽእ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተረዲኣ።
"ኣዝየ ርዒደ" ትብል።
ህይወት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ
ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ዘላ ኔክላ ብዛዕባ ግዜ ዝነበራ ቀልቢ ጠፊኡ።
ህይወት ከምዚ ክኸውን ዝተሓሰበ ኣይነበረን።
"ሓድሽ ቆልዓ ምስ ወለድካ ብዙሕ ነገራት ትውጥን፡ ድሕሪኡ . . . ሃንደበት ነብስኻ ትሕቲ ፍርስራስ ትረኽባ" ትብል።
ግን ንያጊዝ ክትሕልዎ ከም ዘለዋ ስለ ዝፈለጠት፡ ኣብቲ ዕጹው ቦታ ጡብ ከተጥብዎ ጀሚራ።
ንባዕላ ማይ ይኹን መግቢ ክትረክብ ኣይትኽእልን።
ብተስፋ ምቑራጽ ናይ ባዕላ ጸባ ጡባ ክትሰቲ ፈቲና፤ ግን ኣይተዓወተትን።

ብዛዕባ ስድራኣ ብቐጻሊ ትሓስብ ነይራ - ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍልባ ዝነበረ ህጻን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ገለ ቦታ እቲ ፍርስራስ ዝጠፍኡ ሰብኣያን ወዳን ትጭነቕ።
ካልኦት እትፈትዎም ሰባት በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተጎዲኦም ከይዀኑ እውን ትጭነቕ ነይራ።
ኔክላ ካብቲ ፍርስራስ ክወጽእ እየ ኢላ ኣይሓሰበትን፡ ያጊዝ ምንባሩ ግን ተስፋ ክትገብር ምኽንያት ኰይንዋ።
ያጊዝ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይድቅስ ነይሩ፤ እናበኸየ ክበራበር እንከሎ ድማ ክሳዕ ዝረጋጋእ ተጥብዎ ነይራ።
ስርሒት ምድሓን
ኔክላ ንልዕሊ 90 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ጸኒሓ፤ ሽዑ ግን ኣኽላባት ክነብሑ ሰሚዓ።
ኣይኣመነትን፤ ሕልሚ መሲልዋ።
እቲ ምንባሕ ስዒቡ ድምጺ ሰባት ተሰሚዑ።
"ደሓን ዲኺ? መልስኺ እወ እንተኾይኑ ሓንሳብ ኳሕ ኣብሊ" ሓደ ሰብ ተዳሚጹ።
ኔክላ ተረኺባ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ብጥንቃቐ ኰዒቶም ረኺቦምዋ።
እቲ ጸልማት ኣብ ኣዒንታ ብዘንጸባረቐ ብርሃን ላምባዲና ተቐንጢጡ።
እቶም ካብ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኢስታንቡል ዝመጸ ጉጅለ ምድሓን ህይወት፡ ዕድመ ያጊዝ ክንደይ ምዃኑ ሓቲቶም።
ኔክላ ግን ርግጸኛ ክትከውን ኣይከኣለን፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ወዲ 10 መዓልቲ ከም ዝነበረ ጥራይ እያ እትፈልጥ።

ምንጪ ስእሊ, EKREM IMAMOGLU
ኔክላ ንያጊዝ ናብቶም ጉጅለ ምድሓን ህይወት ድሕሪ ምሃባ፡ ብስትሬቸር ናብ ኣምቡላንስ ክትውሰድ ከላ ካብ መንጎ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ክተለልዮ ዝኸኣለት ዝዀነ ሰብ ኣእነበረን።
እታ ካልኣይ ወዳ ድሒኑ እንተኾይኑ ሓቲታ።
ድሕሪ ስርሒት ምድሓን
ኔክላ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሐት፡ ኣባላት ስድራቤታ ተቐቢሎምዋ።
ናይ ሽዱሽተ ዓመት በዓል ቤታ ኢርፋንን ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ ይጊት ከሪምን ካብቲ ፍርስራስ ከም ዝደሓኑን ግን ብሰንኪ ኣብ ኣእጋሮምን ዘጋጠሞም ከቢድ መጉዳእቲ ናብ ኣብ ኣዳና ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ሓቢሮምዋ።

እቲ ዘገርም ግን ኔክላን ያጊዝን ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣይበጽሖምን። ድሕሪ 24 ሰዓታት ካብቲ ሆስፒታል ተፋንዮም።
ኔክላ እትምለሰሉ ገዛ ኣይነበራን፡ ሓደ ዘመድ ግን ኣብቲ ካብ ዕንጨይትን ቴንዳን ዝተሰርሐ ግዝያዊ ዳስ ክተዕቁብ ገይሩ።
ኣብቲ ዳስ ብድምር 13 ገዝኦም ዝዓነወ ሰባት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኔክላ፡ ያጊዝ ህይወታ ከም ዘድሓነላ ትዛረብ።
"ውላደይ እንተዘይብርትዕ ነይሩ፡ ኣነ'ውን ኣይምበርታዕኹን" ትብል።
ንወዳ ዘለዋ እንኰ ሕልሚ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዓይነት ነገር ከየጋጥሞ እዩ።
"ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ብምዃኑ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ፡ ዝዝክሮ ነገር ኣይክህልውን'ዩ" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







