ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ቁፅሪ ዝሞቱ ኣስታት 16 ሽሕ በፂሑ

ህይወት ንምድሓን ዝጓየዩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን መንግስቱ ንኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንዝቐረበ ነቐፌታ ብምክልኻል ብመጠን እቲ ሓደጋ ምድላው ኣይከኣልን ነይሩ ኢሉ።

ኣብ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን ኣስታት 16 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ'ሎ።

ነቐፍቲ፡ እቲ ኣብ እዋን ሓደጋ ዝተወሃበ ምላሽ ኣዝዩ ከምዝደንጎየን መንግስቲ ድኹም ምድላው ከምዝነበሮን ይሕብሩ።

ኤርዶጋን መንግስቲ ገለ ጸገማት ከምዝተረኣይዎ እኳ እንተተቐበለ ኣብዚ እዋን ግን እቲ ኩነታት "ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር" ከምዘሎ ተዛሪቡ።

መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ፖለቲካ ቱርኪ ከማል ኪሊችዳሮግሉ ብወገኑ ንሓሳብ እቲ ፕረዚደንት ይነፅጎ

"በዚ ተሓታቲ ዝኸውን ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ኤርዶሃን'ዩ" ኢሉ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን ብሶኑይ ክልተ ግዜ ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ሞት ዝተረፉ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋ እናመንመነ ይመፅእ ምህላዉ ይግለፅ።

ዛጊድ ኣስታት 16,000 ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገፅ ከሎ እቲ ቁጽሪ ግን ገና ክውስኽ ከምዝኽእል ምልክታታት ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ኣዝዩ ቀዝሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ነፍሲ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ምስ ትንፋሶም ንዝህልዉ ሰባት ዝረክቡሉ ግዜ ይፅንቀቕ ኣሎ።

ኣብ ዝፈረሰ ህንጻታት ዝነብሩ ኣዝማድ ግዳያት ኣብ ሓንቲ ናብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከተማታት ቱርኪ መዋሮን ጭኳሮን ሒዞም ናብ ጻዕርታት ህይወት ምድሓን ተጸንቢሮም ኣለዉ።

ገለ ኣብ ጭንቀት ዘለዉ ስድራቤታት ድማ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ፃዕርታት ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደ ብምግላፅ ይነቕፉ ኣለዉ።

ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን በቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝየን ብሕሱም ናብ ዝተሃሰያ ከባብታት ከም ዝበፅሐ ማዕኸናት ዜና ፀብፂበን። ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ዝኾነት ፓዝርቺክ ሓዊሱ ካህራማንማስን ሃታይን ከምዝበፅሕ ተሓቢሩ።

ኤርዶጋን፡ ኣብ መገድታትን መዕርፎ ነፈርትን ብዝወረደ ጉድኣት ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ምድንጓያት ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ገሊፁ።

በቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝየን ኣብ ዝተጐድኣ 10 ግዝኣታት ቱርኪ ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ናይ መጀመርታ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሶኑይ ኣብ ከባቢ ጋዚኣንተፕ ዘጋጠመ ኮይኑ ድሕሪ ሂደት ሰዓታት ድማ 7.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ኣጋጢሙ።

ተመራመርቲ ምድሪ እቲ ናይ መጀመርያ ምንቅጥቃጥ ዛጊድ ኣብ ቱርኪ ካብ እተመዝገበ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ገሊጾም።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንክልተ ደቓይቕ ከምዝቐጸለ ተዛሪቦም።

ደው ክብል ክልተ ደቒቕ ከም ዝወሰደሉ ገሊጾም። እቲ ቀዳማይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከኣ 7.5 ሬክተር ዓቐን ከምዝነበሮ ሓቢሮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።