ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ምስ ህንጻ ኣባይቲ ብዝተሓሓዝ 113 ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰበ መዚ ቱርኪ ምስ ህንጸት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ዝፈረሱ ህንጻታት ብዝተኣሳሰር 113 ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዝተዋህበ ገሊጾም።
ፖሊስ ቱርኪ ድሮ ተዀናተርቲ ህንጻ ዝርከቡዎም ብውሕዱ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።
ተወሳኺ ማእሰርቲ ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተዀነ፡ እቲ ስጉምቲ ግን ብዙሓት ብጠቕላላ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደጋ ዘቕርቡዎ ዘለው ነቐፌታ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ገይሮም ይርእዩዎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ዝተራእየ ናዕቢ ኣብ ገለ ቦታታት ንዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ኣሰናኺሉዎ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 33 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።
ንዓመታት፡ ኣብ ቱርኪ ብዙሓት ሓደስቲ ህንጻታት ብሰንኪ ሰፊሕ ብልሽውናን ፖሊሲታት መንግስትን ውሑስ ከም ዘይኰኑ ክኢላታት የጠንቅቑ ነይሮም።
እቶም ፖሊሲታት፡ ንዕብየት ህንጻ ንምትብባዕ - ኣብተን ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዓ ዞባታት ሓዊሱ - ንመምርሒታት ህንጻ ዝጥሓሱ ተዀናተርቲ ምሕረት ይፈቕዱ ነይሮም።
እዞም ኣሽሓት ህንጻታት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ክፈርሱ እንከለው፡ ጽልዋ እቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብሰንኪ ድኽመት ደቂ ሰባት’ዶ ገዲዱ ይኸውን ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ መረጻ እዋን ዝቐርበሉ ዘሎ ግዜ ድማ፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ መጻኢ ዕድሉ ኣብ መዋጥር ኣሎ።
ፕረዝደንት ኤርዶጋን፡ ኣብቲ ነቲ ሓደጋ ዝተዋህበ ምላሽ ጉድለታት ከም ዘሎ እኳ እንተኣመነ፡ ኣብ ሓደ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዞባ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ጽሕፍቶ ተሰሚዑ።
"ከምዚ ዓይነት ነገራት ኩሉ ግዜ ዘጋጥም እዩ፤ ኣካል ናይ ጽሕፍቶ'ዩ" ኢሉ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ግዝኣት ሃታይ ኣብ መንጎ ስሞም ዘይተጠቕሰ ጉጅለታት ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ጀርመናውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወትን ሰራዊት ኦስትርያን ስርሒታት ምድላይ ደው ከብሉ ተገዲዶም።
ቀረብ መግቢ እናነከየ ምስ ከደ ድማ ኩነታት ጸጥታ ክገድድ ከም ዝኽእል ሓደ ሰራሕተኛ ምድሓን ህይወት ገሊጹ።
ኦስትርያዊ ሌተናል ኮሎኔል ፒየር ኩገልላይስ "ኣብ ቱርኪ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ቱርኪ ዘጋጥም ጐንጺ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ህይወት ናይ ምድሓን ዕድላት ግን ምስቲ ናይ ድሕነት ሓደጋ ርትዓዊ ዝምድና የብሉን" ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰራዊት ቱርኪ፡ እቲ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ዝግበር ጻዕርታት ዳግማይ ተጀሚሩ እዩ።
ኣብ መላእ ደቡባዊ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን፡ ሚልዮናት ቤት ኣልቦ ኰይኖም’ዮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ብዘይ እኹል መግቢ ከም ዘለዉ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ባይታ ዝርከቡ ኤጀንሲታት እቲ ትካል ድማ፡ ብሰንኪ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሶርያ ሞት ልዕሊ 3500 ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ። ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ግን ሓድሽ ኣሃዛት ኣይተዘርግሐን።
ብሰንበት ኣብ ቱርኪ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 29 ሽሕ በጺሑ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ገለ ንምእማኑ ዘጸግሙ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ክስርሑ እንከለው፡ ብቐዳም ኣብ ቱርኪ ግዝኣት ጋዚኣንቴፕ ሓሙሽተ ስድራ፣ ኣብ ሃታይ ን132 ሰዓታት ብፍርስራስ ተደብያ ዝጸንሐት ጓል ሸውዓተ ዓመት ተረኺቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







