ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪን ሶርያን፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተወልደት ዕሸል ብህይወት ተረኺባ

እታ ብህይወት ዝተረፈት ዕሸል ኣብ መንቍሕ (ኢንኪቤተር) ደቂሳ ተሳኢላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እታ ብህይወት ዝተረፈት ዕሸል ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካላታ ሓያሎ ስንብራትን ፍሕጣራትን ኣጋጢምዋ'ዩ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝዓነወ ህንጻ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተወለደት ዕሸል ብሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋታት ብህይወት ክትተርፍ ከም ዝኸኣለት ተገሊጹ።

ኣዲኣ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ነዊሕ ከይጸንሐት ሕርሲ ከም ዝጀመራን ነታ ህጻን ድሕሪ ምውላዳ ድማ ከም ዝሞተትን ሓደ ዘመዳ ሓቢሩ። ኣቡኣ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋታን ሓንቲ ሓፍታን እውን በቲ ምንቅጥቃጥ ሞይቶም ኣለዉ።

ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ ጂንዳይሪስ ሓደ ሰብኣይ ነታ ህጻን ካብ ፍርስራስ ምስ ወጸት ብዶሮና ተሸፊና ሒዝዋ ክኸድ የርኢ።

ኣብ ኣፍሪን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪም፡ እታ ህጻን ሕጂ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘላ ገሊጹ።

እቲ ስድራኣ ዝነብሩሉ ህንጻ፡ ኣብታ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዋ፡ ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ እትርከብ ከተማ ጂንዳይሪስ ዘሎ ኮይኑ፡ በቲ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝዓነዉ ኣስታት 50 ህንጻታት ሓደ እዩ።

ኣኮ እታ ህጻን ከሊል ኣል ሱዋዲ፡ ኣዝማዶም ብዛዕባ ምፍራስ እቲ ህንጻ ምስ ሰምዑ ናብቲ ቦታ ከም ዝተጓየዩ ገሊጹ።

"እናዃዓትና እንከለና ድምጺ ሰሚዕና" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ። "እቲ ፍርስራስ ኣጽሪናዮ፡ እታ ህጻን ምስ ዕትብታ [ከይተቖረጸ] ረኺብናያ፡ ስለዚ ቆሪጽናዮ” ብምባል ብድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደት ሓቢሩ።

ሓኪም ህጻናት ሃኒ ማሩፍ፡ እታ ህጻን ናብ ሆስፒታል ክትመጽእ እንከላ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝነበረት ተዛሪቡ።

ንሱ፡ "ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካላታ ሓያሎ ስንብራትን ፍሕጫራትን" ከም ዘጋጠማ ሓቢሩ።

"ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ቁሪ'ውን ትሑት ምቘተ-ሰብነት ሒዛ እያ መጺኣ። ካልሲየም ንምሃብ ከነሙቓ ነይሩና" ኢሉ።

ናይ ኣዲኣ ኣፍራ፡ ኣቦኣ ዓብዱላህን ኣርባዕተ ኣሕዋታን ሓባራዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ ኣብ መንቍሕ (ኢንኪቤተር) ደቂሳ እያ ተሳኢላ።

እቶም ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ካብቶም ኣብ ሶርያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ 2,662 ሰባት እዮም።

ኣብ ቱርኪ ድማ ካልኦት 8574 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብ ሶርያ፡ ህይወት ንምድሓን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዋይት ሄልሜትስ ዝተበሃለ ናይ ወለንተኛታት ትካል፡ ቁጽሪ ዝሞቱ "ኣዝዩ ክውስኽ" ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ "ግዜ ይኸድ ኣሎ። ኣማኢት ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ምስ ትንፋሶም ተደብዮም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ህይወት ምድሓን ማለት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

"ኩሎም ሰብኣዊ ትካላትን ዓለምለኻዊ ኣካላትን ነቶም ኣብ ምድሓን ህይወት ዝሳተፉ ትካላት ንዋታዊ ደገፍን ሓገዝን ክገብሩ ጻውዒትና ነቕርብ።"

ድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን ብሰኑይ ንክልተ ግዜ ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ሞት ዝተረፉ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋ እናማህመነ ይመፅእ ምህላዉ ተገሊፁ።

ዛጊት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 11,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።